ብረክዚት፡ ንመንግስቲ ቀደመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይ ኣብ ቅልውላው ዘእተወ እማመ

ተሬዛ መይ Image copyright Reuters

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ልዝብን ምጉትን ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ኣፈናዊ እማመ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ክልቲኦም ወገናት ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት ኣፍሊጦም።

እቲ ስምምዕ ብኸመይ ኣገባብ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከምትወጽእ ዘነጽር እማመ ምዃኑን፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝህሉ ናይ መጻኢ ቁጠባውን ካልኦት ርክባትን ዝተንከፈ ከም ዘይኮነ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ የረድእ።

ብወገን ብሪጣንያ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ መንግስታ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ ከም ዝተቐበሎን ናብ ዝቕጽል ደረጃታት ልዝብን መስርሕ ፍትሕን ንምሕላፍ ድሉው ከም ዘሎን ኣነጺራ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወኪል ኣውሮጳዊ ሕብረት ሚሸል ባርኔር (ጸጋም) ንፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ሰነድ ናይቲ እማመ እናረከቦ

እተኾነ ግን፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ ኣብ ብሪጣንያ ርሱን ክትዕ ኣልዒሉ ምህላዉን፡ ሓያሎ ካብ ኣባላት ካቢነ ሚኒስትራትን ኣባላት ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃብውያን (ኮንሰርቫቲቭስ) ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።

እቶም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ወገናት፡ እቲ እማመ ንመንፈስ "ብረክዚት" ከምቲ ዝድለ ዘማልእ ከምዘይኮነን፡ እቲ ሕብረት ሕጂ'ውን ኣብ ገለ ጉዳያት ናይታ ሃገር ክውስን ዘኽእሎ'ዩ ብምባል ይነቕፉ።

'ብረክዚት' ንምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምግላጽ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተሰነዐ ብሰፊሑ ዘገልግል ዘሎ ቃል'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ንመንግስቲ ብሪጣንያ ወኪሉ ክላዘብ ዝጸንሐ ሚኒስተር ብረክዚት ዶሚኒክ ራብ እቲ ስምምዕ ንረብሓ ሃገሩ ዘየዕግብን "ሓደገኛ ጸገማት" ዘለዎ'ዩ ብምባል ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ንውሳነ መንግስቲ ተሬዛ መይ ኣካታዒ ጌርዎ ይርከብ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይ ግን፡ እቲ "ንረብሓ ብሪጣንያ ከም ዘገልግል ብኣእምሮይን ልበይን ዝኣመንኩሉ'ዩ" ብምባል እቲ ስምምዕ ንኹሉ ድሌታታ እኳ ከዕግብ ዝኽእል ኣይኹን፡ እቲ ክግበር ዝካኣል ንሱ ጥራይ ምዃኑ ተዛሪባ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ብረክዚት ነበር ዶሚኒክ ራብ

ኣቐዲሙ'ውን ሚኒስተር ብረክዚት ኮይኑ ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ልዝብ ዝጀመረ ነቲ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዝወሰደቶ ካብዚ ብዙሕ ዘይፍለ እማመ ብምቅዋም ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ነይሩ'ዩ።

ብዘይካ ሚኒስተር ራብ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ነበር ቦሪስ ጀንሶን ካልኦት ኣርባዕተ ሚኒስተራት ተቓውምኦም ንምግላጽ ኣቐድም ኣቢሎም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ነይሮም'ዮም።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይ፡ ጽባሕ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ እትህቦ መደረ፡ እቲ ባይቶ ኣብቲ ጉዳይ ተኻቲዑ ውሳነ ከሕልፍ ክትጽውዕ ትጽቢት ይግበር።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ዝኾነ ጀረሚ ኮርቢን ብወገኑ፡ እቲ እማመ ብመሰረቱ ነቶም መንቀሊ ብረክዚት ዝኾኑ ጉዳያት ዘይተንከፈን ንረብሓ ብሪጣንያ ብዝግባእ ዘየማልእን'ዩ ብምባል ንኣተሓሕዛ ተሬዛ መይ ብትሪ ነቒፉ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ረፈረንደም ደገፍቲ ብረክዚት ዝኾኑ ኣባላት ናይቲ ንሳ እትመርሖ ሰልፊ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ካብ ስልጣና ክትወርድ ከጎሳጉሱ ጀሚሮም ኣለዉ። እንተወሓደ 48 ካብ ኣባላት ባይቶ ዝኾኑ ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ነቲ ጻዊዒት እንተድኣ ተቐቢሎሞ ድማ፡ ካብ ስልጣና ንምውራድ ምርጫ (ቮት ኦፍ ኖ ኮንፊደንስ) ክግበር ይካኣል'ዩ።

"ነዚ ኣብ ማዕልቦኡ ከብጽሖ'የ" ብምባል ተሬዛ መይ ካብ ስልጣና ከምዘይትወርድ ሎሚ ኣማስይኣ ተዛሪባ'ላ።

መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ብወገኖም፡ ነቲ እማመ ካልኣይ ጊዜ ክላዘብሉ ከም ዘይደልዩ ይገልጹ ኣለዉ። እቲ እማመ ብወገን ዓዲ እንግሊዝ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ኸኣ እታ ሃገር ብዘይ ስምምዕ ክትወጽ ከም እትግደድ ኣጠንቂቖም።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ብወገኖም፡ ነቲ እማመ ካልኣይ ጊዜ ክላዘብሉ ከም ዘይደልዩ ይገልጹ ኣለዉ

ገለ ካብቶም ቀንዲ ትሕዝቶታት ናይቲ ስምምዕ፡ ብሪጣንያ 39 ቢልዮን ፓውንድ "ናይ ፍትሕ" ክፍሊት ንኣውሮጳዊ ሕብረት ክትከፍልን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድማ ነቲ ሕጂ ዘለዎም መሰላት ከተኽብር ይርከብዎም።

ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት ድሕሪ ምፍታሓ፡ ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ናብታ ሃገር ኣይክፍቀደሎምን'ዩ፡ ከምኡ'ውን ብሕግታት ናይቲ ሕብረት ኣይክትቅየድን እያ።

ይኹን 'ምበር፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ ነቲ ልዝብ ክተሓላለኽ ዝግብሩ ጉዳያት፡ ብሪጣንያ ኣካል ናይቲ ውሁድ ዕዳጋ (ሲንግል ማርኬት) ናይቲ ሕብረት ክትከውንን ናጻ ናይ ኣቑሑት ምንቅስቓስ ክህሉን ምድላዩ'ዩ።

ብመሰረት ውዕል ናይቲ ሕብረት ሓንቲ ሃገር ኣባልነት ክህልዋ እንተድኣ ኸይኑ፡ ንከም ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት እቲ ሕብረት ዝበሉ ንኣገደስቲ ውዕላት ክትቅበል ዘገድድ'ዩ።

ኣብ 2015 ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ዴቪድ ካሜሮን ብዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት፡ እታ ሃገር ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምውጻእ ትደሊ እንተድኣ ኾይና ንምፍላጥ ኣብ ሰነ 2016 ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ደሕሪ ምክያዳ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት ክትወጽእ (ብረክዚት) ድሕሪ ምምራጹ'ዩ እቲ ልዝብ ክካየድ ጸኒሑ።