ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብዓብላልነት ኤርትራ ተዛዚሙ

ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ Image copyright MOE Eritrea

ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ዝኾነ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ተዛዚሙ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ 160 ኪሎሜትር ናይ ከተማ ውድድር፡ ኤርትራ፣ ኤትዮጵያ፣ ናይጀርያ፣ ግብጺ፣ በኒን፣ ርዋንዳን ሲሸልስን ዝተሳተፋ ክኸውን ከሎ፤ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ተቐዳዳማይ ሲራክ ተስፎም ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ጸወታ ተጀሚሩ ገና ሓደ ዙርያ ከይተላዕሎ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ዳንኤል ሃብተሚካኤል፡ ሲራክ ተስፎም፡ ዳዊት የማነን ሮቤል ተወልደን ካብ ዓባይ ጉጅለ ፈንጢሶም ብምውጻእ ናይ በይኖም ጉጅለ ኣቖሙ።

ኣብታ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሩ፡ ኣባላት ሃገራውያን ጋንታታት ኢትዮጵያን ርዋንዳን ምስታ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ሒዛ ዝነበረት ቀዳመይቲ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ከጽብቡኳ እንተፈተኑ ኣይክኣሉን።

ጸወታ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ኣብ ካልኣይቲ ጉጅለ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣሮን ደብረጽዮን፡ ንምሙላቕ ዝገበሮ ፈተነ ስለዝሰለጦ ናይ በይኑ ጉጅለ ፈጢሩ። ሄኖከ ምሉብርሃን ምስ ርዋንዳዊ ሳሚኤል ሙክሻን ምስ ኢትዮጰያዊ ሬድዋን ሳልሕን ንበይኑ ተረፈ።

ናይ መወዳእታ ሓንቲ ዙርያ ከምዝተረፈቶም ዝሕብር ደወል ምስ ተሰምዐ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዓቐበት ፎርቶ ብዝገበርዎ እስካቶ፡ ሲራክን ዳዊትን ንበይኖም ተፈለዩ፤ ብሓደ'ውን ናብ ቦታ ቮላታ በጽሑ ኣብ መውዳእታ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ቕጽበታዊ ውድድር፡ ሲራክ ተስፎም ቀዳማይ ክውጽእ ኣንከሎ ዳዊት የማነ ካልኣይ ተርታ ሓዘ።

ኣብ ካልኣይቲ ጉጅለ ዝነበሩ ዳንኤል ሃብተሚካኤልን ሮቤል ተወልደን'ውን ተኸታቲሎም ሳልሳይን ራብዓይን ኮይኖም ውድድሮም ፈጺሞም።

ንበይኑ ጉጅለ ኣቑሙ ሓያለ ዙርያታት ዝተጉዓዝ ኣሮን ደብረጽዮን፡ ብዘይተቓጻጺ ሓሙሻይ ተርታ ክሕዝ እንከሎ፡ ሄኖከ ምሉብርሃን ንርዋንዳዊ ሳሚኤል ሙክሻን ንኢትዮጰያዊ ሬድዋን ሳልሕን ብቅጽበታዊ ውድድር ስዒሩ ሻዱሻይ ተርታ ሒዙ።

ናብ ውድድር ዝተሰለፉ ሽዱሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻዱሻይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኤርትራ ትማሊ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ፡ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ንዝተዳለው ሽዱሽተ ሜዳልያታት ብምልኡ ኣብ ዓዳ ከተትርፎ ክኢላ ኣላ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተካየደ ናይ መወዳእታ መድረኽ ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ 80.5 ኪሜ ዝሸፈነ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር'ውን ተኻይዱ ኔሩ፡ ነዚ ውድድር ድቡብ ኣፍሪቃዊት ማቲ ሜሮስካ ክትዕወተሉ እንከላ፡ ናይጀርያዊት ኤሰ ሎቢናን ኢትዮጵያዊት ጸጋ ገብረን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስተዮ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ተቀዳዳሚት ናይጀርያ ኤሰ ሎቪና ወርቂ መዳልያ ክትወስድ ከላ ኢትዮጵያዊት ብርሃን ፍቃዱ ብሩር ኤርትራዊት ትግስቲ ገብረሂወት ከኣ ነሃስ መዳልያታት ተሸሊመን።

ኣብዚ ንኣርባዕተ ምዓልታት ዝተኻየደ ናይ መጀመረታ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ 10 ወርቂ 6 ብሩር 5 ንሓስ ብጠቕላላ 21 ሜዳልያ ብምርካብ ክተንጸባርቕ ከላ፤ ኢትዮጰያ 1 ወርቂ 5 ብሩር 4 ንሓስ ብጠቕላላ 10 ሜዳልያታት፤ ደቡብ ኣፍሪቃ 2 ወርቂ 3 ንሓስ ብጠቕላላ 5 ሜዳልያ ረኺበን ኣለዋ።

ናይጀርያ 1 ወርቂ 1ብሩር ብጠቕላላ 2 ሜዳልያ፤ ርዋንዳ 2 ብሩር 2 ንሓስ ብጠቕላላ 4 ሜዳልያ ረኺበን።

እዚ ብቴለቪዝን ኤርትራ ብቀጥታ ዝተመሓላልፈ ውድድር ካብ ምኩራትን ገዳይምን ተወዳደርቲ ዋሕዲ ተሳተፍቲ ሃገራት ከምዝነብሮ ርኢቶታት ይውሃብ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ብደቂ ኣንስትዮን ብደቂ ተባዕትዮን ዝተኻይደ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ርዋንዳ፡ ናይጀርያ ደቡብ ኣፍሪቓ ሲሸልስን ቤኒንን ክሳተፋ ቀንየን።