ኢማራት ዓረብ፡ ሓንቲ ሞሮካዊት 'ንኣፍቃሪኣ ብምቕታል ከሺና' ንሰብ ኣብሊዓቶ

ባህላዊ መግቢ ሩዝን ስጋን Image copyright Alamy
ናይ ምስሊ መግለጺ ባህላዊ መግቢ ሩዝን ስጋን ኢማራት

ሓንቲ ኣብ ኢማራት ዓረብ እትነብር ሞሮካዊት፡ ንኣፍቃሪኣ ድሕሪ ምቕታል ንሬሳኡ ኣብሲላ ኣብቲ ቦታ ዝሰርሑ ዝነበሩ ፓኪስታናውያን ሰራሕተኛት ክበልዕዎ ጌራ ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበላ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ገሊጾም።

ንሳቶም ከም ዝብልዎ፡ እታ ሰብ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ'ያ ንዓርካ ቀቲላቶ። እንተኸነ ግን፡ እቲ ገበን ኣብዚ ቀረባ እዋን'ዩ ተፈሊጡ - ስኒ ሰብ ኣብ መጽመቚ ማሽና ድሕሪ ምርካቡ።

ኣእምሮኣ ኣብ "ዝሰሓተትሉ" ህሞት ነቲ ገበን ከም ዝፈጸመት ንፓሊስ ተኣሚና ክብል መንግስታዊ ጋዜጣ ዘ ናሽናል ጺሕፉ።

እታ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት እትርከብ ጓልኣንስተይቲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝግበር ዘሎ ምጽራይ ድሕሪ ምውድኡ ናብ ፍርዲ ክትቀርብ ምዃና ተፈሊጡ'ሎ።

ንሳ፡ ምስቲ ግዳይ ን7 ዓመት ዝቐጸለ ዝምድና ከም ዝነበራ ይንገር። እቲ መንግስታዊ ጋዜጣ ከም ዝበሎ፡ ንዓርካ ክትቀትሎ ዝኻኣለት፡ ካልእቲ ሞሮካዊት ክምርዖ ምዃኑ ምስ ነገራ'ዩ።

ዋላኳ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝተቐትለ ፓሊስ እንተዘይሓበሩ፡ እታ ኣፍቃሪቱ ዝኾነት ሰብ ንሬሳኡ ብባህላዊ ኣገባብ ከሺና ምስ ሩዝ ሓዊሳ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኣ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ፓኪስታናውያን ኣብሊዓቶም።

እቲ ኩነታት ክፍለጥ ዝተኻእለ፡ ሓዉ ነቲ ግዳይ ደሃይ ኣጥፊኡ ኢሉ ናብቲ ኣብ ዶብ ኢማራትን ዖማንን እትርከብ ከተማ ኣል ዒን ዝርከብ ገዝኡ ድሕሪ ምዃዱ'ዩ።

ሓዉ ኣብኡ ምስከደ፡ እናፈተሸ እንከሎ፡ ኣብ ጸሟቚት ማሽን ናይ ሰብ ስኒ ምስ ረኸበ ንፓሊስ ሓቢሩ። ፓሊስ ብወገኖም ናይ ዲ ኤን ኤ (DNA) መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ እቲ ስኒ ናይቲ ግዳይ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ክብል ጋዜጣ ዘ ናሽናል ሓቢሩ።

ብመሰረት ፓሊስ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መጀመርታ ነቲ ግዳይ ካብ ቤታ ከም ዘባረረቶ'ያ ንሓዉ ሓቢራቶ። ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ጋልፍ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከም ዝበሎ ግን፡ ድሒራ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ከም ዝወደቐትን፡ ብፓሊስ ምስ ተሓተተት ባዕላ ከም ዝቐተለቶ ተኣሚና።

ድሕሪ ምቕታላ ንሓደ/ሓንቲ ማሓዛኣ ክትሕግዛ ምጽዋዕ ነቲ ዝተቐትለሉ ኣፓርታማ ከም ዘጽረየቶ'ውን ጸብጻባት ገሊጾም።

እታ ክስስቲ ናይ ኣእምሮ ጥዕናኣ ንምርግጋጽ ናብ ሆስፒታል ተላኢኻ ከም ዘላውን እቶም ጸብጻባት ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት