ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ኦሮሚያን ሶማልን መቓብር ጋህሲ ረኺበ ኢሉ

ካርታ

ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ 200 ሬሳታት ዝሓዘ መቓብር ጋህሲ ኣብ ከባቢ መዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማልን ከምዝረኽበ ገሊጹ።

ፖሊስ ነዚ ዝበለ፡ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ነበር ዓብዲ መሐመድ ዑመር፡ ትማሊ ሓሙስ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፌደራል ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እዩ።

ፖሊስ፡ ነቲ ጋህሲ መቓብር ዝረኸበሉ ቦታ ግን ዛጊድ ብንጹር ኣይገለጸን።

ብሰንኪ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ዘይምርግጋእ፡ ብኣሽሓት ኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ይፍለጥ።

እዚ መቓብር ዝተረኽበ፡ ብፕረዚደንት ነበር ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝተብሃሉ ግፍዓዊ በደላት ምርመራ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዶባት ኦሮሚያን ሶማልን፡ ቀቢላዊ ግጭት ብምብራዕ ዝተኸሰ ዓብዲ መሓመድ፡ ፍርዱ ኣብ ምጽባይ ይርከብ።

ፍሉይ ሓይሊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ፖሊስ ናይቲ ክልል፡ ኣብቲ ከባቢ ቅትለት ፈጺሙ እዩ ዝብል ክሲ ይቐርቦ እዩ።

መንነት እቶም ብጅምላ ዝተቐብሩ 200 ሰባት ንምጽራይ፡ ፖሊስ ጻዕርታት ይገብር ኣለኹ ኢሉ።