ቅትለት ካሾጊ፡ 'ኣስከሬኑ ብኣሲድ ክሓቅቕ'ዩ ተገይሩ'

ካሾጊ Image copyright EPA

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ኣሲን ኣክታይ፡ ኣስከሬን ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ምስተቖራረፀ ኣብ ኣሲድ ክሓቕቕ ከምዝተገበረ እየ ዝኣምን ክብል ተዛሪቡ።

ቀተልቲ ናይቲ ጋዜጠኛ፡ ዝኾነ ይኹን ኣሰር ክገድፉ ስለዘይደለዩ እዮም ንኣስከሬኑ ከወግድዎ ደልዮም ድማ ኢሉ።

ኣስከሬን ናይቲ ኣብ ከተማ እስታንቡል ዝተቐተለ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ፡ ብኣሲድ ከምዝሓቐቐ ዘርኢ ናይ 'ፎረንሲክ' መረዳእታ ግን ኣይቀረበን።

ሙሓመድ ቢን-ሳልማን ብዛዕባ ካሾጊ ኣብ ቴሌፎን ተዛሪብዎ ዝተብሃለ እንታይ እዩ?

ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሳልማን፡ እቲ ዝተቐትለ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ሓደገኛ ተኸታሊ ምስልምና ክኸውን ከምዝኽእል ንኣሜሪካ ከምዝሓበረ ገለ ናይ ዜና ማዕከናት ገሊጸን እየን።

ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሳልማን፡ ሃለዋት ጀማል ካሾጊ ድሕሪ ምጥፍኡን ቅድሚ ስዑድያ ቅትለቱ ምእማናን ምስ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኢዩ ሓደገኛ ተኸታሊ ምስልምና ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢሉ ንኣሜሪካ ሓቢሩ ዝብሃል።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ስዑድያ እዚ ኣብ ጋዜጣታት ዋሺንግቶን ፖስትን ኒው ዮርክ ታይምስን ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ነጺጋቶ።

እቲ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ናይ ማዕከናት ዜና ዝሰርሕ ዝነበረ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ፡ ጀማል ካሾጊ፡ ኣንጻር ኣመሓደርቲ ሃገሩ ተቓውሞ ብምስማዕ ኣዝዩ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ።

ሬስኡ ስጋብ ሕጂ ኣይተረኽበን፡ እንተኾነ ቱርኪ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ካሾጊ ብ 2 ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ስዑድያ ኣብ ኢስታቡል ከምዝተቐትለ ይሰማምዓ እየን።

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ፡ ንጉሳውያን ቤተሰብ ኣብ ቅትለት ካሾጊ ዝኾነ ኢድ ከምዘይነበሮም ድሕሪ ምግላጽ፡ ``ኩሉ መርትዖታት ንምርካብ ክትጽዕት`` ምዃና ገሊጻ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሳልማን ``እቲ ዝተፈጸመ ገበን ንኹሉ ስዑዳዊ ኣዝዩ ዘሕመመ ኢዩ`` ኢሉ።

ኣብቲ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ እንታይ ተባሂሉ?

ኣብቲ ልኡል ሙሓመድ ምስ ጃረድ ኩሽነር፡ ሰብኣይ ጓሉ ንፕሬዚደንት ዶናል ትራምፕን፡ ምስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጆን ቦልቶንን ብቴሌፎን ዝገበሮ ዝርርብ፡ ካሾጊ ኣባል እስላማዊ ውድብ ሙስሊም ብራዘርሁድ ኢዩ ነይሩ ኢሉ ከምዝሓበሮም ጋዜጣ ዋሺንግቶን ፖስት ጸብጺቡ።

እቲ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ብ9 ጥቅምቲ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምጥፋእ ካሾጊ'ዩ ተኻይዱ ዝብሃል።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ልኡል ሙሓመድ፡ ዋይት ሃውስ ነቲ ናይ ኣሜሪካን-ስዑድያን ኪዳን ክትዕቅቦ ከም ዝሓተተ ይግለጽ።

Image copyright Reuters

ስድራ ቤት ካሾጊ ንዋሺንግቶን ፖስት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካሾጊ ኣባል ሙስሊም ብራዘርሁድ ከምዘይነበረን፡ ካሾጊ`ውን ዝሓለፉ ዓመታት ብቐጻሊ ነቲ ጠቐነ ይነጽጎ ከምዝነበረ ገሊጾም።

ስዳራ ቤት ካሾጊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ``ብዝኾነ መለክዒ ካሾጊ ሓደገኛ ሰብ ኣይነበረን፡ ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ ድማ ትርጉም-ኣልቦ ኢዩ`` ኢሎም።

ካብቲ ዝተኻየደ መርመራ እንታይ ተረኺቡ?

ካሾጊ ብኸመይ ከምዝተቐትለ ስጋብ ሕጂ ኣብ ስምምዕ ኣይተበጸሐን።

ካሾጊ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስል፡ ምስ ቱርካዊት ሕጽይቱ ሂቲጃይ ጂንጊዝ፡ ናይ መርዓ ሰነድ ንምስላጥ ኢዩ ከይዱ።

መንግስቲ ቱርኪ ብሮቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ``ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ``፡ ካሾጊ ናብቲ ቆንስል ምስ ኣተወ፡ ሽዑንሽዑ ኢዮም ሓኒቖሞ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንሬስኡ ጎዛዚዮም ኢላ።

ሃለዋት ካሾጊ ምስጠፍአ፡ መንግስቲ ስዑድያ ካሾጊ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ብሂወቱ ኢዩ ወጺኡ ኢሎም። ጸኒሖም ድማ ተቐቲሉ፡ ቅትለቱ ድማ ኣቐዲሙ ዝተወጠንን ውጽኢት ``ፋሉላዊ ስርሒት`` ከምዝነበረን ገሊጾም። ዓሰርተ-ሸሞንተ ዝኾኑ ጥርጡራት ድማ ከምዝተኣስሩን ኣብ ስዑድ ዓረብ ከምዝፍረዱን ክገልጹ ከለው፡ ቱርኪ ግና እቶም ጥርጡራት ኣብ ሃገራ ክፍረዱ ኢያ ጠሊባ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት