ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም

ጀነራል ክንፈ ዳኘው Image copyright FBC/Facebook

ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ገሊጸን።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ንፋና ከምዝበሎ፡ እቶም ጥርጡር ኣብ ከባቢ ሑመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲዶም።

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ሰሉስ መዓልቲ ኣብ ቀይዲ ምስኣተዉ፡ ንኣተሳስረኦም ብዝምልከት ክልተ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ኣለዉ።

ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ኢቢሲን ኤፍ ቢሲን፡ እቶም ጀነራል፡ ብሑመራ ገይሮም ካብ ሃገር ክወጽኡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከምዝተታሕዙ ይገልፃ።

ተጠርጣሪ ሜጀር ጀነራል ክንፈ፡ ብምዕራባዊ ዞባ ትግራይ፡ ባዕኸር ብዝተበሃለ ከባቢ ኣቢሎም ካብ ሃገር ክወፁ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ፍሉይ ፖሊስ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዘውዓሎምን፡ ናብ ኣባላት ፀጥታ ፌደራል ከም ዘረከቦምን ፀብፃብ ኤፍ ቢ ሲ የመልክት።

ናይ ዓይኒ ምስክር ኣመሓዳሪ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣይተ ገብረገርግስ ሃይሉ ግን ሰኑይ ምሸት ሰዓት 3:30 ኣብ ስራሕ ውዒሎም ብናፃ እናተወሳወሱ፡ ትድለዩ ኣለኹም ተባሂሎም ከምዝተታሕዙን ንፅባሒቱ ንመቐለ ክምለሱ መደብ ከምዝነበሮምን ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኤፍቢሲ ንላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ድማ፡ እቶም ተጠርጣሪ ሜጀር ጀነራል ኣብ ብምዕራባዊ ዞባ ትግራይ፡ ባዕኸር ብዝተበሃለ ከባቢ ኣቢሎም ካብ ሃገር ክወፁ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ፍሉይ ፖሊስ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዘውዓሎምን፡ ናብ ኣባላት ፀጥታ ፌደራል ከም ዘረከቦምን እዩ ዝሕብር።

ብገበን ግዕዝይና ዝተጠርጠሩ 27 ሰራሕተኛታት እቲ ኮርፖሬሽንን ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡ ዝፍለጥ'ዩ።

ትማሊ መግለጺ ዝሃበ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ብገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግዕዝይናን 63 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም'ዮም ኢሉ ነይሩ።

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብወለንተኦም ካብ መዝነቶም ከምዝለቐቑ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ክንደኦም፡ ዶክተር በቀለ ቡላዶ ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን ኮይኖም ተሸይሞም እዮም።

ተወሳኺ ዛንታ