ኤርትራ - የማነ (ባርያ) 'ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ 'ይነብር፡ሓወልቲ ገዲፉ ኣብ ገነት ይሰፍር '

የማነ ባርያ Image copyright Ftisum

ኣብ ቴሌቪዥን ኤርትራ ንዝካየድ ሓደስቲ ድምጻውያን ዝወዳደሩሉ መደብ ሽንግሩዋ እናተዓዘብኩ፡ ናይቲ ህቡብ ድምጻዊ የማነ ባርያ ደርፊ ዝደግሙ ሰባት ረኣኹ'ሞ ዝኽረይን ሓሳበይን ናብቲ ዘየሎ ህሉው የማነ ባርያ ገሸ።

እቲ የማነ ዝገጥሞን ዘዚሞን፡ ኣብ ልቢ ሰማዒ ዝሰርጽ ረዚን መልእኽቲ ጥበብን ዜማን ካልኦት ክደግሙዎ ክትሰምዕ ናይ ብሓቂ ዘተባብዕ እኳ ይኹን እምበር፡ "እቲ ንየማነ ዝተፈጥረ ዜማ ብዘይካ የማነ ክደግሞ ዝኽእል የሎን" ናብ ዝብል መደምደምታ'ዩ ኣብጺሑኒ። ነቶም ዝጽዕሩ ግን በዚ ኣጋጣሚ ከተባብዖም እደሊ።

'ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ ይነብር፡ ሓወልቲ ገዲፉ ኣብ ገነት ይሰፍር….' እትብል ደርፊ ክሰምዕ እንከለኹ፡ እቲ ህቡብን ፍቱውን 'ነብይ' ክብሎ ዘየሰክፈኒ ስነጥበባዊ ነፍስሄር የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) እዝክር። መበቆል እታ ደርፊ እቲ ዓቢይ ድምጻዊ ኣተወ ብርሃን ሰጊድ እኳ እንተኾነ፡ ገኒና ክትፍለጥ ዝገበራ ግን የማነ እዩ ኔሩ።

ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ በተን ኣከታቲሉ ዘሕትመን ዝነበረ ደርፍታቱ፡ ግን ከኣ ብስርዓት ደርግ ንኸይስምዓ ዝተኸልከላ ጣዕመ ዜማታቱ እናሰማዕኩ እየ ዓብየ፤ ብኣካል ግን ኣብ ሳዋ እየ ክላለዮ ዕድል ረኺበ።

ሓጺር ዕላልና ብድሕሪ መድረኽ ንኽደርፍ እናተዳለወ እንከሎ'ዩ።

"ሰላማት የማነ" ኢደይ ዘርጋሕኩሉ ሓጎሰይ ምቁጽጻር እናሰኣንኩ።

"ከመይ ኣሎኺ መንእሰይ?" መለሰለይ ብምቕሉል ፍሽኽታ። ነቲ ኮኾብ ብኢደይ ብምጭባጠይ ዝተሰምዓኒ ሓበን ደረት ኣይነበሮን። ብኡ ንብኡ ነታ ንዕኡ ዝጸሓፍክዎ ግጥሚ እናኣቐበልኩ "ግዜ እንተሎካ'ባ እዚኣ ኣርመለይ" በልክዎ። ተቐቢሉ ከይተማትአ ምንባቡ ቀጸለ።

ነቲ ካብ ሕጡበ ጽሑፍ ናብ ሕጡበ ጽሑፍ ምስጋሩ ዘረድኣኒ ምቅይያር ገጹ እናተዓዘብኩ እንከለኹ ሃደበት "እንታይ በልኪ?" ሓተተኒ። "ከምታ ጽሒፈያ ዘለኹ" በልክዎ'ሞ ቀጸለ።

"ባርያ ዘይኮነስ ጸሊም ሉል ዕንቁ ባሕሪ ኢኻ ናይ ኤርትራ" ብሓቂ፤ ከምታ ኣርእስቲ መሊሰ፤ ርእይትኡ ተጸበኹ። ንሱ ግን እናሰሓቀ ምንባቡ ቀጸለ።

"ሉል ባሕሪ ኢለካ ካብ መዓሙቅ ልበይ፡ ጸሊም ዕንቁ ባሕሪ ንእተፍቅራ ዓደይ።

ልብኻ ዘንቀሎ ሕጡብ ቅላመኻ፡ ዝነበረን ዘሎን ፍልፍል ኣእምሮኻ፡

ትንቢት ዝተሰርዖ ወርቃዊ ብርዕኻ፡ ሩባ ወሓዚዩ ጣዕሚ ቅላጼኻ፡

ነዚ ተዓዚበ ስም ኣጠሚቀካ።

ከም ደርፊ ተዛንዩ ዝሓልፎ እንተሎ፡ ኣይፋሉን እላቦ ብዕምቆት ከብስሎ፡

ፊደላትካ ረዚን ልቢ ከስተብህሎ።

ንስለ ጥበብ ከምዘይሓንጠጥካዮ፡ ብስምዒት ልቢ ሓቂ ከምትርእዮ፡

ቁልዕነት ኣእምሮይ ንኹሉ መምይዎ።

ሉል ባሕሪ ይውሕድ ኢለ ክሰምየካ፡ ማንም ዘይቅንጥጦ ማህደር'ዩ ዘሎካ።

እትብል ነዋሕ ግጥመይ ኣንቢቡ ምስ ወድአ፤ "ኣገናዕ መንእሰይ፡ ጀብሃን ሻዕብያን ዘይሃቡኒ ባጅላ ስለ ዝሃብክኒ ብልቢ'የ ዘመስግነኪ" ኢሉኒ ናብ መድረኹ ተዓዝረ።

"ከም ዝደልዮ ተዝኾነለይ፡ ሓሳብ ናይ ልበይ ተዝሰምረለይ፡

እወ ምኸድኩ ገዛውትና፡ ደቂ ዓደይ….."

Image copyright Fitsum

የማነ ገብረሚካኤል ኣብ 1949 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ፍቅሪ ስነ-ጥበብ ምስኡ ከም ዝዓንበበ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፤ ፈንቂሉ ክወጽእ ዝጀመረ ግና ሻውዓይ ክፍሊ እናተማህረ እንከሎ'ዩ።

ኣብ ናይ ኤርትራ ጋዜጠኝነት እዋነይ ንዕኡን ንወለዱን ቃለ-መሕትት ክገብር ዕድል ብምርካበይ ድማ፤ ኣቡኡ ነፍስሄር ገብረሚካኤል ብስራት፡ " ኣነ ሓሜንን ዋጣን ኮይኑ ክተርፍ ብዘይምፍቃደይ፡ ናብ ትምህርቱ ከተኩር እየ ዝደልዮ ኔረ። ምስማዕ ምስ ኣበየኒ ግና ጽሉል'ዩ ኢለ ደሚዲመዮ።" ክብሉ የዕሊሎምኒ።

ኣዲኡ ወይዘሮ ኣዜብ'ውን "ብሰንኩ ዝተላዕለ ኣብ ሓዳርና ብዙሕ ዘይምስምማዕ ኔሩና'ዩ" ምባለን እዝክር።

ስነ-ጥበባዊ የማነ (ባርያ)፡ ዝረኣዮን ዝተዓዘቦን ዝሰምዖን ኣብ ማህደረ ብርዑ ብምስፋር'ዩ ብዜምኡ ዘማዕርጎ'ምበር ክጽሕፍ ኢሉ ከምዘይንቅድ'ዩ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝነግር ኔሩ።

"ብሃንደበት ከይዳ ዘሊላ፡ኣይፈለጥኩን ኣበይ ከምዘላ፡መንጢሎምኒ ኣሕዲጎምኒ ስኢነያ ሉላ፡'ብእትብል ረዚን ምስጢር ዝሓዘለት ነቲ ዝነበረ ምረት መግዛእቲ እተንጸባርቅ ጣዕመ-ዜማ ብውጽኡን በቲ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጰያ ንማእሰርቲ ተቓሊዑ። እቲ ንጉዳዩ ዝሓዘ ዳኛ ክሳብ ሞት ክቅጽዖ ከምዝኸል እኳ እንተኣመተ ብግዱሳት ሃገራውያን ካብ ማእሰርቲ ክወጽእ ክኢሉ'ዩ።

ድሒሩ እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ኣስጋኢ ብምንባሩን፤ ልቡ ዘንቀሎ ሓቂ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ ከንጸባርቅ ብዘይ ምኽኣሉን፤ ድማ ናብቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራ ኣብ 1975 ተጸንበሮ።

ኣብቲ ዘይጥጡሕ፡ መብራህቲ ይኹን መጉልሕ ዘይነበሮ መሪር ቃልሲ እውን እንተኾነ የማነ፡ ንጥበቡ መነቃቅሒ ቃልስን ንሰባዊ መሰላት ኤርትራውያንን ምቅላሕ ኣይኣገሞን።

ብስደት ናብ ሱዳን ኣብ ዝኣተወሉ እዋን'ውን ዓዲ ሃገር ከይበለ፤ ካብ ዝተፈላልዩ ኩርንዓት ንዝውሕዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብምሕጋዝን፤ ገልኡ መጽለሊ ስደተኛታት ይጥቀመሉ ነበረ።

ንሱ ነዚ ከም ቀሊል ጌሩ ክዛረበሉ እንተዘይደለየ፡ እቶ ሳልኡ ዑቕባ ረኺቦም ሂወቶም ከድሕኑ ዝኸኣሉ፤ ኣብ እዋን ቀብሩ ዘዕለሉኒ ብዙሓት እዮም ኔሩም።

'ዘመን ተቀይርካኒ ስደተኛ ኮይነ፡ ብስክፍታ ዝነብር ክሳደይ ኣድኒነ፡

ሓሳብ ልቡ ዘይፍጽም ሰነፍ መስተማሰሊ፡ እናተጎድአ ዝነብር አሰኪምካኒ ቁስሊ።

ክሓተካየ ኣነ መልሰለይ ዘመን፡ ንምንታይ ከሊእካኒ ስኒት ፍቅሪ ሓበን፡

ሰብኣዊ መሰለይ ክብረይ ቀንጢጥካዮ፡ ሰናይ ዝነበረ ንዕዳጋ ኣውሪድካዮ።' እትብል ደርፉ ድማ ነቲ ኩነታት ብሰፉሑ ተንጸባርቅ።

ተሪፍዎ ዘይኮነስ ካብ ሙሉእ ሕልና፡ ብዘይ ገለ ክፍሊት መግብን መጽለልን ረኺቦም ዝተዓንገሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ 'ኣቦ ድኻ' ዝብል መዓርግ ሸሊሞሞ።

"ንነብስኻ ናተይ እትብሎ ሓንቲ ንብረት እካ ዘይብልካስ ንምንታይ ንኻልኦት ምሕጋዝ ኣንቂልካ?" ክብል ንዘቅረብኩሉ ሕቶ፡ ብፍሽኽታ "ህዝበይ እዩ ሃብተይ" እያ ኔራ ሓጻር መልሱ።

ኣማን ብ ኣማን ረዚን መልእኽቲ ኢለ ብኸመይ ዝብል ሕቶ ከስዕበሉ እውን ኣይተደናደንኩን።

'ጸሊአዮ ናብርራ መሪሩኒ ስደት'፤ ደጊሙ ኣቃልሐ።

ኣስዒቡ 'ድሕሪ ስቃይ ድሕሪ እቲ ጸበባ፡ እሾኽ ተኣልዩ ክትከል እዩ ዕንበባ፡

ድሕሪ ዓጋም ድሕሪ እቲ ኩሉ ጸገም፡ ክርዳድ ከልግስ ካብ ስርናይ ካብ ስገም፡

እወ ሰላም ራህዋ ምስ ቅሳነት፡ ትበርህ ኣላ ጩራ ናይ ነጻነት።' ኣዜመ።

ትምኒቱን ትንቢቱን ሰሚሩ ናጽነት ነታ 'ደቂ ኣስመራ ክንራኸብ ኢና ዝደረፈላ ከተምኡን ዝተቃልለሰላ ዓዱን ብምድፍናቅ ኣተዋ። መሬት ሃገሩ ድሕሪ ምርጋጹ ነዊሕ ከይጸንሐ ከአ፤

'ብሂወት ንምንባር ብሰላም፡ ናጽነትዩ መብራህቲ ጸላም፡

ንራህዋ ቅሳነት እፎይታ፡ናጽነት የብላን መሰታ።' ክብል በቲ መረዋሕ ድምጹ ኣዚምላ።

የማነ (ባርያ) ኤርትራ ኣትዩ እውን ለውሃቱን ልግሱን ኣየቋረጸን። ነታ ጥራሕ ኢዱ ዝተጸንበራ ሓራ ኤርትራን ህዝባን፤ ብጥበቡን ግብረ-ሰናይነቱን ኣዕገባ።

ንድኻታት ካብ ዘለዎ ክመቅል፡ ንዝዓረቑ ክኽእድን ብማሕበረ ሰብ ዝተነጸሉ ፍቅሪ ክዕድልን ብዓይነይ ተዓዚበ ትንግርቲ እዩ እብል ኔረ።

ካብ ትዕዝብተይ ዝሓለፈ ግና፤ እቲ ኮኾብ ወዲቁ፤ ብሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ወርሒ ሕዳር 1997 ምስ ዓረፈ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ልዕሊ ዝኾንነ ምስክር እዩ ኔሩ። እቲ ንከተማ ኣስመራ ዘዕለቀለቐ ሓመድ ድበ እቲ 'ኣቦ ጥበብን ኣቦ ድኻን የማነ (ባርያ) ተኣምር ዘበለ'ዩ ኔሩ።

መን ንመን ከጸናንዖ 'ኣቦይ፡ ሓወይ' ዝብላ ቃላት ካብ ነፍሲ ወከፍ ቀባራይ ይስማዕ ኔሩ። ቤተሰቡ ኣበይ ኣለው ዝብል ሕቶ ቦታ ኣይነበሮን።

በቲ ተርእዮ ተመሲጠ ናብታ ሬሳ የማነ ዝኣትወላ ዝነበረ ጉድጓድ ቅርብ ምስ በልኩ፤ ሓንቲ ኣብ ኣስመራ ብሕማም ኣእምሮ እትፍለጥ ዝነበረት መንእሰይ 'ኣቦይ ኣቦይ' እናበለት ብኽልተ ሰባት ተታሒዛ ናብ ጉድጋድ እንተዘይኣተኹ ብዘስመዕ ብኽያት ምውጣጥን ተዓዘብኩ።

ድሕሪ ቀብሪ፤ "እንታይኪ እዩ?" ኢለ ምስ ሓተትክዋ ብዘሕዝን ቃና፤ "ኣቦይ እዩ፡ ኣቦይ ስኢነ፡ መንዩ ክኣልየኒ?" በለትኒ ብሕንቅንቅታ።

ድሒረ ድማ የማነ ዘድልያ እናኣማልአ ይኣልያ ምንባሩ ተረዲኤ። እታ 'ህዝብይ እዩ ሃብተይ' ዝበለኒ ቃል ነዚኣ ከም እተጉልሕ በሪሃትለይ።

እቶም ብሞት ወዶም ዘሕነቅንቁ ዝነበሩ ወላዲኡ እውን "ኣነ እየ ተጋግየ ኔረ . . . ኣቦ ህዝቡ ምንባሩ ሕጂ ተረዲኡኒ"። ብዝብላ ቃላት ንወዶም ዝነበሮም ክብሪ ከም መወዳእታ ቃሎም ኣውኪኦም እዮም።

ኣፍቀርቱን ኣፈቀርቲ ስነ-ጥበብን'ከ እንታይ ይብሉ? ውሩይን ፍትውን ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን፡ "ብኣካል ኣብሱዕዲ ጽቡቕ ቅርብ ስልዝነበረና ነቲ መዘና ዘይነበሮ ለዋህነቱ ብቐረባ እዕዘቦ ኔረ'የ።

እንተ ኣብ ጥበብ ግን ሓደ ዓቢ ነቢይ ኢና ከሲርና፤ ግዱስ ሃገራውን ተባዕ ተቓላሳይን ተኽዊሊና። ግን ከኣ ዝገድፎም ሓድገታት ህያው ስለዝገብርዎ ብእኡ ንጸናናዕ" ክብል ነቲ ብሓንሳብ ከም ስነጥበባውያን ኮይኖም ዘሕለፍዎ ሂወት በሰፊሑ የዕሊሉኒ።

ነባሪት እስራኤል መንእሰይ ድምጻዊት ሰናይት በሪሁ፤ "ኣነ'ኳ ነቲ ነብይ ኣብ ትማሊ ኮይኑ ብዛዕባ ሎሚ ዝተዛረበ ነብይ ክዛረብ ልዕሊ ዓቕመይ'ዩ።

ግና እዛ ግጥሚ እዚኣ ከወፍየሎ እፈቱ"፤ ብምባል እትስዕብ ገጥሚ ሰዲዳትልና

"ዘይምካዮ ብብቕዓት ናብራ ስደትን ዓድን፡ ኣብ ትማሊ ኬንካ በጺሕካዮ ንሎምን ጽባሕንበል አስከ ቅሰነልና ኣብቲ ሰውሒ ማይ ሂወት፡ ጠሊልካ ንበረልና ተነጺፍካ ገነት!!!"

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
''መንገዲ ዘርእየና'ዩ ዘድልየና ዘሎ''

ድምጻውያን ተስፋኣለም ቆርጫጭን ፍጹም በራኽን ግን " መምህርና ጠፊኡና። ነቢይ ሕሉፍ፡ ዘሎን መጻእን፤ ብኣካል ክንፈልጦ'ኳ ዕድል እንተዘይረኸብና ብጥበቡ ኣቢሉ ስለዝራኸበና ግን ዕድለኛታት ኢና" ይብሉ።

ተስፋኣለም ደርፊ የማነ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከምዝደረፎምን ክደርፎም'ውን መደባት ከምዘለዎን ብሓበን ክገልጽ እንከሎ፤ ፍጹም ብኣንጻሩ ብኣፍ የማነ ዝተደርፉ ብኻልእ ክድገሙ ልክዕ ኣይኮነን ኢሉ ስለዝኣምን ብኽብሪ ክሰምዖም እምበር ክደርፎም ከምዘይደፍርን'ዩ ዝዛረብ።

ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ፡ ዝሕለቐሎም ህዝቡ፡ዘፍቅሮም ስድርኡን ደቁን ካብ ዝፍለ 21 ዓመታት እካ እንተኣቁጸረ፤እቲ ኣብ ወርቂ ቀፊር ዝዘገቦ፡ ጣቅዒት ዘሽረፈሉን ህዝቡ ሃብቱ ዝኸሰበሉን፤ ልዕሊ 7 ኣልቡማትን ብኣማኢት ዝቁጸር ደርፍታቱን፡ ሉላዊ ጥበብ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈታው ጥበብ ተሰኒዱ ህያው ኮይኑ እዩ ዝነብር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ