ቅትለት ካሾጊ፡ ትካል ስለያ ኣሜሪካ ንወራሲ ዓራት ስዑዲ ኣይወቐሶን ኢሉ

ንጉስ ስዑዲ ሓመድ ቢን ሳልማን (ኣብ ማእኸል) Image copyright FAYEZ NURELDINE

ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለያ ትካል ሓላፊት፡ ጂና ሃስፐል ምስ ሰበስልጣናት ቱርኪ ኣብዝገበረቶ ርክብ፡ እቲ ወራስ ዓራት ነቲ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ግዜ ከይወሰዱ `ኣፉ ከትሕዝዎ` ትእዛዝ ክህብ ከሎ ዝተቐድሐ ቅዳሕ ከምዘለዎ ገሊጻትሎም።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነዚ ዝተባህለ ርእይትኡ ክህብ ምስተሓተተ `ነቶም ከምኡ ዝበሉ ሓትትዎም` ኢሉ።

ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለያ ትካል - ሲኣይኤይ - ንወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ንጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ክቕተል ብምእዛዙ ኣይወቐሶን ኢሉ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ።

ካሾጊ ብ20 ጥቅምቲ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑድያ ኢዩ ተቐቲሉ።

ከምዚ ዓይነት ስርሒት ናይቲ ልኡል ፍቓድ ይሓትት ክብሉ ገለ ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ናይ ሲኣይኤይ ገመጋም ኣብ ቅተለት ካሾጊ ኣመልኪቶም ንፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ምስሓተትዎ ``ሲኣይኤይ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ መደምደምታ ኣይሃቡን`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

``ርግጽ ገለ ስኽፍክፍ ዝብሎም ነገራት ክህልዎም ይኽእል፡ ኣነ እቲ ጸብጻብ ምሳይ ኣሎ፡ ንሳቶም ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ መደምደምታ ኣይሃቡን። እቲ ወራስ ዓራት ነቲ ጉዳይ ፈጺምዎ ኢሉ መደምደምታ ክህብ ዝኽእል ሰብ ክህሉ ይኽእል፡ ኣነ ግና ኣይፈልጥን`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

ድሕሪ`ቲ ቅተለት፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብቐጻሊ ብዛዕባ ስዑድ ዓረብ ንኣሜሪካ ዘለዋ ኣገዳስነት ጸቒጡ ክገልጽ ጸኒሑ።

እቲ ወራስ ዓራት ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

``እቲ ወራስ ዓራት ብዛዕባ`ቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣፍልጦ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ወይ ድማ ኣይነበሮን ክኸውን ይኽእል`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብዝሃቦ መግለጺ።

ብ17 ጥቅምቲ፡ ናይ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ናይ ዜና ጽሓፊት፡ ሳራ ሳንደርስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃበቶ መብርሂ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ሓላፊት ሲኣይኤይ ጂና ሃስፐልን ምስ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማይክ ፖምፔዮ ኣብዝገበሮ ዝርርብ ኣብ ልዕሊ`ቲ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለያ ትካል ዘለዎ ምትእምማን ገሊጹ።

ናይ ኣሜሪካ ናይ ዜና ማዕከናት ንገለ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብዝዘርግሕዎ ዜና፡ እቲ ወራስ ዓራት ኣብቲ ቅትለት ኢድ ከምዝነበሮ ዝሕብር ዝኾነ ጭብጢ ከምዘይነበረ ክገልጻ ከለዋ፡ ገለ ሰበስልጣናት ግና እቲ ስርሒት ናቲ ወራስ ዓራት ፍቓድ ከምዝሓትት ገሊጾም።

እንተኾነ፡ ስዑድ ዓረብ ነቲ ዝተባህለ ሓሶት ኢዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ወራስ ዓራት ብዛዕባ`ቲ ንካሾጊ ንምቕታል ዝተወጠነ መደብ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣይነበሮን ኢላ።

እንተኾነ፡ ጋዜጣ ሁርየት ብሓሙስ ከምዝሓበሮ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ጂና ሃስፐል ምስ ናይ ቱርኪ ሰበስልጣናት ኣብዘካየደቶ ርክብ፡ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለያ ትካል እቲ ወራስ ዓራት ነቲ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ግዜ ከይወሰዱ ``ኣፉ ከትሕዝዎ`` ትእዛዝ ክህብ ከሎ ዘስምዕ ቅዳሕ ከምዘለዎ ገሊጻትሎም።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ`ዚ ዝተባህለ ምስተሓተተ፡ `` ብዛዕባ`ዚ ክዛረብ ኣይደልን፡ ነቶም ዝበሉ ሕተትዎም`` ኢሉ።

Image copyright Getty Images

ብሓሙስ፡ እቲ ወራስ ዓራት ናብታ ``ሃብቲ ዝኾነት ዓረባዊት ሃገር`` - ኢሜሬት - ከምዝኸደ ናይ ሶኡድያ ናይ መንግስቲ ናይ ዜና ማዕከናት ሓቢረን።

እዚ ድማ ድሕሪ ናይ ካሾጊ ቅትለት ና ፈለማ ወግዓዊ ዑደት ክኸውን ኢዩ።

ድሕሪ ናይ ኢሜሬትስ ዕደቱ` እቲ ወራስ ዓራት ናብቲ ኣርጀንቲና እተአንግዶ ናይ ጂ20 ናይ መራሕቲ ኣኼባ ክካፈል ትጽቢት ኣሎ። ኣብቲ ኣኬባ ናይ ኣሜሪካን ናይ ቱርክን መራሕትን ካልኦት ናይ ኤውሮጳ መራህትን ክካፈሉ ኢዮም ይብሃል።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ቅትለት ኢድ ነይርዎም ዝተባህሉ 18 ስዑዳውያን እገዳ ከምዝኣወጀት ኣፍሊጣ። ኣሜሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝን ጀርመንን`ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ዝተባህሉ ሰባት እገዳ ከምዝወሰዳ ይዝከር።

ኣብቲ ዝርዝር፡ ናይቲ ወራስ ዓራት ስም የለን ኢሉ ኣፈኛ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ፈረንሳ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ