ምስጢራዊ ስርሒት እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ፡ ናዕቢ ኣልዒሉ

ኣብ ወሸመጥ ቓዛ ብሮኬት ብምህራማ ዝተቓጸለት ኣውቶቡስ ሕዳር 12 2018 Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኪቡዝ ብሮኬት ተሃሪማ ዝተቓጸለት ኣውቶቡስ

ኣባላት ስለያ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ምስጢራዊ ስርሒት ኣብ ዘካይድሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ መንጎኦምን ዕጡቓት ሓማስን ብዝተፈጥረ ረጽሚ ሸውዓተ ዕጡቓት ሓማስን ሓደ ወተሃደር እስራኤልን ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ዕጡቓትን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝተላዐለ ህውከት ተጋዲዱ`ሎ።

ፍልስጤማውያን ዕጡቕቃት ብዝተኮስዎ 300 ሞርታራት ሓንቲ ኣውቶቡስ ክትህረም እንከላ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረ ሓደ ወተሃደር እስራኤል ድማ ቆሲሉ።

እስራኤል ድማ ንሓማስን ጂሃዳውያን እስላምን ዒላማ ዝገበሩ`ዮም ዝበለቶም 70 ደብዳባት ኣካይዳ።

ክልተ ዕጡቓት`ዮም ዝተባህሉ ሓዊስካ ድማ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም።

እቲ ብሓማስ ዝመሓደር፡ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሚኒስትርይ ጥዕና ግን ትሽዓተ ፍልስጤማውያን ቆሲሎም ኢሉ።

ሰብ ሞያ ሕክምና እስራኤል ድማ ዓሰርተ እስራኤላውያን ከምዝቖሰሉ ገሊጾም።

እስራኤላዊ ሜ/ጀነራል ካሚል ኣቡ ሩኩን፡ ሓማስ `ቀይሕ መስመር ሰጊሩ`ሎ` ድሕሪ ምባል እስራኤል `ኣንጻር ኩሉ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራትን ምትኳስ ተወንጨፍትን ተሪር ግብረ-መልሲ ምሃብ ክትቅጽሎ`ያ` ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ ድማ፡ ንህጹጽ ኣኼባ ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ናይ ፈረንሳይ ዑደቱ ኣቋሪጹ ናብ ዓዱ ተመሊሱ።

ብሰንበት እንታይ`ዩ ኣጋጢሙ?

ብሰንበት ካብ ዝተቐትሉ ሰባት ሓደ ኣዛዚ ዕጡቓት ሓማስን ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደርን ይርከብዎም።

ሓደ ብናይ በርጌሳውያን መኪና ዝጓዓዝ ዝነበረ ጉጅለ ስለያ እስራኤል፡ ነቲ ኣዛዚ ዕጡቓት ሓማስ ቀቲልዎ ኢሎም ፍልስጤማውያን።

ብመሰረት ጸብጻብ ፍልስጤማውያን፡ እቲ እስራኤላዊ ጉጅለ ስለያ፡ ዶብ ሃገሩ ሰጊሩ ክልተ ኪሎሜተር ንውሽጢ ወሽመጥ ቓዛ ኣትዩ ነይሩ። እቶም ንወሽመጥ ቓዛ ዝቆጻጸሩ ዕጡቓት ሓማስ ድማ ነታ መኪና ደው ኣቢሎማ።

እቶም ብኢዘዲን ኣልቓሳም ዝፍለጡ ዕጡቓት፡ እቲ ኣስራኤላዊ ጉጅለ ስለያ ቶኽሲ ብምኽፋት ንኣዛዚ`ኦም ኑር ባራኬሕ ቀቲሉ ኢሎም።

Image copyright AFP

ብድሕሪ`ዚ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ተኻይዱ፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ድማ ኣብ`ቲ ከባቢ ደብዲበን ኢሎም ናይ ዓይኒ መሰኻክር።

ሽድሽተ ካብቶም ዝተቐትሉ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ሓማስ ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሻውዓዮም ድማ ኣባል ናይ`ቲ ኮሚቴ ህዝባዊ ተቓውሞ ምንባሩ ማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ንሰብ መዚ ፍልስጤም ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድማ ሓደ ኣባል ናይ`ታ ጉጅለ ስለያ ከምዝተቐትለን ሓደ ካልእ ብፎኪስ ከምዝቖሰለን ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ወተሃደራት እስራኤል ካብ`ቲ ቦታ ብሄሊኮፕተር ወጺኦም።

ንምታይ`ያ እስራኤል ነቲ ኣዛዚ ቀቲላቶ?

ብምኽንያት ምስጢራውነት ናይ`ቲ ስርሒት፡ እስራኤል ብዛዕባ`ቲ ተልእኾ ዝሃበቱ ዝርዝር መብርሂ የለን።

ሓይልታት ምክልኻል`ታ ሃገር ግን እቲ ስርሒት `ጸጥታ እስራኤል ምድንፋዕ ደኣ`ምበር ግብረ-ሽበራውያን ንምቕታል ወይ ንምጭዋይ ኣይነበረን` ኢሎም።

Image copyright Reuters

ብመሰረት ሓበሬታ ሓደ እስራኤላዊ ጀነራል ነበር፡ እቲ ዘጋጠመ ኩነት ዝፈሸለ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ስርሒት`ዩ ምንባሩ ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ የሩሳሌም ቶም በይትማን ይገልጽ።

ከምኡ ዓይነት ፍሽለት ስርሒታት ናይ ፍሉያት ሓይልታት እስራኤል ድማ ልሙድ ኣይኮነን ኢሉ።

ድሕሪ`ቲ ናይ ሰንበት ስርሒት`ከ እንታይ ኣጋጢሙ?

ኣፈኛ ሓማስ ፋውዚ ባርሑም ነቲ ዘጋተመ ኩነት `መጥቃዕቲ ፈራሓት ናይ እስራኤል`ዩ` ብምባል ኮኒንዎ።

ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ጀነራል ጋዲ ኤይሶንኮ ግን፡ እታ እስራኤላዊት ጉጅለ `ንድሕነት እስራኤል ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ስርሒት` ኣካይዳ`ያ ኢሉ። ተወሳኺ ዝርዝራት ግን ኣይሃበን።

ብኡ ንብኡ ድሕሪ`ቲ ግጭት፡ 17 ተወንጨፍቲ ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ተቶኪሶም፡ እቶም ሰለስተ ግን ገና ኣብ ሰማይ እንከለዉ ከምዝፈሽሉ ተገይሮም ኢሉ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል።

ብመሰረት ጸብጻባት ሰራዊት እስራኤል፡ ሰኑይ ምሉእ መዓልቲ ድማ ኣስታት 300 ሞርታራት ናብ እስራኤል ተወንጪፎም፡ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ካብኣቶም ግን ኣብ ሰማይ እንከለዉ ከምዝፈሽሉ ተገይሮም፡ ካልኦት ድማ ኣብ ጎላጉል ወዲቖም።

ሰራዊት እስራኤል ነፈርቲ ኲናትን ታንክታትን ኣብ ቓዛ ብዝወሰድኦ ግብረ-መልሲ፡ ቀጽርታት ዕጡቓት፣ ናይ መዕዘቢ ነቑጣታትን ተወንጨፍቲ ዝትኩሱ ጉጅለታትን ሓዊስካ ልዕሊ 70 ናይ ሓማስን እስላማውያን ጂሃዳውያንን ዒላማ ወቒዐን ኢሎም።

Image copyright Getty Images

እቲ ናይ ሓማስ ቴለቪዥን፡ ኣል ኣቕሳ፡ እትርከበሉ ህንጻ`ውን ከምዝተወቕዐ ሰብ መዚ ፍልስጤም ገሊጾም። ዝተቐትለ ሰብ ምንባሩ ግን ኣይተሓበረን።

ሰራዊት እስራኤል፡ እታ ተሌቪዥን `ፕሮፓጋንዳ` ተብዝሕ ኣላ ብምባል እቲ ዘላቶ ህንጻ ዒላማ ክግበር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ከአ ሰራሕተኛታት ኣቐዲሞም ከምዝወጹ ተገይሩ ነይሩ። ድሕሪ ናይ ሓጺር እዋን ምቆራጽ ድማ ስሩዕ ፈነወኣ ጀሚራ`ላ ይበሃል።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ መዓስከር ስለያ ሓማስ`ውን ከምዝተወቕዐ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ብደባድ እስራኤል ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ትሽዓተ ድማ ቆሲሎ ኢሉ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ፍልስጤም ድማ ክልተ ካብ`ቶም ዝተቐትሉ ኣባላቱ ምንባሮም ሓቢሩ።

ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኒኮላይ ምላዴኖቭ ድማ ክልቲኦም ወገናት ካብ ተግባራቶም ክዕቀቡ ሓቲቱ።

ንምንታይ`ዮም እስራኤልን ሓማስን ተጻባእቲ ኮይኖም?

ሓማስ ኣብ 2006 ኣብ ፍልስጤም ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ተዓዊቱ፡ ነቲ ኣብ ምዕራዊ ገማግም ዝመደበሩ ብፕረሲደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ዝምራሕ መተሃላልኽቱ ውድብ ፋታሕ ንዓመትኡ ኣብ ዝተገብረ ግጭት ምስ ኣለየ ድማ ሓይሉ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣደልዲሉ።

ዋላ`ኳ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (ፒ ኤል ኦ) ናይ ማሕሙድ ዓባስ ምስ እስራኤል ናይ ሰላም ውዕል እንተፈረመ፡ ሓማስ ናይ እስራኤል ናይ ምንባር መሰል ኣፍልጦ ኣይህብን`ዩ፡ ምጥቃም ጎነጽ ኣንጻር እስራኤል ድማ ይድግፍ።

እስራኤልን ግብጽን ካብ 2006 ንነጀው መትቃዕቲ ዕጡቓት ንምግታእ ብምባል ንወሽመጥ ቓዛ ዓጽየንኦ ጸኒሐን ኣለዋ።

እስራኤልን ሓማስን ሰለስተ ጊዜ ኲናት ኣካይዶም`ዮም፡ ካብ ቓዛ ተወንጨፍቲ ምትኳስን ደብዳብ እስራኣኤልን ድማ ወትሩ ቀጻሊ`ዩ።

ካብ መወዳእቲ ወርሒ መጋቢት ንነጀው ጥራይ፡ ልዕሊ 200 ፍልስጤማውያን ብሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ`ቲ ኣሽሓት ሰባት ዝሳተፍዎ ንመሰል ምምላስ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ናብ`ታ መበቆል ዓድና ዝብልዋ ሕጂ እስራኤል ተባሂላ እትፍለጥ ሃገር ዝካየድ ሰሙናዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት`ዮም ተቐቲሎም።

እስራኤል ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ናይ ግዝኣታ ሰሊኾም ክኣትዉ ዝፍትኑ ፍልስጤማውያን ንነብሰ-ምክልኻል ጥራይ`ዮም ዝቱኩ ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ኣብ ዶብ ናይ ቓዛን እስራኤልን ብሓደ ፍልስጤማዊ ብጥይት መንጣላይ [ስናይፐር] ተቐቲሉ ነይሩ።