ተጋሩ፡ ካብ መተማ ንብረትና ሒዝና ከይንወፅእ ተኸልኪልና ኢሎም

ኣብ ከተማ መተማ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በጺሑ Image copyright Ethio Love New

ካብ ዕግርግር መተማ ዮሃንስ ሃዲሞም፡ ኣብ ገለባት ሱዳን ተዓቚቦም ዝጸንሑ ተጋሩ: ሎምዓልቲ ተመሊሶም ናብ መተማ ይኣትዉ ኣለዉ።

እቶም ተጋሩ፡ ካብ ስርቅን ባርዕን ዝተረፈ ንብረቶም ሒዞም ንሱዳን ክምለሱ እኳ እንተደለዩ፡ ኣብ መንጎ መተማን ገለባትን ዝርከብ ጣብያ ጉምሩክ ሻንጣኦም ጥራሕ ሒዞም ክወፅኡ ከምዝፈቐደ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኣብታ ከተማ ትራክተርን ባጃጅን ዝወነኑ ብዙሓት ተጋሩ ንብረቶም ሒዞም ከይወፅኡ ከምዝተዓገቱ ይዛረቡ።

ኣብቲ ጣብያ ጉምሩክ ሓላፊ ጉጅለ ምትእንጋድ ኣጋር ተጓዓዝቲ: ኮሎኔል ሽፈራው ግን ነቲ ጥርዓን ነፂጎምዎ።

ኮሎኔል ሽፈራው ብኣንፃሩ እቲ ጣብያ ጉምሩክ ክምዝተኸፈተን ሰባት ይኣትዉን ይወፅኡን ምህላዎም ይዛረቡ።

"ስርዓት ጉምሩክ ዘማለአ ሰብ ከይሓልፍ ዝተኸልከለ ኣይራእኹን" ድማ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ሓበሬታ ሎምዓልቲ ንጉሆ፡ ከንቲባ ኣድነው ምስቶም ህውከት ዝፈጥሩ ዘለዉ መንኣሰይ ኣብ ከባቢ እቲ ጣብያ ጉምሩክ ተዛትዮም ነይሮም።

መንግስቲ ትግራይ እንታይ ኢሉ?

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ በቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ከተማ መተማ፡ መናእሰይ ብዝመርሑዎ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጥቕዓት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ድማ ምምዝባል ዘስዓበ መጥቃዕቲ ተሓተቲ'ዮም ዝበሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዑ።

እቲ ኩነታት፡ ትማሊ 26 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ሰዓት 8፡00 (2፡00) ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ከምዝጀመረ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"ናይ ክልል ኣምሓራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ኣቐዲሞም ብምንቅስቓስን ኩነታት ንክርበሽ ኣመራርሓ ዝሃቡ ስለ ዝኾኑ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይግባእ" ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተማሕጺኑ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ "ፌደራል መንግስትን ሕገ-መንግስቲ ብዘይምቁራፅ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝጥሕሱ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ይግባእ" ክብል ተማሕጺኑ።

ኣብ መተማ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ንስለ ድሕንነቱ ሽሙ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኾነ ነባሪ እታ ከተማ፡ ብርክት ዝበለ ንብረት ተወለድቲ ብሄራት ቅማንትን ትግራይን ከምዝዓነወ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ ገሊጹ።

"እዚ ዝተወሰኑ ምሊሻታት ዘለውዎ ብ 'ጎበዝ ኣለቃ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰባት ዝምራሕ ኾይኑ፡ ትሕቲ 18 ዕድሚኦም ህጻናት ዝሳተፍሉ ዘለው ዓመጽ'ዩ። እዚኦም፡ ሕብረተሰብ ክውክሉ ዘይኽእሉ፣ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ዝደለዩ ካበይ'ዮም ዘይትፈልጦም ሰባት ዘብጽሑዎ ጉድኣት'ዩ" ይብል።

እቲ ነባሪ እቲ ኸባቢ ዝኾነ ተወላዲ ትግራይ፡ ብቲ ዝተፈጠረ ጸገም ብርክት ዝበለ ንብረትን ኣብያተ ንግድን ከምዝዓነወ'ውን ይገልጽ።

"እዚ ናይ ኣምሓራ መሬት'ዩ፡ ቅማንትን ትግራዋይን ይውጻእ ዝብሉ ጭርሖታት ነይሮም። በዚ ምኽንያት ተወለድቲ ብሄረሰብ ቅማንት ዝውንንዎም ካብ 5-6 ዝበጽሑ ዱካናትን ንብረትን ዓንዮም። ካብ ተጋሩ ድማ፡ ክልተ ሱፐር ማርኬት፣ ሆቴል፣ ድኳናትን፣ ባህላዊ ክዳውንቲ መሸጢን፣ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኾይኖም'ዮም" ኢሉ።

ክሳብ ሕዚ ዝሞተ ወይ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖ ትግራዋይ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ልዕሊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተጋሩ ግና ገለባት ናብ ዝተብሃለ ከባቢ ሱዳን ከምዝሃደሙ፡ እቶም ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃቡ ሰባት ይገልጹ።

ይኹን'ምበር፡ ትምሊ ኣጋምሸት ኣብታ ከተማ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል: ሓደ ሓረስታይ ተወላዲ ብሄረሰብ ቅማንት: ኣብ ማሕረስ ውዒሉ ናብ ቤቱ እንትምለስ ከምዝተቐተለ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ እንታይ ይብሉ?

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መምርሒ ፖሊስ ዞባ ምዕራብ ጎንደር፡ ኮማንደር ጌትነት ኣልታሰብ ብዛዕባ እቲ ህውከት ኣመልኪቶም መብርሂ ክህቡና ብስልኪ ሓቲትናዮም ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮኑን።

ከንቲባ ከተማ መተማ ዮውሃንስ: ኣይተ ኣድነው ኣያና ግና፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ክሳራ ምብጽሑ ኣረጋጊጾም።

"ክሳብ ሕዚ፡ ብቁጽሪ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ከምዝተመዛበለን ክንደይ ንብረት ከምዝዓነወን'ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ዝተቓጸሉ ኣብያተ ንግዲ ኣለው" ብምባል፡ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብዚ እዋን ጸጥታ ኣብ ምስፋን ይነጥፍ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

Image copyright Ethio Love New

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ ከተማ መተማ ብምእታው ነቲ ህውከት ኣህዲኡዎ'ሎ ኢሉ ካብታ ከተማ ሓበሬታ ዝሃበና ምስክር።

ትማሊ ሰሉስ ድማ፡ ክልተ መኪና ምሉእ ዕጡቓት ቅማንት ካብ ገጠር ናብታ ከተማ ብምእታው፡ ሽምግልና ተጀሚሩ ምህላዉ ይግለፅ'ሎ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሰሉስ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ኣተወ፡ ህዝቢ ነናብ ቤቱ ክኣትው ተኣዚዙ፤ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ድማ ጠጠው ኢሉ፡ ብተነፃፃሪ ሰላማዊ ኩነታት ሰፊኑ 'ሎ ይብሉ ተቐማጦ እታ ከተማ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ዝተሸሙ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ፡ ካብ ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ጎንደር ንዝተወከሉ ምልሻ: ኣብ ከተማ ገንድ ውሃ (ሸሄዲ) ብ 23 ጥቅምቲ ኣኼባ ኣካይዶም ከምዝተመለሱ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መሰኻኽር ይዛረቡ።

ትሕዝቶ እቲ ኣኼባ ብንፁር ኣይተፈልጠን።

ተወሳኺ ዛንታ