ኤርትራ-ኣመሪካ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኣለዎ ይብል

ኣርማ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያእ ኣመሪካ Image copyright Departement of State

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ምስ ኤርትራ ዝግበር ምምሕያሽ ዝምድናታት ምስ ጭቡጥ ናይ ሰባዊ መሰላት ዕላማታት ዝተሓሓዝ ክኸውን ኣለዎ ብምባል ንጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ ኣብቲ ብሰኑ 19 ሕዳር ዝጸሓፎ ደብዳበ ገሊጹ።

እቲ ኣቦመንበራት ናይቲ ብባይቶ እታ ሃገር ዝቖመ ቶም ላንቶስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ኣባላት ኮንግረስ ራንዲ ሃልትግረንን ጄምስ ፒ ምጋቨርንን ዝሰደድዎ ደብዳበ፡ ኣብ ኣርባዕተ መምዘኒታት ምምሕያሽ ዝምድናታት ዘተኮረ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ይጠቅስ።

ካብቶም ክወስዶም ኣለዎም ዝበልዎም ስጉምትታት፡ ምስንባት ኣብ ገደብ ኣልቦ ሲቪላውን ወታሃደራውን ኣገልግሎት ዝተጸምዱ ዜጋታት፡ ምቁራጽ ኣብ እምነት መሰረት ዝገበረ ምስጓግ፡ ምፍታሕ ናይ ሕልና እሱራትን ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ኤርትራውያን ምውሓስን የጠቓልሉ።

"ዋላኳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኤርትራን ምስ ካልኦት ናይቲ ዞባ ሃገራት ኣብ ምልዛብ ዝንኣድ ስጉምትታት ዝገበረ እንተኾነ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ግን ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡና ይርከብ" ክብሉ ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ፓለቲካ ጽገናታት ክግበር'ኳ ትጽቢት እንተነበረ ዛጊት ርኡይ ስጉምታት ብዘይ ምውሳዱ ንቡዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ'ሎ።

ኤርትራ ሕጂ'ውን ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን ዘይብላ ሃገር ኮይና ትርከብ።

Image copyright STRINGER
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጰያን ዝነበረ ድፋዕ ተኸፊቱ ሰብ ንሓድሕዱ ክነጋገድ ጀሚሩ ኣሎ

ኣቐድም ኣቢሉ ካብ ብዙሕ ስቅያት ዝበጽሖም ኤርትራውያን ምስክርነት ከም ዝሰምዑ ብምግላጽ፡ ናይ እምነት፡ ምዝራብን ምጽሓፍን ናጽነታት ኣብ ኤርትራ ከም ዘየለ ብምጥቃስ፡ ገደብ ኣልቦ ወታሃደራውን ሲቪላውን ኣገልግሎት ኣካል ሂወት ናይ ኤርትራውያን ምዃኑን ኣብ ደብዳቤኦም ኣስፊሮም።

ኩሉ'ዚ ሰፊሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ምስዓቡን፡ እታ ንእሽቶ ሃገር ኤርትራ ኣብ ምፍጣር ቅልውላዉ ስደተኛታት ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ምብርካታ ከም ነቲ ኩነታት ዘርኢ'ዩ ኢሎም። መንግስቲ ኤርትራ ግን እቲ ዝቐርብ ናይ ምግሃስ መሰላት ክሲ ንኤርትራ "ንምስይጣን" ዝቐርብ "ፓለቲካዊ ዕላማ" ዘለዎ'ዩ ብምባል ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

"ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትገብሮም ዲፕሎማስያዊ ርክባት ነዞም ስክፍታታት እዚኣቶም ብምልዓል ኣብቶም ኣርባዕተ ጉዳያት ዝጭበጥ ስጉምትታት ክውሰዱ ክትደፍኣሎም ንሓትት" ክብሉ ንጸሓፊ ጉዳያት ፓምፐዮ ተማሕጺኖም።

ካብቶም ክፍትሑ ኣለዎም ዝበልዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራት፡ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ኣንጦንዮስን ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕን ይርከብዎም። ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣብ ቀይዲ ከምዘይርከቡ ግና ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይታ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ኣቡነ ሉቃስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክገልጹ ጸኒሐም'ዮም።

ዋላኳ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ግጭት ብሰላም መፍታሓን ካብ ተነጽሎ ወጺኣ "ናብ ማሕበረሰብ እቲ ዞባን ዓለምን ምጽንባራ ጽቡቕ ምዕባለን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳስቲ ረብሓታት ከምጽእ ዝኽእል እንተኾነ" ኣብ ኣተሓሕዛ መሰላት ዜጋታት ብዙሕ ዝመሓየሽ ከም ዘሎ ኣነጺሮም።

"ስምምዕ ሰላም [ምስ ኢትዮጵያ] ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ከምዝተገብረ ዘርኢ ጭብጢ የለን"።

"እቲ መንግስቲ ንሰላምን ቁጠባዊ ልምዓትን ዘለዎ ደገፍ ዝገልጸሉ ዘሎ ኣባሃህላ፡ ምስቲ ዝቕጽሎ ዘሎ ነቲ ዞባ ናብ ዘይምርግጋእ ከእትዎ ዝኽእል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሳነ ኣይኮነን" ደሕሪ ምባል ምእሳር ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ከም ኣብነት ይጠቅስ።

እቲ ኮሚሽን፡ ካብ ሪፓብሊካንን ደሞክራስያዊ ሰልፊን ብዝተዋጽኡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቖመ ኮይኑ፡ ንሰባዊ መሰላት ንምድንፋዕ ዝቖመ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቖሞ ኣጻሪ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ መንግስቲ ኤርትራ ሰፊሕን ብስርዓት ዝተፈጸመን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከም ዘካይድ ሰኒዱ'ዩ። እቲ መንግስቲ ግን ነቲ ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰባውነት ዝኸደ ክሲ ነጺግዎ'ዩ።