ሜክሲኮ ዶብ ንዝጠሓሱ ስደተኛታት ክትጥርዝ እያ

ዘንብዕ ትኪ Image copyright Reuters

ሜክሲኮ፡ ዶብ ኣመሪካ ክጥሕሱ ንዝፈተኑ ኣስታት 500 ስደተኛታት ክትጥርዝ ምዃና ገሊፃ።

እቶም ስደተኛታት ትማሊ ሰንበት "ብሓይሊ" ከምኡ ድማ "ብዘይሕጋዊ መገዲ" ዶብ ክሰግሩ ስለዝፈተኑ ተኣኪቦም ክተሓዙ ተገይሮም ተባሂሉ።

ደቂኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ኣብ ከተማ ቲዋና ዝርከብ ንኣመሪካን ሜክሲኮን ዝፈሊ ሓጹር ክጥሕሱ እንትጓየዩ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተፈንዩ እዩ።

ሓለውቲ ዶብ ኣመሪካ ብዝተኮስዎ ዘንብዕ ትኪ ንድሕሪት ክምለሱ ድማ ተገዲዶም።

ኣብዚ ፍጻመ ከምዝተሳተፉ ተፈልዮም ዝተፈለጡ ሰባት ሽዑ ንሽዑ ከምዝጥረዙ መንግስቲ ሜክሲኮ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ከተማ ቲዋና ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ከባቢ ጽንኩር ኩነታት እዩ ዘሎ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ኣመሪካ 4,000 ኪሎሜትር ተጓዒዞም እዮም ኣብ ቲዋና በጺሖም ዘለዉ።

ካብ ጓቲማላ፣ ሆንዱራስን ኤልሳቫዶርን፡ ማእሰርቲ፣ ድኽነትን ጎንፂን ሃዲሞም ከምዝወፁ እዮም እቶም ስደተኛታት ዝገልፁ።