ትራምፕ፡ ተራ ንጉስ ስዑዲ ኣብ ቅትለት ካሾጊ ከብርህ ተሓቲቱ

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንጉስ ስዑዲ መሓመድ ቢን ሰልማን፡ ኣብ መቕተልቲ ካሾጊ ኢድ ኣለዎ'ዶ ኣይብሉን ንዝብል መብርሂ ክህብ ተሓቲቱ።

ኣመራርሃ ሪፐብሊካንን ዲሞክራትን ኮሚቴ ሰኔት ጉዳያት ወጻኢ፡ ዳግም ምጽራይ ክካየድ ዝሓትት ደብዳበ ትማሊ ልኢኾም።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ዋላ ካሾጊ ይቀተል ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዎ ዝምድና ተኸላኺሉ'ዩ።

ካሾጊ 2 ጥቅምቲ ዝተቐተለ ኾይኑ፡ ትማሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጉስ ስዑዲ "ብዝግባእ ይኽእል" ብምባል ብዛዕባ ዘሰቅቕ ቕትለት ካሾጊ "ክፈልጥ ወይ ክኣ ዘይክፈልጥ ይክእል'ዩ" ድማ ኢሉ።

ድሕሪ እዚ፡ ሰናተር ሪፐብሊካን ቦብ ኮርከርን ሰናተር ዲሞክራት ቦብ ሜነንዴዝን መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ድማ፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ካሾጊ ተፈጺሙን ኣይተፈጸመን ዝብል ንምርግጋጽ ካልኣይ ምጽራይ ክካየድ ሓቲቶም።

ኣብ ውሽጢ 120 መዓልታት ምላሽ ከምዘድሊ ድማ የመላኽት።

ቅድም ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ጽንዕቲ መሓዛ ኣሜሪካን ኣብ ኣሜሪካ ዓቢ ወፍሪ ዘለዋን ሃገር ኢያ።

ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘሎና ውዕላት ምስራዝ ድማ ዕሽነት ኢዩ ዝኸውን፡ ምኽንያቱ ንሩስያን ቻይናን ተጠቀምቲ ክኾና ምፍቃድ ስለዝኾነ ኢሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ቱርኪ ዝሃበቶም ``ስቅያት`` ዝመልኦ ናይ ካሾጊ ቅትለት ቪድዮ ክሰሞዖ ከዝኣበየ ገሊጹ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዋላ`ኳ እንተኾነኑ፡ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሃገሩ ምስ ስዑድ ዓረብ ንዘለዋ ዝምድና ኣትሪሩ ተኸላኪሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ``ጽንዕቲ ዓርኪ`` ኣሜሪካን ኣብ ኣሜሪካ ድማ ``ዓቢ ወፍሪ`` ከተካይድ ዝተሰማምዐት ሃገር ኢያ ኢሉ።

ኣብ መግለጺኡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን ሰልማን ኣብ ቅትለት ካሾጊ ኣፍልጦ ነይርዎ ክብል ተኣሚኑ። ብዝኾነ፡ ዝምድናና ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኢዩ ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

Image copyright Getty Images

ካሾጊ ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢስታንቡል ምብጻሕ ኣብዝፈጸመሉ እዋን ኢዩ ተቐቲሉ።

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ነቲ ብፋሉላ ጉጅለ ዝተፈጸመ ቅተለት ኮኒናን ነቲ ኣብቲ ስርሒት ኢድ ናይቲ ወራስ ዓረት ነይርዎ ዝብል ወረ ድማ ነጺጋቶ።

ትካል ስለያ ኣሜሪካ - ሲኣይኤይ - እቲ ቅተለት ብትእዛዝ ልኡል ሙሓመድ ቢን ሰልማን ከምዝተፈጸመ ከምዝኣምን ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣቃሊሐን።

``እቲ ወራስ ዓራት ኣብቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣፍልጦ ነይርዎ ክኸውን ይክእል ወይ ድማ ኣይነበሮ ክኸውን ይኽእል`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ሲኣይኤይ ብዛዕባ`ቲ ቅትለት መን ከምዝፈጸሞ ``ሚእቲ ካብ ሚእቲ`` ኣይገለጸን ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ 20 ሕዳር ኣብዝሃቦ መግለጺ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ናይ ``ስቅያት ቪድዮ`` ዝሰመዮ ብቱርኪ ዝተዋህበ ናይ ካሾጊ ቅተለት ዘስምዕ ቪድዮ ክሰምዖ ከምዝኣበየ ንፎክስ ኒውስ ናይ ዜና ማዕከን ብሰንበት

እቲ መግለጺ እንታይ ኣስሚዑ?

ፕሬዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ኪዳን ኣንጻር ኢራን ቅድሚ ምግላጹ ``እዛ ዓለም ኣዝያ ሓደገኛ ቦታ ኢያ`` ኢሉ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ``ኣንጻር ኣኽረርቲ ግብረሽበራውያን ኣስላም ኣብ ዝካየድ ኲናት ቢልዮናት ዶላራት ከተጥፍእ ኮላ ኢራን ድማ ብዙሓት ንጹሃን ኣማኤሪካውያን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ቀቲላ`` ኢሉ።

ኣብ መግለጺኡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣሜሪካ ንምውፋር ዝገበርቶ መብጽዓታትን እትሽምቶ ኣጽዋራትን ኣመልኪቱ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ "እንተድኣ ተዓሺና ነዚ ውዕላት ሰሪዝናዮ፡ ሩስያን ቻይናን ቀንዲ ተጠቀምቲ ክኾና እየን" ኢሉ።

ናይ ካሾጊ ቅትለት ``ኣዝዩ ዘስካሕክሕ`` ኢዩ ነይሩ ድሕሪ ምባሉ፡ ``ብዛዕባ ቅትለቱ ዝሕብሩ ኩሉ ጭብጥታት ግና የብልናን`` ኢሉ።

``መንግስቲ ኣሜሪካ ረብሓታት ሃገርናን እስራኤልን ካልኦት የዕሩኽ ሃገራትን ንምሕላው ጽንዕቲ ዓርኪ ስዑዲ ዓረብ ኮይና ክትጸንሕ ኢያ`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝመጽእ ሰሙን እንተድኣ ልኡል ሙሓምድ ቢን ሰልማን ኣብቲ ኣርጀንቲና እተአንግዶ ናይ ጂ20 ሃገራት ኣኼባ ዝካፈል ኮይኑ ኣብኡ ክረኽቦ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ፡ምስ ናይ ቱርኪ መዘንኡ ምስተራኸበ ንፕሬዚደንት ትራምፕ ብምድጋፍ ``እዛ ዓለም ሕስምትን ጨካንን ኢያ`` ድሕሪ ምባል ፕሬዚደንት ትራምፕ ``ናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ ጸጥታ ዝሕሉ ፖሊሲታት ክኽተል ተቐሲቡ ኢዩ`` ኢሉ።

ኣባል ሰኔት ሰልፊ ዴምክራት፡ ዲያኒ ፈይኒስታይን ፕሬዚደንት ትራምፕ ንሙሓመድ ቢን ሰልማን ኣብቲ ዝተወደበ ቅተለት ካሾጊ ክቐጽዖ ብዘይምድላዩ ኣዝዩ ከምዘሰንበዳ ገሊጻ።

ተወሳኺ ዛንታ