ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ሊበርማን፡ ብጉዳይ ምቁራጽ ቶክሲ ቓዛ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ኣቪጋዶር ሊበርማን Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ኣቪጋዶር ሊበርማን

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ካቢነ እታ ሃገር፡ ምስ ዕጡቓት ጋዛ (ቓዛ) ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ቶክሲ ንምቁራጽ፡ ዝበጽሖ ስምምዕ ብምቅዋም ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

ኣቪጋዶረ ሊበርማን ነቲ ውሳነ "ንግብረ ሽበራ ኢድካ ምሃብ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኮኒንዎ።

ንሱ ወሲኹ እቲ ካብ የማናይ ክንፊ ዝኾነ 'ይስራኤል ቤተይኑ' ዝተብሃለ ሰልፉ፡ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጥምረት ክወጽእ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ።

ሰኑይን ሰሉስን እቶም ፍልስጤማውያን ዕጡቓት 460 ሮኬት ናብ እስራኤል ክትኩሱ ከለው፡ ሓይልታት እስራኤል ድማ 160 ደብዳብ ኣብ ጋዛ ብምክያዶም ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ምቁራጽ እቲ ቶክሲ፡ ብረቡዕ ተግባራዊ ብምዃኑ፡ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ዋኒንን ደጊመን ናብ ንጥፈታተን ተመሊሰን ኣለዋ።

እንተኾነ ግና፡ ሓደ ፍልስጤማዊ ኣብ ሓጹር ዶብ እስራኤል-ቓዛ ቦምባ ክድርቢ ብምፍታኑ ብጥይት ከም ዝተሃረመን ኣብ ቁጽጽር ከም ዝኣተወን፡ ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ።

ሰብ መዚ ጥዕና ፍልስጤም'ውን፡ ሓደ ገፋፊ ዓሳ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ፡ ካብ ሰራዊት እስራኤል ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከም ዝተቐትለ ተዛሪቦም። ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ ፡ እቲ ሰብኣይ፡ ናብቲ ናይ ዶብ ሓጹር ገጹ ይቐርብ ብምንባሩ ከም ዝተኮሱሉ ሓቢሩ።