ኢትዮጵያ፡ ሳተላይት ክተወንጭፍ'ያ

ሳተላይት Image copyright Sergei Savostyanov

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቻይና ዝተሰርሐት ሳተላይት ናብ ህዋ ንምውንጫፍ ኣብ ምድላው ከም እትርከብን ንኢትዮጵያ ዓብይ ረብሓ ከምዝህልዎን ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ካብ ናይ ወጻኢ ሃገር ትካላት ዓዲጋ ትጥቀም ብምንባራ ምውንጫፍ እዛ ሳተላይት፡ ኣብ ምድሓን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ፤ ዋና ዳይሬክተር ኢንስትዩት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዶክተር ሰለሞን በላይ ይገልጹ።

እታ እትውንጨፍ ሳተላይት፡ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅናዕ፣ ሕርሻዊ ማእቶት፣ መጽናዕቲ ማይ ከምኡ ድማ ኣብ ዕደናን ልምዓት ከተማን ዝሕግዝ ሓበሬታ እተቐብል ከምእትኸውን እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ሳተላይት እናዓደገ ክጥቀም ብምጽንሑ፡ እቲ ሳተላይት ብምውንጫፍ ዝርከብ ሓበሬታ ንሃገርና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ሸርፊ ወጻኢ ድማ ክተድሕን'ያ" ኢሎም ዶክተር ሰለሞን።

እታ ሳተላይት፡ ምሉእ ስእሊ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ምስዳድ እትኽእል ኮይና፡ ናይ ምሉእ ዓለም ድማ ኣብ 50 መዓልታት ናይ ምሽፋን ዓቕሚ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኢትዮጵያ ልዕሊ 250 ሚልዮን ብር ነዚ ሓበሬታታት ንምርካብ ወጻኢ ትገብር ከም ዝነበረት ዝገለጹ ዶክተር ሰለሞን በላይ፡ እቲ ጠለብ በብእዋኑ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላው እቲ ገንዘብ ቀሊል ከም ዘይኸውን ይዛረቡ።

ግደ ናይዛ ሳተላይት ኣብ ጉዳይ ጸጥታ እንታይ ከምዝኸውን፡ ንዝቐረበሎም ሕቶ ድማ ብግልፂ ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም።

"እታ ሳተላይት ንሰላማዊ ልምዓት ዝሕግዙ ነገራት ኩሉ ክትሕግዝ እያ። ዝኾነት ሃገር ሳተላይት ንኲናት፡ ንወትሃደራውን ካልእ ሰላማዊ ንዘይኮነ ረብሓን ክትጥቀም፡ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝድገፍ ኣይኮነን" ኢሎም።

"ዘድልየና ሓበሬታ ከንረኽብ ኢና፤ ንዘድልዮ ድማ ክንሸይጥ ኢና። ኣዝዩ ኣርባሒ ዋኒን ኢዩ። ንኣብነት ደቡብ ኣፍሪቃ እንተወሲድና ናይ ብሕቲ ትካላት ተዋፊረናሉ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ ክሳብ 10 ሺሕ ዶላር ይሸጣ" ኢሎም።

እታ ሳተላይት ካብ ቻይና ብዝተረኸበ ናይ 6 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ዝማዕበለት እንትኸውን፤ ካብ ሃገረ ቻይና ከም እትውንጨፍ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት