ወራስ ዓራት ስዑድ ዓረብ ካብ ስልጣኑ ከልግስ ምጥላብ 'ቀይሕ መስመር' ምስጋር ኢዩ

ንጉስ ስዑዲ ቢን ሳልማን Image copyright AFP/Getty Images

ዓለም፡ ወራስ ዓራት ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ካብስልጣኑ ክእለ ተቕርቦ ዘላ ጻውዒት ክትግበር ዘይክእል 'ቀይሕ መስመር' ከም ምስጋር ምፍታን ኢዩ ኢሉ ናይ ስዑድያ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር።

እቲ ምኒስተር፡ ልኡል ቢን-ሰልማን ኣብቲ ቅትለት ዝኾነ ኢድ ኣይነበሮን ክብል ነቲ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ዘቃለሐኦ ዜና ነጺግዎ።

እቲ ድሕሪ ቅትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንወራሳ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጠልብ ዓለማዊ ጻውዒት ክትግበር ዘይክእል 'ቀይሕ መስመር' ኢዩ ኢሉ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ስዑድ ዓረብ ንቢቢሲ ኣብዝሃቦ መብርሂ።

እቲ ልኡል ኣብቲ ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስል ስዑድያ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝኾነ ኢድ ኣይነበሮን ኢሉ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ዓዲል ኣል-ጁቤር።

ናይ ኣሜሪካ ባይቶ ተራ ናይቲ ልኡል ኣብቲ ቅትለት ክምርመር ድሕሪ ምጥላቦም ኢዩ እቲ ናይ ስዑድያ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር መግለጺ ዝሃበ።

ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግና ነቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ዘሎ ርክብ ብምድጋፍ ሞጊቱ።

እቲ ወራስ ዓራት ብዛዕባ ናይ ካሾጊ ኣረሜናዊ ቅትለት ክፈልጥ ተኽእሎ ነይርዎ ወይ`ውን ኣይነበሮን ይኸውን ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ ኣብዝሃቦ መግለጺ።

እቲ ናይ ስዑድያ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር እንታይ ኢሉ?

ኣብ ስዑድ ዓረበ መሪሕነትና ክትሰግሮም ዘይትኽእል ቀይሕ መስመር ኢዮም።

"እቶም ሰብ ሕድሪ እተን ክልተ ቅዱሳን መሳጊድ ዝኾኑ ንጉስ ሰልማንን ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሰልማንን'ውን ቀይሕ መስመር ኢዮም" ኢሉ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ዓዲል ኣል-ጁቤር ምስ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ሊስ ዱቼት ኣብ ሪያድ ኣብዝገበሮ ዝርርብ።

"ንጉስ ሰልማንን ወራስ ዓራት ቢን-ሰልማንን ንኹሉ ስዑዳዊ ዜጋ ዝውክሉ ክኾኑ ከለው፡ ስዑዳውያን ድማ ንኽልቲኦም ይውክልዎም። እዚ ኣንጻር እቲ ንጉስ ሰልማንን ወራስ ዓራትን ቢን-ሰልማንን ዝካየድ ዘሎ ናይ ምስትንዓቕ ዘረባታት ጨሪስና ኣይንጻወሮን ኢና" ኢሉ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ዓዲል ኣል-ጁቤር።

እቲ ወራስ ዓራት ኣብቲ ቅትለት ዝኾነ ኢድ ኣይነበሮን ክብል ደጊሙ ኣረጋጊጹ እቲ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር።

"ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ንጹር መግለጺ ሂብና ኢና። መርመራ ነካይድ ኣሎና፡ እቶም ኣብቲ ቅትለት ኢድ ዝነበሮም ውልቀሰባት ድማ ክንቀጽዖም ኢና" ኢሉ ዓዲል ኣል-ጁቤር።

ትካል ስለያ ኣሜሪካ - ሲኣኤይ - እቲ ቅትለት ብትእዛዝ እቲ ወራስ ዓራት ተፈጺሙ ኢሉ ከምዝኣምን ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣቃሊሐን።

እንተኾነ ዓዲ ኣል-ጁቤር ነቲ ዜና ጨሪሱ ብምንጻግ፡ እቲ ቅትለት ብወኪላት ስለያ ዝተኻየደ "ፋሉል ስርሒት" ኢዩ ኢሉ።

ብምቕጻል ኣቲ ስዑዳዊ ምኒስተር መንግስቲ ቱርኪ ኩሉ ዘለዋ ጭብጥታት ብዛዕባ'ቲ ቅትለት ክትህቦም ድሕሪ ምጥላብ፡ እቲ ተካይዶ ዘላ ናይ ምልሗኽ ሓበሬታ ድማ ደው ክተበሎ ጠሊቡ።

ዝኾነ ተኽእሎ ናይ ኣሜሪካ ማዕቀብ ኣንጻር ስዑድ ዓረብ ዘይሕሰብ ኢዩ ኢሉ።