እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ንኣዛዚ ሓማስ ምቕታላ ገሊጻ

ወላዲት፡ ኣዛዚ ሃማስ ኑር ባራከ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወላዲት፡ ኣዛዚ ሃማስ ኑር ባራከ

እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝገበረቶ ስርሒት፡ ኣዛዚ ሓማስ ዝርከቦም፡ ሽዱሽተ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን ፍልስጤም ሓቢሮም።

ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ሓደ ወትሃደር ክመውት ከሎ ካልእ ድማ ከም ዝቖሰለ ኣፍሊጡ።

እቲ ጎንፂ፡ ኣብ ከባቢ ከሃን ዩኒስ'ዩ ኣጋጢሙ። ድሒሩ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል፡ ካብ ሮኬት ተጠንቀቑ ዝመልእኽቱ ድምጺ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ብርክት ዝበለ ካብ ቓዛ ዝተተኮሰ ሮኬት ተሃሪሙ ወዲቑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤነያሚን ናታንያሁ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ 100 ዓመት ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ፓሪስ ዝነበሮ ዑደት ብምቁራጽ ሰንበት ምሸት ናብ ሃገሩ ክምለስ ከም ዝተገደደ፡ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል፡ እቲ ንዝበዝሕ ክፋል ቓዛ ዝቆጻጸር፡ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ፡ ነቲ ክስተት "ጃጃዊ መጥቃዕቲ እስራኤል" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ተቐቲሉ ዘሎ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሸኽ ኑር ባራከ ምዃኑን፡ ኣዛዚ ብርጌድ ዒዘዲን ኣልቃሳም ከም ዝኾነን'ዩ ዝግለጽ።

ፍሉያት ሓይልታት እስራኤል ካብ ከባቢ 3 ኪሜ ርሕቀት፡ ኣብ መኪና ኮይኖም ምስ ቶኮሱ፡ ናይ ቶክሲ ምልውዋጥ ከም ዝሰዓበን፡ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

ሰራዊት እስራኤል ዝርዝራዊ መግለጺ እኳ ተዘይሃበ፤ ሰራዊቱ ከም ዝተመልሰ ሓቢሩ።

ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ቓዛ፡ ብፍሉያት ሓይልታት ኣብ ዝተካየደ ስርሒት፡ ምልውዋጥ ቶክሲ ምግጣሙን፡ ሓደ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ምቕታሉን ካልእ ድማ ምቑሳሉን ገሊጹ።