ባርዕ ሓዊ ካሊፎርኒያ፡ ቁፅሪ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት 600 በፂሑ'ሎ

ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን፡ በዚ ባርዕ ኣብ ዝተቓፀለ ገዛ፡ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ እንተሃልዩ እንትደልዩ Image copyright Getty Images

ኣብ ሰሜን ካሊፎርኒያ ብዘጋጠመ ከቢድ ባርዕ ሓዊ፡ ቁፅሪ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ሰባት ልዕሊ 600 እንትበፅሕ፡ በቲ ባርዕ ናይ ዝሞቱ ካልኦት ተወሰኽቲ 7 ሰባት ኣስከሬን ድማ ተረኺቡ።

በቲ ባርዕ ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ቁፅሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ዝነበረ ብዝሒ ብዕፅፊ ወሲኹ'ሎ።

ብውሑዱ ህይወት ኣስታት 63 ሰባት ዝጠፍአ እንትኸውን፡ ኣስታት 12 ሽሕ ህንፃታት ዓንዮም እዮም።

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ድማ፡ በቲ ባርዕ ፡ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ሞይቶም፤ እዚ ድማ ቁፅሪ መወትቲ ናብ 66 ክብ የብሎ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን፡ ቁፅሪ ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ንምንካይን፡ ህይወት ንምድሓንን ይረባረቡ ከምዘለዉ ሰብመዚ ግዝኣት ቡዩት ገሊፆም።

ፕረደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ንምዕዛብን ንግዳያት ንምርካብን ኣብ ዝቕፅል ቀዳም ናብ ካሊፎርኒያ ከምርሑ እዮም።

ኣስታት 9 ሽሕን 400 ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነዚ ባርዕ ንምቁፅፃር ይቃለሱ ኣለዉ።

ተወሳኺ ዛንታ