መግቢ፡ እንጀራ ወልፊ ዘትሕዝ ባእታ ከምዘለዎ ይዝረብ

እንጀራ Image copyright Getty Images

አቶ ወንድወሰን ግርማ ኣብ ቤልጅም ተምሃሪ ካልኣይ ዲግሪ ሳይንስ መጓዓዝያ'ዩ። ቅድም ኢሉ'ውን ብኻልእ ዓውዲ ካልኣይ ዲግሪ ንምርካብ ኣብ ኖርወይ ጸኒሑ።

"ሽዑ ካብ ሃገረይ እንትወጽእ ናይ ፈለማይ ስለዝነበረ፡ ንእንጀራ ዝነበረኒ ድልየት ልዑል ነይሩ" ይብል።

ኣቶ ወንድወሰን ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያውያን ኣሎ። እዚ ኩነታት፡ ብኣጋጣሚ እቲ ማሕበረሰብ ክተኣኻኸብ ምኽንያት እንትኾኖ፡ "ንእንጀራ ዘለና ናፍቖት ብዚ ኣጋጣሚ ነርዊ ነይርና" ክብል ይዛረብ።

ኣብ ኖርወይ ናብራ መስሪቶም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን'ውን ብዙሓት ስለዝኾኑ፡ እንጀራ ሰንኪትካ መግቢ ንምድላው ኣይጽገሙን።

ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ካብ ዓዱ ዝርሓቐ ፈታዊ እንጀራ ዝኾነ ሰብ ድማ፡ ዓመታዊ በዓላት ተጸብዩ'ዩ ጸብሕን እንጀራን ሃገሩ ዘስተማቕር።

ሓበሻ ኣብ ዝነብረሎም ከተማታት ኤውሮጳ ዘሎ ሰብ እዚ ንምርካብ ኣይክፅግሞን። ነዚ ዘይተዓደሉከ?

ንምኑ እንጀራ ወልፊ የትሕዝ ድዩ?

ወንድወሰን ፈታዊ እንጀራ'ኳ እንተኾነ፡ ወልፊ የትሕዝ'ዩ ኢሉ ንምድምዳም ግና ይጽገም'ዩ።

ሰባት ኣብ ቀረብኦም ዝኾነ ኣይነት እንጀራ ምርካብ ከምዘይኽእሉ ምስፈለጡ፡ ዝረኸብዎ ዓይነት መግቢ ንምምጋብ ኣይፅገሙን ኢሉ ይኣምን። ኮይኑ ግና ምስ ኣተሓሳስባ ዝዛመድ ነገር ከምዘሎ ይግምት።

እዚ ሕቶ በዓል ሞያ እንተብርሆኸ?

ኣቶ ኣብነት ተኽለ በዓል ሞያ ስነ መዓዛ እዩ። እዚ ጉዳይ መሰረታዊ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ድማ ይዛረብ።

"ክሳብ ሕጂ፡ እንጀራ ወልፊ የትሕዝ'ዶ ኣየትሕዝን ንዝብል ሕቶ ብዝግባእ ዝምልስ መጽናዕቲ ኣይረኸብኩን" ኢሉ። እንተኾነ ግን 'ወልፊ' እንታይ'ዩ ንዝብል ምላሽ ኣለዎ።

ወልፊ ኣብ ክልተ ደረጃ ከምዝኽፈል ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ እቲ ሓደ ስነ ኣእምሮኣዊ ኾይኑ ጣዕሚ ሓደ ነገር ምስ ጽቡቕ ስምዒት ካብ ምትሕሓዝ ዝምንጪ'ዩ።

እቲ ኻልኣይ ድማ፡ 'ፊዚዮሎጂካል' እንትበሃል፤ ሰብነትና ዝኮነ ንጥረ ነገር እንትለምድ ዝሓቶ፡ ብበዝሒ ዝተለመደ ዓይነት ወልፍን'ዩ።

"ጉዳይ እንጀራ ብመንጽር ስነ ኣእምሮኣዊ ወልፊ እንትንሪኦ፡ ካብ ቁልዕነትና ጀሚሩ ዝለመድናዮ ጣዕሚ ስለዝኮነን ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰለስተ ግዘ ስለ እንምገቦን፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ወልፊ ዝበሃል ዓይነት ወልፊ ክህልዎ ይኽእል'ዩ" ይብል ኣቶ ኣብነት።

"እንጀራ ደጋጊምና ብምብላዕና፡ ውሽጥና ጣዕሚ እንጀራ ክረክብ ይብህግ፡ እንትንረኽቦ ድማ ናይ ደስታ ስምዒት ይስመዐና" ይብል እቲ በዓል ሞያ።

'ፊዚዮሎጂካዊ' ብርኪ ወልፊኸ ይህልዎ'ዶ?

"እንጀራ ኣብ ውሽጡ ሓይልን ጉልበትን ዝህቡ ንጥረ ነገራት ከምኡ'ውን ኣሲዳት ኣለውዎ። ብለቢቶ ዝበኩዕ ብምኻኑ እንትብላዕላዕ፡ ኣሲድ ፈጢሩ ነቲ እንጀራ ዝተፈለየ ጣዕሚ ይህቦ"።

Image copyright Getty Images

ካብዚ ሓሊፉ፡ እንጀራ ኣብ ውሽጡ ንሰብነትና ዘድልዩ ፕሮቲንን ካርቦሃይድሬትን ዝሓዘ ኾይኑ፡ ሰብነትና እዞም ንጥረ ነገራት ሓይልን ጉልበትን ንምርካብ ይጥቀመሎም። "እዚኦም፡ ከምቲ ካልእ መግቢ እንጀራ እንትንበልዕ፡ ስምዒት ደስታን ዕግበትን ይፈጥሩ" ድማ ይብል ኣቶ ኣብነት።

ኾይኑ ግን፡ ኣብ ውሽጢ እንጀራ ዘሎ ልዑል ኣሲድ ከምኡ'ውን ዝተኣከበ ኣልኮሆል፡ ካብ ካልእ መግቢ ንላዕሊ ዝሓሸ ዕግበት ክህብ ይክእል።

በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት "እንጀራ ወልፊ የትሕዝ'ዩ" ዝብል ድምዳመ ክትሕዙ ይገብሮም።

በዓል ሞያ ስነ መግቢ ኣቶ ኣብነት ተክለ ግና ነዚ ቀጥታዊ ምላሽ ኣይብሉን። ኾይኑ ግን፡ እንጀራ ከም ኒኮቲን ወይ ኣልኮሆል ዝበሉ ወልፊ ዘትሕዙ ንጥረ ነገራት፣ መስተ ወይ ወልፊ ዘትሕዙ ኣቑጽልቲ፡ ወልፊ ናይ ምትሓዝ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኹም ከምዝኾነ ይዛረብ።

ብኻልእ ወገን፡ ቢሑቕ እንጀራ ምስቲ ዝሕወስ ለቢቶ ክብላዕላዕ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ስለዝወስድ፡ እቲ ዝህልዎ መጠን ኣሲድ ካብ ካልኦት ኣሲድ ዘለዎም መግቢታት ልዕል ክህብ ከምዝኽእል ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ ብመጠኑ ወልፊ ከትሕዝ ከምዝኽእል ይገልጽ።

ንእንጀራ ዝኽፈል ዋጋ

ተቐማጢ ሃገረ ቤልጅም ኣቶ ወንድወሰን፡ ዝነብረሉ ከባቢ ንእንጀራ ቐረባ ከምዘይኾነ ይዛረብ። ንኣለሻ እንጀራ ካብ 1፡30 ክሳብ 2፡00 ሰዓት ዝወስድ ጉዕዞ ባቡር ኣለዎ።

እቲ እንጀራ ሉቨን ካብ ዝበሃል ቦታ ዝመጽእ ኾይኑ፡ እቲ እንጀራ ቐዲሞም ንዝኣዘዙ ሰባት ጥራሕ ስለዝስንከት፡ ኣቐዲምካ ስልኪ ደዊልካ ቖጸራ ክትሕዝ ኣለካ።

እቲ ጸገም እዚ ኹሉ መስዋእቲ ከፊልካ እትረኽቦ እንጀራ "ብጣዕሚ ንኡሽቶ፤ ጣዕሙ'ውን ዝተፈለየ'ዩ" ይብል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ