ሊብያ፡ 132 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ተሰጋጊሮም

ንኒጀር ክኸዱ ዝተዳለዉ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ Image copyright UNHCR

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ሱዳንን ዝመጹ ስደተኛታት ዝርከብዎም ኣብ ሊብያ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝነበሩ 132 ስደተኛታት ኣብ ናብ ኒጀር ከም ዘግዓዘ ኣፍሊጡ።

እቶም ትማሊ ብነፋሪት ናብ ጎረቤት ሃገር ኒጀር ናብ ዝርከብ ጊዝያዊ መዕቆቢ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት ኣብ ርእሰከተማ ትሪፓሊ ኣብ ዝርከቡ ታሪክ ኣልሲካን ኣቡ ሳሊምን ዝተባህሉ መዳጎኒታት ተታሒዞም ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 2500 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም ዘግዓዘ ጠቒሱ።

"ትማሊ ካብ ሊቢያ 132 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ኣግዒዝና ኣለና። ኣብኡ ጊዝያዊ መጽንሒ ኣለና። ካብኡ ድማ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስግጋር ዕድላት ነናድየሎም ወይ ድማ ብድሌቶም ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተ ደልዮም ንተሓጋገዞም" ክትብል ኣፈኛ እቲ ትካል ኣብ ሊብያ ፓውላ ቫረቺና ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጻ።

ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝመልኡ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ብሕማቕ ኣገባብ ተታሒዞም ከም ዝርከቡ ጸብጻባት የረድኡ።

ካብ ሓለውቶም ብዝወርዶም ዓመጽን ምስርጣይን፡ ክትራን ጭውያን፡ ከምኡ'ውን ስእነት ኣገልግሎት ጥዕና ብቐጻሊ ከማርሩ ጸኒሐም'ዮም።

"ኤርትራዊ ንዐኦም ዶላር'ዩ። ብሓፈሻ እቲ ሰብ ሓበሻ እንተኾይኑ፡ ገንዘብ'ዩ። ሓጺን ሓዊ እናርሰነንካ፣ ብኤሌክትሪክ እናለፋለፍካ ገንዘብ ዶላር ምርካብ ጥራሕ'ዩ ስርሖም" ሓደ ካብቶም ኣብቲ መዳጎኒ ዝርከቡ ግዳያት መወዳእታ ዘይብሉ ማእሰርቲ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ንኣውሮጳ ከሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ብሓለዋ ባሕሪ ዝተተሓዙን ወይ ድማ ኣብ ሓደጋ ምስኣተዉ ዝደሓኑን እዮም።

እቲ ትካል ንኹሎም ከግዕዞም ዓቕሚ ከምዘይብሉ ብምግላጽ "ተቐበልቲ ሃገራት ኣብ ዝህባና ኮታ [ቁጽሪ] ተመስሪትና ኢና ከነሰጋግሮም እንኽእል፡ ስለዚ እኹል ቦታታት ስለዘየሎ ነቶም ቀንዲ ሓገዝ ዘድልዮም ኢና ቀዳምነት ንህቦም" ትብል ፓውላ።

"ነቶም ቀዳምነት ክወሃቦም ዘለዎም ንምልላይ ጽኑዕ ቅጥዕታት ኣለና፡ ንኣብነት ቆልዑ ሒዘን ዝጓዓዛ፡ ዝሓመሙን፡ ሕክምና ኣብ ምክትታል ዝርከቡን ካብቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም'ዮም"።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር) ንምድጓን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከም ዝቃዎም ብምሕባር፡ ጨንፈር ናይቲ ትካል ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒታት እናኸደ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና ከም ዝህብ'ውን ገሊጻ። ክብድ ዝበሉ ሕማማት ዘለዎም ግን ናብ ሆስፒታላት ዝሰጋገሩሉ ኩነታት ክህሉ ከም ዝጽዕሩ ትዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ከም ዓባይ ሰዓል ዝበሉ ተላባዕቲ ሕማማት ኣብ ገለ መዳጎኒታት ከም ዝተራእዩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም'ዮም። ንሳቶም፡ እኹል ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዘይረኽቡ'ዮም ዝዛረቡ።

ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ድማ ናብ ካልእ ሃገራት ዝሰጋገርሉ ተወሳኺ ዕድላት ክፍጠር እቲ ትካል ይጽዕር ከም ዘሎ ገሊጻ።