ንመምሃራን ዚያዳ ኣኽብሮት ዘለወን ሃገራት ዓለምና

ሞያ መምህርነት ንዓኹም እንታይ'ዩ? ንሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ እትህብዎ ክብርን ኣድናቖትንከ?

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንጠመተን ኣቓልቦን ሞያ መምህርነት ዓሊሙ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ንሞይኡ ልዑል ቦታ ክህልዎ ዝደሊ መምህር፡ ኣብ ቻይና፣ ማሌዥያ ወይ ታይዋን ክምህር ኣለዎም ኢሉ።

እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ኣብዘን ሃገራት ዝምህሩ መምሃራን፡ ልዑል ህዝባዊ እምነትን ክብርን ዝተላበሱ'ዮም።

Image copyright Getty Images

እንተኾነ፡ ኣብ ብራዚል፣ እስራኤልን ጥልያንን ዝምህሩ መምሃራን፡ ኣብ ኣንጻራዊ መስርዕ እዚ ምልከታ'ዮም ዝርከቡ።

ፋውንዴሽን ቫርኬይን፡ ብሄራዊ ኢንስቲትዩት ማሕበራውን ቑጠባውን መጽናዕቲ ብሪጣኒያ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ብሪጣኒያ ኣብ ውሽጢ እተን 35 ኣብ ቅድሚት ተሰሪን ዝርከባ ሃገራት ትርከብ ኢሉ።

ቻይና ግና ብ81 ሚኢታዊት፡ መምሃራን ዝኸበሩላ ሃገር ኾይና፡ ነቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ማእኸላይ ውጽኢት 36 ሚኢታዊት በሊጻ ትርከብ።

ባህሊ ምኽባር መምሃራን

ሃገራት ኤውሮጳን ደቡብ ኣሜሪካን፡ ተምሃሮ ንመምሃራኖም ልዑል ኽብሪ ዝህቡለን'የን ተባሂሉ ይውሰድ ነይሩ።

እዚ ባህሊ ግና ብፍሉይ ንደቡብ ኮርያን ሲንጋፖርን ሓዊሱ፡ ኣብ ኤሽያ ይጥንክር።

Image copyright Getty Images

ተምሃሮ እዘን ሃገራት'ውን ኣብ ዓለምለኻዊ ፈተናታት ዝለዓሉ ከምዝኾኑ ዝገልጹ ጸብጻባት፡ እቲ ሞያ መምህርነት'ውን ደረጅኡ ብዝሓለወ ኢድ ንኢድ ዝኸይድ ብቑዕ ኣባል ስታፍ ከምዝመርጽ ይሕብሩ።

ኣብ ቻይና፣ ህንድን ጋናን ዘለው ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ስድራ ቤታት፡ ደቆም መምሃራን ክኾኑ'ዮም ዘተባብዑ።

ብኣንጻሩ ኣብ ሩሲያ፣ እስራኤልን ጃፓንን ዘለው ስድራቤታት፡ እንተኽኢሎም ደቆም ካብዚ ሞያ ክርሕቑ ይምዕዱ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ድማ፡ 23 ሚኢታዊት ስድራ ጥራይ፡ ደቆም ኣካል እዚ ሞያ ክኾኑ የተባብዑ። ብሓፈሻ ግና ኣብ መብዛሕትአን እዚ መጽናዕቲ ዝተኻየደን ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ፡ ኣብ መምህርነት ዝጠፍእ ሰዓት ኣይንእድን።

ኒውዝላንድ እቲ ዝነውሐ ሰዓት ትምህርቲ እንትህልዋ፡ ግብጺ ወይ ፓናማ ድማ እቲ ዝተሓተ ሰዓት ትምህርቲ ዘለወን ሃገራት'የን።

ዕውት ስርዓተ ትምህርቲ ብምምዝጋብ ዝልለያ ካናዳን ፊንላንድን፡ መምሃራነን ካብቲ ዝግብኦም ሰዓት ንላዕሊ'ዮም ዝሰርሑ ዝብል እምነት ኣብ ህዝቢ ኣሎ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
መምህር ኮምፒውተር ብዘይ ኮምፒውተር

ዓሰርተ መምሃራን ዘኽብራ ሃገራት

  1. ቻይና
  2. ማሌዥያ
  3. ታይዋን
  4. ሩሲያ
  5. ኢንዶኖዢያ
  6. ደቡብ ኮርያ
  7. ተርኪ
  8. ህንዲ
  9. ኒው ዝላንድ
  10. ሲንጋፖር

ተወሳኺ ዛንታ