ኣሜሪካውያን፡ ትርጉም ህይወቶም ኣብ ገንዘብን ስራሕን ዝተረደኸ'ዩ

ስድራ Image copyright Getty Images

ኣመሪካውያን ንመዓልቲ ምስግና (ታንክስ ጊቪንግ) ኣብ ሓደ መኣዲ ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ወቕቲ፡ ሓደ ትካል መጽናዕቲ፡ ዘሻቕል ሓቂ ዕላዊ ገይሩሎም ኣሎ።

ብማእኸል መጽናዕቲ ፒው፡ ኣብ ህይወቶም ትርጉም ብዛዕባ ዝህቦም ነገር ዝተሓተቱ ኣሜሪካውያን፡ ካብ መሓዛን ሃይማኖትን፡ ገንዘብን ስራሕን ኣብሊጾም።

ልዕሊ 66 ሚኢታዊት፡ ስድራ ቤት ምንጪ ዕግበት'ዩ እንትብሉ፡ 34 ሚኢታዊት ዝጽግዑ ስራሕ፣ ካልኦት 23 ሚኢታዊት ድማ ዝረኽብዎ ኣታዊ፡ ንህይወቶም ትርጉም ክህልዎ ከምዝገብረሎም ተዛሪቦም።

እዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኾይኑ፡ 5,000 ዝጽግዑ ኣሜሪካውያን፡ ኣሳቲፉ'ዩ።

ኣሜሪካውያን ትርጉም ህይወት ካበይ ይረኽቡ?

ካብ ስድራ፡ 69 ሚኢታዊት

ካብ ስራሕ፡ 34 ሚኢታዊት

ካብ ገንዘብ፡ 23 ሚኢታዊት

ካብ እምነትን መንፈሳውነትን፡ 20 ሚኢታዊት

ካብ መሓዛ፡ 19 ሚኢታዊት

ካብ ንጥፈታትን ውልቃዊ ልምድን፡ 19 ሚኢታዊት

ካብ ጥዕና 16 ሚኢታዊት

ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ምንጪ ትርጉም ህይወትና'ዩ ንዝበሉዎም ነገራት እንተብርሁ ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣቐሚጦም'ዮም።

"ኩል ግዘ፡ ኣብ ከተማ ዝርእዮ ልውሃት ደቂ ሰባት የደንቕኒ"፡ "ካብ ስርሐይ ብዝረኽቦ ብዙሕ ገንዘብ፡ ኹሉ ይመልአለይ" ዝብሉ ድማ ይርከቡዎም።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ፍቕሪ ካብ ክብሪ ዘብለጸት ልእልቲ!

ተወሳኺ ዛንታ