ኢትዮጵያ፡ ፅልኢ ዝሰብኽ ዘረባን ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ንምቁፅፃር ዘኽእሉ ሕግታት ክተርቅቕ'ያ

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል

ኢትዮጵያ ኣብ ምቁፅፃር ፅልኢ ዝሰብኩ ዘረባታት፣ ኣብ ሕክምና ዝፍፀም ሸፈጥ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋርን ሰብን፡ ተፈፃሚ ዝኸውን ሓድሽ ሕጊ ከም እተዳሉ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኣይተ ዝናቡ ጡና፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ምውሓስ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ከምኡ'ውን ምጥንኻር ስርዓተ ፍትሒ፡ ብትኹረት ከም ዝስርሓሎም ተዛሪቦም።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ብኣውርኡ ኣብ ምርግጋፅ ሕግን ስርዓትን፣ ምምራሕ ዳግመ ምምሕያሽ ሕግታትን ምውሓስ መሰላት እሱራትን፡ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ካብ መንግስቲ መምርሒ ተዋሂብዎ።

ኣይተ ዝናቡ ኣብ ጉዳይ ብልሽውና ኣመልኪቶም "ኣብ ሜቴክ (ኮርፖሬሸን ሓፂነ መፂንን ምህንድስናን) ጥራሕ ኣየድሃብናን። ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እታ ሃገር'ውን ምርመራ እናካየድና ኢና" ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት)ን ካልኦት ኢንዶውመንታትን ዝተጀመረ ምፅራይ እንተሃልዩ ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ዝቐረበሎም ኣይተ ዝናቡ "ዝተጀመረ ዝኾነ ዓይነት ምፅራይ የለን። ብዛዕባ እዘን ኢንዶውመንታት: ብቐጥታ ነተን ዝተጣየሳሉ ክልላት እዩ ዝምልከት" ኢሎም።

እቶም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት፡ ኣብታ ሃገር መጠኑ እናሰፍሐ ይመፅእ ኣብ ዘሎ፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር ምርመራ ዘካይድ ፍሉይ ጉጅለ ምርመራ ስርሑ ከም ዝጅምር እውን ተዛሪቦም።

"ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክታት እዛ ሃገር ዝተፈፀመ ብልሽውና፡ ገና ኣብ ምርመራ ስለዘሎ ብዛዕብኡ ክነፍልጥ ኣይንኽእልን" ክብሉ ኣፍሊጦም።

ንግዲ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ለውጢ ንምትእጉጓል ዝዓለመ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ዝናቡ፡ ካብቲ ንግዲ ክርብሑ ዝፍትኑ ውልቀሰባት፣ ሃገራትን ጉጅለታትን ምህላዎም እውን ኣፍሊጦም።

ኣብ ሃገራዊ ሚድያታት ብዛዕባ ዝቐረበ ንሜቴክ ዝጥምት ሰነዳዊ ፊልሚ (ዶክመንታሪ) ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ፡ ትሕዝትኡ ካብቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ክሲ ዝተፈለየ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

"ንዝኾነ ሰብ ክነፀልም ኣይንደልን" ዝበሉ እቶም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት፡ ኣብ ሜቴክ ዝካየድ ምርመራ ፖለቲካዊ ዕላማ ከም ዘይብሉን ንዝኾነ ዓሌት ዒላማ ከም ዘይገበረን ገሊፆም።

ብመሰረት ኣዋጅ ምሕረት፡ 584 ሰባት ነፃ ከም ዝኾኑ ዘረጋግፅ ወረቐት ከም ዝተውሃቦም 'ውን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ