ስሪላንካ፡ ኣብ ሓደ ጋህሲ ናይ 230 ሰባት ቅሪት ተረኺቡ

ቅሪት ሰብ ኣብ መቓብር ሃግሲ ማናር

ሰብ ሞያ ስሪላንካ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራባዊት ከተማ ማናር እቲ ዝዓበየ ጋህሲ (መቓብር ብዙሓት) ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።

ኣብዚ ናይ ኲናት ቀጠና ኾይኑ ዝነበረ ከባቢ፡ ልዕሊ 230 ቅሪት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተረኺቡ ኣሎ።

ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነዊሕ ዓመታት ወሲዱ ኣብ 2009 ኣብ ዘብቅዐ ኲናት ሕድ ሕድ ስሪላንካ፡ 20 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብሩ።

ኣብዚ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራትን ዕጡቓት ታሚሊን ን26 ዓመት ዝተኻየደ ውግእ፡ 100 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ድማ ይግለጽ።

ሰራሕተኛታት ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ህንጻ ንምስራሕ ኣብ ዝኩዕትሉ እዋን፡ መቓብሪ ጋህሲ ምስ ተረኸበ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ዓሚቕ ምጽራይ ክካየድ ኣዚዙ።

እቶም ግዳያት መን ከምዝኾኑን ብኸመይ ከምዝሞቱን ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

"ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 230 ቅሪት ረኺብና ኣለና" ዝበለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬላኒያ በዓል ሞያ ፎረንሲክ ስነ ኳዕቲ ፕሮፌሰር ራጅ ሶማዴቫ፡ "ብዘለኒ ተሞኩሮ፡ እዚ እቲ ዝዓበየ መቓብር ጋህሲ'ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን፡ እቶም ግዳያት ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ከም ወርቂ፣ ሓጺነ መጺን ዝኣመሰሉ ናውታት'ውን ምርካቦም እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ከተማ ማናር፡ ብንኡሽቶ ብሄር ታሚሊ ዝተዓብለለት ኾይና፡ ኣመራርሓ እቲ ማሕበረሰብ ኣብቲ ልዕሊ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዝወሰደ ኲናት ሓድ ሕድ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝጠፍኡ ይዛረቡ።

ተወሳኺ ዛንታ