ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ ጸረ ብልሽውና ተዓዊቱ ኣይፈልጥን ይበሃል -ስለምንታይ?

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል Image copyright Tigray Comunication/FB

ብህወሓት ዝምእዘን ንኢህወደግ ዘቖመ ሓይሊ ኣርባዕተ ልፍንቲ፡ ብ1983 ዓ.ም ንወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ኣልዩ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ኢትዮጵያ ተቖጻጺሩ።

እዚ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ብኣውራ መሪሕነት ህወሓት ዝእዘዝ ዝነበረ መንግስቲ ግና፡ ኣብ ክሊ እቶም ዝሓፈሶም ማሕበረ ቑጠባዊ ዓወታት፡ ፖለቲካዊ ምህዳር ቖሊፉ ሒዙዎ'ዩ እናተብሃለ ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ'ዩ።

ሓደ ሓደ ፖለቲካውያን ነቐፍቲ፡ ህወሓት ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ንዓሌቱን ብሄሩን ኣዳልዩ፣ ተጋሩ ስልጣኖም ተጠቒሞም ብዘይ ኣግባብ ሃብቲ ክግብቱን ሰብኣዊ መሰላት ክግህሱን ኣፍቂዱ፡ ብቑጠባ ኢትዮጵያ ንትግራይ ክሃንጽን ብፍሉይነት ከልምዕን ጸኒሑ ኢሎም ክኸሱዎን ክሓምዩዎን ጸኒሖም።

እንተኾነ ግን ኤጀንሲ ስታስቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕላዊ ዝገበሮ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ ልዕሊ 27 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ከምዝነብር ብምግላጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝደኸየ ህዝቢ ኣብቲ ክልል ከምዝነብር የመልክት።

እዚ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝቐርብ ዝነበረ እንጽርጽሮት ግና፡ ኢህወደግ ኣብ ዘካየዶ ሓበራዊ መድረኽ ገምጋምን ዘተን፡ ልዕልነት እቲ ውድብ የሎን ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተበጺሑ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢታት ንምምጻእ ናብ ዘኽእል መገዲ ክምራሕ ከምዝተገበረ፡ ኣመራርሓ እቲ ሰልፍን ኢህወደግን ገሊጾም'ዮም።

ህወሓት፡ ከም ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ መስርሕ ጌጋታት ፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ለወጢ ኣምጺኡ እዩ ዝብሉ'ውን ኣለው።

ብዛዕባ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ርእይቶን ኣመለኻኽታ እናሃለወ፡ ኣብ ሚያዝያ 2018 ኢህወደግ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መሪጹ፡ ኣብታ ሃገር ንሰለስተ ዓመት መመላእታ ነጊሱ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምህዳእን ፖለቲካዊ ምህደራ ንምስፋሕን፡ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ከይተረፈ ብምሕረት ፈቲሑ።

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብረት ዓጢቖም ንዝቃለሱ ዝነበሩ ሓይልታት ኣብ ሃገሮም ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሶም ክቕጽሉ ዓዲሙ፡ "ደጊም ጽልኢ ብፍቕሪ ተሳዒሩ'ዩ" ብምባል ወጥሪ ዶባት 20 ዓመት ብሰላም ዓሪፉ ሃገር ብፍቕሪ ተደሚራ ክትዓብን ክትብልጽግን ክበሃል ወሪሑ።

"እቲ ዝካየድ ዘሎ ቅልጡፍ ለውጢ ናበይ ከምርሕ እዩ?" ኢሎም ብስክፍታ ዝከታተሉዎን፡ "ደጊም እዚ ጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ኣይዕንቀፍን እዩ" ዝብሉ ወገናትን ንዕለታዊ ፖለቲካዊ ፍጻሜን ምዕባለን ኢትዮጵያ ነቒሖም ይከታተሉዎ ኣለው።

ድሕሪ እቲ ብመስርሕ ይቕረታ ዝተጀመረ ሓድሽ መንፈስ፡ ልፍንቲ ኢህወደግ ብብልሽውናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝጥርጥሮም ኣመራርሓን ውልቀ ሰባትን፡ ብሕጊ ክሕተቱ'ዮም ብምባል፡ ኣብ ትካላት ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን (ሜቴክ) ደሕንነትን ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ስጉምቲ ወሲዱ።

እዚ፡ ብሄራዊ መልክዕ ዝሓዘ'ዩ ዝብሉ ርኢይቶታት ኣበጊሱ ኣሎ። ስለምንታይ?

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ "ኣይንቕበሎን"

ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ መርመራ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ብሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፡ ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተሓላለኸ መገዲ ብልሽውናን ከምእተፈጸሙን ሓቢሩ። በዚ ክልቲኡ ዛዕባ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ዝተኸሱ ጥርጡራት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሎም።

ይኹን እምበር ዛጊድ እቲ ወፍሪ ናብ ተወላዶ ሓደ ብሄር ስለዘተኮረ፡ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ወፍሪ፡ ብኹሉ ዓቕመይ ክተሓባበር እየ ዝበለ መንግስቲ ትግራይ እንከይተረፈ፡ በቲ ሓደ ወገን " ዘጥፍአ ይተሓተት እናበለ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ " እቲ ተግባር፡ ንትግራይ ንምድኻም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ'ዩ" ክብል ኮኒኑዎ።

ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ወሲዱ ኣብ ዝተብሃለ መርመራ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ይፍጸሙ ምንባሮም እንትግለጽ፡ ዓበይቲ ገበናት ግዕዝይና ድማ ብዝተሓላለኸ መገዲ ከምዝተፈጸሙ ተሓቢሩ።

በዞም ጥፍኣታት ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣቱ ጥርጡር፡ ጉጅለን ህዝብን ኣይውክልን'ኳ እንተተብሃለ፡ ሕዚ ብዘሎ ኣካይዳ ምእሳር ጥርጡራት ግና ንሓደ ብሄር ዘነጻጸረ'ዩ ዝብል ትርጉም ይወሃቦ ኣሎ።

Image copyright Getty Images

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን'ውን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሙሉእ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ኩሉ ብምፍታሽ ፖለቲካን ሕግን ክፍለ ክኽእል ኣለዎ ኢሉ።

"ኣየነዎት ትካላት ምስ ትግራይ ተኣሳሲረን ይለዓላ'ኮ ንፈልጠን ኢና። ደሕንነት፣ ሜቴክ ዝኣመሰላ'የን። ዘጥፍአ ልዕሊ ሕጊ ስለዘይኸውን፡ ክሕተት ኣለዎ፤ ኮይኑ ግን ንኻልእ ፖለቲካዊ ዕላማ መጥቀሚ ክኸውን የብሉን" ኢሉ ዶክተር ደብረጽዮን።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣጀንዳ እቲ ኣካይዳ ካብ ድኽነት ንምውጻእ ዝሰርሕ ዘሎ ህዝቢ ናብ ምጉዕጻጽን ምብርካኽን ዘይሩ'ዩ ብምባል ድሕሪ ሕዚ ኣሕሊፍና እንህቦ ሰብ የለን ኢሉ።

"እቲ ጉዳይ ካብ ሕቶታት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ወጺኡ ህዝቢ ናብ ዘጥቅዕ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ዘይሩ ኣሎ። እዚ ኣይንቕበሎን" ብምባል መንግስቲ ትግራይ ሕጉስ ከምዘይኾነ ኣመላኺቱ።

ፖለቲካን ሕግን ተፈላልዩ ይፈልጥ'ዶ?

ይኹን'ምበር፡ ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ጸረ ግዕዝይናን ዝነበረ ኣቶ ዮውሃንስ ወልደገብርኤል፡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ንሓደ ብሄር ዘተኮረ'ዩ ኢሉ ኣይኣምንን።

ብልሽውና ኮነ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ስልጣን መንግስቲ ተጠቒምካ ዝፍጸሙ ገበናት ምኻኖም ዝገልጽ ኣቶ ዮውሃንስ፡ ኩል ግዘ ፖለቲካዊ መልክዕ ከምዝሕዙ የስምረሉ።

"ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካ ዓርሱ ፖለቲካ ዓሌትን ቀቢላን ብምኻኑ፡ ምንጪ ብልሽውና'ዩ። ስለዝኾነ ሕዚ ዘሎ ስሩዕ ከይዲ ሕግን ፍትሕን ናብ ሓደ ብሄር ዘነጻጸረ'ዩ እንተተብሃለ ኣይገርምን። ምኽንያቱ እቲ ሃገራዊ ፖለቲካ፡ መለለይኡን ባህሪኡን እናፈለየ ዘጥቅዕ እዩ" ይብል።

ኢትዮጵያ ካብ ሕሉፍ ስርዓታት ጀሚራ፡ ብርክት ዝበሉ ውልቀ ሰባት ብብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓተትቲ ንምግባር ትንቀሳቐስ'ኳ እንተነበረት ሕግን ፖለቲካን ዘይፈለዩ ብምንባሮም ግና፡ ውጽኢታዊ ከምዘይነበሩ ይገልጽ ኣቶ ዮውሃንስ።

"ኣብዛ ሃገር ዝካየድ ወፍሪ ጸረ ግዕዝይና ዕውት ኮይኑ ኣይፈልጥን። እቲ ናይ ሕዚ ኣብ ስልጣን ኣብ ዘለው ንጡፋትን ፖለቲካ እታ ሃገር ኣብ ዘሰጉሙን ሰባት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ብምኻኑ ግን ዝተፈላለየ ትርጓመ ብሄር ክወሃቦ ትሰምዕ" ድማ ይብሎ።

ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ወሳኒ ፖለቲካዊ ቦታ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝተኸሰሱ ከም በዓል ስየ ኣብርሃ ብኣብነት ዘልዕል በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ዮውሃንስ ወልደገብርኤል፡ 'ሽዑ ንምንታይ ህዝቢ ትግራይ ተጠቒዑ ዘይተብሃለ?' ክብል ይሓትት።

"ናይቲ እዋን ወፍሪ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ጉጅለ እቲ ጉዳይ ስለዝጀመሮ ናብቲ ኽሲ ዝኣተው ተጋሩ እንተነበሩ'ውን፡ ትግራዋይ ንምጥቃዕ'ዩ ዝብል ድምዳመ ኣይተውሃቦን ነይሩ" በሃሊ'ዩ።

ብኣንጻሩ ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስ ኣቶ የማነ ዘርኣይ ግና፡ እቲ ወፍሪ ጸረ ግዕዝይና ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘነጻጸረ'ዩ ክብል ይሙግት።

"ድሕሪ እቲ ብዓቃቢ ሕጊ ዝተውሃበ መግለጺ፡ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሻት እቶም ዘጥፍኡ ጥርጡራት ናብ ሓደ ጉጅለ ዝተኣከቡ ይብላ ነይረን" ዝብል ሓደ ሸነኽ ኣቶ የማነ ዘርኣይ ዝካትዐሉ መግለጺ'ዩ።

ካልእ ይብል፡ "ኣብ ሜቴክ፣ ሓይሊ ምክልኻልን መከላኸልን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ዘነጻጸረ'ዩ። ምእሳሮም ዘይኮነ፡ እቲ ዝትርጎመሉ ዘሎ መገዲ'ዩ እቲ ዝኸፍአ ነገር" ብምባል ብሄራዊ መልክዕ ክትሕዝ ይግበር ምህላው ይገልጽ።

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን'ውን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ናይ ሓባር መድረኽ ዝሕተቱ ኣካላት ኣለው ምስተብሃለ ልዕልነት ሕጊ ክክበር ኣለዎ ኢልና ስለንኣምን፡ ውሕስና እታ ሃገር ንምሕላው፣ ተሓታትነት ከይጎድል፡ ዘየማትእ ቅዋም ከምዘለና ኢና ገሊጽና ኢና ኢሉ።

"እቲ ጅማሮ ኣብ ኣብ ዝተወሰነ ክሕጸር የብሉን። ከም ኢህወደግ ኢና ተመያይጥና፡ ክልቲኤን ጥራሕ ድማ ኣይኮናን ናይ ፌደራል ትካላት። ኩለን ይፈተሻ። ክልል'ውን ኩሉ ይፈተሽ። ብመሰረት እተ ዝነበረ ምርድዳእ ኢህወደግ ድማ እቲ ምጽራይ ክሰፍሕ ኣለዎ" ኢሉ ዶክተር ደብረጽዮን።

"እቲ መስርሕ ተሓታትነት ድማ ብጥንቃቐ ክፍጸም ከምዘለዎ ኢና ተረዳዲእና" እውን ኢሉ ዶክተር ደብረጽዮን።

ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስ ኣቶ የማነ፡ እቲ ጸገም፡ እቶም ኣጥፊኦም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ዘይኮነ፡ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ንዝተኸሰስሉ ጉዳይ ንምጽላው ዝስርሑ ዜናታትን ሰነዳዊ ምድላዋትን ሕጊ ዘይተኸተሉን ምኻኖም'ዩ ይብሎ።

Image copyright METEK

"ብደረጃ ብሄር ዝፍጸም ገበን የለን"

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ክሳብ ሕዚ 63 ብብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም፡ መስርሕ ፍርዲ ተጀሚሩ'ዩ።

እዞም ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ሃብቲ ህዝብን መንግስትን ኣባኺኖም፡ ሰብኣዊ መሰላት ጥሒሶምን'ዮም ዝብል ኽሲ ዝተመስረቶም ኣካላት ዝወሃቦም ፍርዲ ክሳብ ክንደይ ፍትሓዊ ክኸውን'ዩ፡ ዘካትዕን ዘዘራርብን ዘሎ ነጥቢ'ዩ።

እቲ ኣካይዳ'ውን ምትእትታው ግዳማዊ ሓይሊ ወይ ሳልሳይ ኣካል ዘለዎ'ዩ ተባሂሉ።

ምሁር ፖለቲካል ሳይንስ ኣቶ የማነ ዘርኣይ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተሰርሑ ነገራት ብሙሉኦም፡ ኣጸሊሞም ወይ ኣጉዲሎም ዘቕርብሉ መገዲ ካልእ መግለጺ እቲ ግጉይ ዝብሎ ኣካይዳ ምኻኑ ይሕብር።

"እቲ ሓይሊ ደሕንነተን ምክልኻል ሃገርን ድኹም ነይሩ ምባሎም፡ እዛ ሃገር ከመይ ገይሮም ድኣ የመሓድሩዋ ነይሮም ብዘብል ደረጃ'ዩ ቐሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ጸገማት ዲሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ከምዘለው ኩልና ንኣምን። እዚ'ውን ኮይኑ ግና ሃገር ዘውሓሱ ትካላት ደሕንነትን ምክልኻልን ከምኡ'ውን ቑጠባዊ ዕብየት ነይሮም'ዮም" ኢሉ።

ኾይኑ ግና፡ ኣብዘን ትካላት ዝነበሩ ንሓደ ብሄር ዝውክሉ ሰባት ተሓተትቲ ብምግባር፡ እቶም ትካላት እምነት ከምዝስእኑ ትገብር ከለኻ፡ 'እማን ናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት ኣሎ ክትብለ ይገብረካ'ዩ' ዝብል መደምደምታ ድማ ይህብ።

ኤርትራዊ ተቐማጢ በርኒንግሃም ኣቶ ታደሰ ኪዳነ፡ ግን ብዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን።

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ውዕል ምልውዋጥ ሓበሬታ ስለዝተፈራረሙ፡ ህግደፍ ብዛዕባ ህወሓት ዘለዎ ሓበሬታ ንማእኸላይ መንግስቲ ከምዝህብ ርዱእ'ዩ። ይኹን'ምበር እቶም ጥርጡራት ንክእሰሩ ይጸሉ'ዩ ግን ኣይብልን ይብል።

"ንጀነራል ክንፈ ዳኘው ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ'ዩ ኣሲሩዎ። ኣብ ሞንጎ ሓለፍቲ ህወሓት ግን ገሊኦም ሕጊ ነፈጽም ዝብሉ ክህልው፡ እዚኦም ክብርና'ዮም ኣይኸውንን ዝብሉ'ውን ኣለው"።

"እዚ ናይ ደገ ምትእትታው ዝብል ግን፡ ንውሽጣዊ ድኽመት ትግራይ ምኹንይ ንምግባር'ዩ። ካብ ህግደፍ ንላዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓየለ'ዩ፡ ስለዚ እቲ ናይ ደገ ምትእትታው ዝብል ናብ ኤርትራ ዘመጣጠረ እንተኾይኑ፡ ምኹንይ ኣይኸውንን" ኢሉ።

ካልእ ንኣቶ ዮዉሃንስ ወልደገብርኤል ዓብዪ ሕቶ ዝኾኖ ብዙሕ ጉድለታትን ሕመቓትን ኣለዎም ዝተብሃሉ ስእነት ዓቕሚ ትካላት ፍትሒ እታ ሃገር'ዩ።

"ንፍርዲ ቤት ብዝቐርበሉ ኽስን መረዳእታን'ዩ ፍርዲ ዝወሃብ። ገበን ናብ ውሉድ ኣይመሓላለፍን። ኩሉ ግዜ ወልቃዊ'ዩ፤ ሓበራዊ ወይ ጉጅለኣዊ'ውን ክኸውን ኣይኽእልን"።

ኾይኑ ግና እቶም ኣለው ዝበሃሉ ትካላት ፍትሒ፡ ትማሊ እዚ ኹሉ ገበን እናተፈጸመ ብዝተፈላለየ መገዲ እናሰምዑ ስቕ ኢሎም ይርእዩ ብዝነበሩ ሰባት ዝምረሑ ብምኻኖም፡ እንታይ ዓይነት ተኣምራዊ ዓቕሚ ከምዝተፈጠረሎም እንድዒ ይብል ኣቶ ዮዉሃንስ።

"ትካላት ዓቃቢ ሕጊ፣ ኣብያተ ፍርድን ቤት ህንጸትን ዓቕሞምን ብቕዓቶምን ስኢኖም'ዮም። ማሕበረሰባዊ እምነት ክረኽቡ'ዮም ኢለ ድማ ኣይኣምንን" በሃሊ'ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ