ፖሊስ ፓሪስ፡ ሓንቲ ውላድ ኣምበሳ ኣብ መኪና ከምዝተረኸበት ኣፍሊጡ

ኩርኩር ኣምበሳ ኣብ ቀይሕ ምንፃፍ ደቂሳ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፑቲን ብዝብል ስም እትፅዋዕ ውላድ ኣምበሳ

ፖሊስ ፈረንሳይ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ፡ ኣብ ሓንቲ ዘመናዊት መኪና፡ ውላድ ኣምበሳ (ኩርኩር) ከምትርከብ ተደዊሉ ተነጊርዎ።

እቶም ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ በፂሖም፡ ነታ ዘበናዊት ላምቦርጊኒ መኪና እንተኸፈቱ ፡ መራሒ እታ መኪና ምስታ ውላድ ኣምበሳ ደረቕ ስእሊ እናተስኣለ ይረኽብዎ።

ወዲ 33 ዓመት መራሒ እዛ መኪና፤ ''ድሙ'' መሲላትኒ እያ ዋላ እንተበለ፡ እዚ ምኽንያት ግና ናብ ቤትማእሰርቲ ካብ ምድጓን ኣየድሐኖን።

እዛ ፑቲን ብዝብል ስም እትፅዋዕ ውላድ ኣምበሳ (ኩርኩር) ዕድመ ክልተ ወርሕን ፈረቓን ኣለዋ።

ዘይከኣል ስቓይ ዝኸኣለ ስሙይ ከያኒ

ሞዛምቢክ፡ ቻይናዊ ኣሰጋጋሪ ቀርኒ ሓርሽ ቀይዳ

ፑቲን ካብ ሓደ ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝድገፍ ሕዛእቲ እንስሳ ተወሲዳ፡ ኣብዛ መኪና ከምዝተረኸበት ፖሊስ ፈረንሳይ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን፡ ኣብ ፓሪስ ሓደ ውላድ ኣምበሳ ኣብ ሓደ ህንፃ ተረኺቡ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ