'ካብ ሞት ዝተመለሰ ኢትዮጵያዊ'፤ ኣይተ ሂርጳ ነገሮ ዳግማይ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, W/K Aanaa Sibuu Siree
ኣይተ ሂርጳ ነገሮ
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሳንዱቕ ሬሳ ፈንቂሉ ወጺኡ አዘራራቢ ኮይኑ ዝነበረ ኣይተ ሂርጳ ነገሮ፡ ድሕሪ ትንሳኤ እንታይ ክሰርሕ ከምዝደሊ ቢቢሲ ኣዛሪቡዎም ነይሩ። ትማሊ ግና ድሕሪ 70 መዓልታት ህይወቱ ብድጋሚ ሓሊፋ።
መቓብር ፈንቂሉ ምስ ወጸ ጥዕንኡ ጽቡቕ ከምዝጸንሐ ካብ ኣባላት ስድራ ምርግጋጽ ክኢልና።
ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ግና ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝጸንሐ ኣይተ ሂርጳ፡ ካብ ፈሳሲ ወጻኢ ካሊእ ዓይነት ምግቢ ይወስድ ከምዘይነበረ ድማ ስድራ ኣረጋጊጾሙልና።
ናብ ሕክምና ከይውሰዱዎ ኣቕቢጹ ከምዝጸንሑ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ብስደረኡ ናብ ሆስፒታል ነቀምቲ ተወሲዱ ነይሩ።
ሎሚ ግን ቤተሰቡ፡ ኣይተ ሂርጳ ደጊሙ ካብ መቓብር ክወጽእ እዩ ዝብል እምነት የብሎምን።
ቅድም ክብል ቢቢሲ ንኣይተ ሂርጳን ገኒዙዎ ዝነበረ ኣይተ ኢታና ቀንኣን አዘራሪቡ ዝቕጽል ጸብጻብ ሰሪሑ ነይሩ።
ኣብ መፍሓፍ ቅዱስ፡ ዛንታ ሞይቶም ዝተንስኡ ሰባት ውሑድ ኣይኮነን። ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ ግን ዛንታ ናይ ኣልኣዛር እዩ።
ነዚ ድማ እዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ መሬት ኦሮሚያ፡ ስሬ ኣብ እትበሃል ቦታ ንዘጋጠመ ፍፃመ፡ ገለ ሰባት 'ዛንታ ኣልኣዛር ዝደገመ' ክብሉ ዝገለፅዎ።
እዚ ዛንታ ናይ ኣይተ ሂርጳ ነገሮ እዩ። እዚ ወዲ 35 ዓመት፡ ንነዊሕ እዋን ሓሚሙ ጸኒሑ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ንጉሆ "ትንፋሱ ሓሊፋ"።
ዜና ሞቱ ዝሰምዑ ዘመድ ኣዝማድ፡ ጎረባብትን ፈተውቱን ተኣኪቦም ካብ ርሑቕ ቦታታት ንዝመፁ ቀበርቲ ይፅበዩ ነበሩ።
ኣይተ ሂርጳ ነገሮ፡ ተገኒዙ ኣብ ሳፁን ሬሳ ካብ ዝኣቱ ኣርባዕተ ሰዓታት ሓሊፉ። ኣብ መንጎ እዚ ግን ድንገት...
"ኢጆሌ ኢጆሌ ... ነምኒ ሂንጅሩ?" ዝብል ድምጺ ተሰምዐ።
ነቲ ካብ ሳፁን ሬሳ ዝወጸ "ቆልዑ ቆልዑ ... ሰብ የለን ድዩ?" ዝብል ድምፂ ቀዲመን ዝሰምዓ ናይቲ "መዋቲ" ኣዲኡን በዓልቲ ቤቱን ነይረን።
"እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰብኡት ብድንጋጸ ሃዲሞም። ካብኡ ንዓይ ፀዊዖምኒ" ይብሉ ወዲ 78 ዓመት በዓል ጸጋ ዕድመ፡ ኣይተ ኢታና ቀንአ።
"መዋቲ" ወዲ ሓዎም ንኣይተ ኢታና እዩ። ሬሳ ኣይተ ሂርጳ ዝገነዙዎ እውን ንሶም ነይሮም።
ምሟቱ ከየረጋገጹ ዶ ቀቢሮምዎ ይኾኑ?
"ሎሚ ጥራሕ እኮ ኣይኮንኩን ሰብ ገኒዘ። ብዙሕ ሰብ እየ ገኒዘ። ምሟቱ ኣረጋጊፀ እየ ናብ ሳፁን ኣእትየዮ" ይብሉ ኣይተ ኢታና።
ፈጣሪ ይኹን ስለዝበሎ እዩ'ምበር፡ ኣነ ስለዝተጋገኹ ኣይኮነን ድማ ይብሉ።
ምንጪ ስእሊ, W/K Aanaa Sibuu Siree
ኣይተ ሂርጳ "ካብ ሞት ምስተመለሱ" እንታይ ተዛሪቦም ዝብል እውን ሓቲትናዮም ነይርና።
ኣይተ ሂርጳ ሞይቱ ተባሂሉ ኣብ ሳጹን ኣብ ዝጸንሓሎም ሰዓታት "ኣዝዩ ዘብህግ ሓምለዋይ ቦታ" ከምዝረኣየ እዩ ተዛሪቡ።
"ኣብኡ ምስበፃሕኩ፡ ሓደ ፃዕዳ ዝተኸደነ 'ናበይ ትኸይድ ኣለኻ? ተመለስ' ኢሉ መሊሱኒ" ከምዝበሎም ኣይተ ኢታና ነጊሮምና።
"መዋቲ" ባዕሉኸ እንታይ በለ?
ከም ኣልኣዛር ሞይቱ ተንሲኡ ዝብል ዛንታ ዝተነገረሉ ኣይተ ሂርጳ ነገሮ ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ እዩ። ቢቢሲ ኣዘራሪብዎ ነይሩ።
"ፃዕዳ ዝተኸደነ ቀይሕ ሰብኣይ፡ ነቶም ካልኦት ሰባት ናብ ውሽጢ ኣእትዩ ነቲ በሪ ዓፅዩዎ። ንዓይ ድማ ተመለስ ኢሉኒ" ይብል።
"እቲ ፃዕዳ ዝተኸደነ" ብምንታይ ቋንቋ ከምዘዛረቦ ተሓቲቱ እንትምልስ፡ ከየማትአ "ብኦሮምኛ" ክብል መሊሱልና።
ብድሕሪ'ቲ ፍጻመ ሓዘን ናብ ሓጎስ ተቐይሩ። "ሕዙናት" ምምጸኦም ስለዘየቋረጹ ግን፡ ዳስ ንመዓልታት ኣይፈረሰን።