ምልውዋጥ ቶኽሲ ኣብ ዶብ እስራኤል-ቓዛ፡ ቁጽሪ ምውታት ወሲኹ

ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ኣሽኬሎን ካብ ቓዛ ብዝተተኮሰ ሮኬት ዝተሃርመ ህንጻ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ኣሽኬሎን ካብ ቓዛ ብዝተተኮሰ ሮኬት ዝተሃርመ ህንጻ

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓት ፍልስጤምን ብዝተወልዐ ጎንጺ፡ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም።

ካብ ሰኑይ ምሸት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 460 ሮኬታት ናብ እስራኤል ክውንጨፍ ከሎ፡ ነፈርቲ እስራኤል ድማ ነቶም ዕጡቓት ታርጌት ብምግባር 160 ደብዳብ ኣካይደን።

መብዛሕትኦም ዕጡቓት ምዃኖም ዝግለጽ፡ ሸውዓት ፍልስጤማውያን፡ ኣብ ቓዛ ክቕተሉ እንከለው፤ በቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተገብረ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ሓደ ፍልስጤማዊ በርጌስ ተቐቲሉ።

ድሒሩ፡ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብመገዲ ግብጺ ከምዝገበረ እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣፍሊጡ።

እቲ ንዝበዝሕ ክፋል ወሽመጥ ቓዛ ዝቆጻጸር ወትሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ዝኾነ እስላማዊ ምንቅስቓስ "እቲ ጽዮናዊ ጸላኢ ከተግብሮ ድልው ክሳብ ዝኾነ" በቲ ኣዋጅ ክቕየድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል'ውን ነቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እስራኤል ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰላ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ናይ ሓማስ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ሕቶ ብኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ሸምገልቲ መጽዩና" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ግብረ መልሲ እስራኤል በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ዝውሰን ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ጎንጺ፡ ብሰንበት፡ ምስጢራዊ ስርሒት ፍሉያት ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ድሕሪ ምቅልዑ ዝተኸስተ ኮይኑ፤ ካብ መንጎ እቶም ሽዑ ዝሞቱ ሸውዓተ ሰባት፡ ሓደ ኣዛዚ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ክኸውን ከሎ፤ እስራኤላዊ ሌተናል ኮሎኔል'ውን ተቐቲሉ'ዩ።

ካብ መጋቢት ንደሓር ልዕሊ 200 ፍልስጤማውያን ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከም ዝተቐትሉ ዝዝከር ኮይኑ፤ ሕቡራት ሃገራትን ግብጽን ኣብቲ ዶባት ንግዚያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ዝገበርዎ ጻዕርታት ጽቡቕ ክስጉም ጸኒሑ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘካየዱ ፍልስጢውማውያን ሰልፈኛታት ጠገለ ዘይብሉ ሓይሊ ብምጥቃሞም ክኽሰሱ ጸኒሖም። እንተኾነ እስራኤል፡ ሰራዊታ ተኹሲ ዝኸፈቱ ነቶም ናብ ግዝእታ ብምእታው መጥቃዕቲ ከካይዱ ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ሰባትን ንርእሰ-ምክልኻልን ከምዝኾነ ገሊጻ።

እዚ ሓድሽ ጎንክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ኢዩ?

ድሕሪ`ቲ ናይ ሰንበት ጎነጽ፡ ናይ ሓጺር እዋን ህድአት ነይሩ፡ ድሕሪኡ ግና ብሰኑይ ንእስራኤል ዒላማ ዝገበረ ቀጻሊ ናይ ናይ ሮኬትን ሞርታራትን መጥቃዕቲ ተኻይዱ። እስራኤል ከምዝበልቶ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ክቕተል ከሎ 28 ካልኦት ድማ ከምዝተሃስዩ ገሊጻ።

እስራኤላውያን ወተሃደራት ጽዒና ትነቀሳቐስ ዝነበረት ኣውቶቡስ፡ ብጸረ-ታንክ ሚሳይል፡ ኣብ ሻር ዝተባህለ ቦታ ከምዝተሃርመትን፡ ሓደ ወተሃደር ብጽኑዕ ከምዝቖሰልን ተገሊጹ።

እዚ ናይ ሕጂ ኲናት ካብቲ ኣብ 2014 ኣብ ንመንጎ ሰራዊት እስራኤልን ሓማስን ዝተኻየደ ኲናት እቲ ዝኸፍአ ኢዩ።

ምክልኻል ሰራዊት እስራኤል ነቲ ብሓማስ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሞርታራትን ሮኬታትን መጥቃዕቲ ግበረ መልሲ ክትህበሉ ከምዝኾነት ከተጠንቅቕ ከላ፡ እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ናይ ሓማስ ድማ እቲ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕትታት ከዛይዶ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብርቕ፡ ኒኮላይ ማልዴኖቭ፡ እቲ ምዕራግ ናይቲ ጎነጽ ``ኣዝዩ ሓደገኛ`` ከምዝኾነን ቓዛ ካብቲ ዘላቶ ኩነታት ንምውጻእ፡ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።