ሩስያ ናይ ዩክረይን ጀላቡ ድሕሪ ምሓዛ፡ ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ነጊሱ

ሩስያ መራኽብ ዩክረይን ኣብ ማያዊ ዶባተይ ብዘይሕጊ ኣትየን ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ ኢዩ እቲ ቅልውላው ተጋሂዱ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሩስያ መራኽብ ዩክረይን ኣብ ማያዊ ዶባተይ ብዘይሕጊ ኣትየን ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ ኢዩ እቲ ቅልውላው ተጋሂዱ

ሓይልታት ሩስያ ናብ ማያዊ ዶባታት `ብዘይፍቓድ` ዝኣተዋ ሰለስተ ወተሃደራዊ ጀላቡ ብምሓዞም፡ ነቲ ኣብ መንጎአን ዝጸንሐ ወጥሪ ሰማይ የዕሪግዎ። ሩስያ ነቲ ተኽሲቱ ዘሉ ኩነታት ኣመልኪታ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ክገብር ጸዊዓ ኣላ።

ሩስያ ኣብ ከባቢ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ ኣብ ልዕሊ ናይ ዩክረይን ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ድሕሪ ብሓይሊ ምሓዛ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ወጥሪ ሰማይ የዕሪግዎ።

ሓይልታት ሩስያ ክልተ ወተሃደራዊ ጀላቡን ሓንቲ ጎታቲ ጀልባ ናይ ዩክርየን ብሓይሊ ሒዞም። ኣብቲ ዝተኻየደ ፍጻመ ድማ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዩክረይን ተሃስዮም ተባሂሉ።

ድሕሪ`ቲ ፍጻመ፡ ክልቲኤን ሃገራት ነንሕድሕደን ተወነጃጂለን። ሎሚ ሰኑይ፡ 26 ሕዳር፡ ኣባላት ባይቶ ዩክረይን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክእውጁ ኢዮም ይብሃል።

ሩስያ መራኽብ ዩክረይን ኣብ ማያዊ ዶባተይ ብዘይሕጊ ኣትየን ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ ኢዩ እቲ ቅልውላው ዝተጋህደ።

ድሕሪ`ቲ ኩነታት፡ ሩስያ ናብቲ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ባሕሪ ኣዞቭ ዝጽንብር ኣብ መጻብቦ ከርቺ ዝርከብ እንኮ ድልድል ዓጽያቶ።

ፕሬዚደንት ዩክረይን ፔትሮ ፖሮሼንኮ፡ ኣብቲ ናይ ዩክረይን ሃገራዊ ናይ ጸጥታን ምክልኻልን ባይቶ ኣኼባ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ነቲ ናይ ሩስያ ተግባር ``ጠገለ ዘይብሉ ምትኹታኽ`` ኢዩ ኢልዎ።

ድሕሪ`ቲ ፍጻመ፡ ሩስያ ህጹጽ ናይ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ኣኼባ ጠሊባ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃሊይ፡ ኣብቲ ናይ ሰኑይ ኣኼባ ክትካፈል ከምዝተጸወዐት ገሊጻ።

ሩስያ ንሓውሲ ደሴት ክሪሚያ ኣብ 2014 ብሓይሊ ድሕሪ ምጉባጣ፡ ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ ጸሊም ባሕርን ኣብ ባሕሪ ኣዞቭን ዘይምርግጋእ ነጊሱ ይርከብ።

ብኸመይ እቲ ወጥሪ ተጋሂዱ?

ትማሊ ንጉሆ፡ ክልተ ናይ ዩክረይን ወተሃደራዊ ጀላቡን ሓንቲ ጎታቲ ጀልባን ካብቲ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ኦዴሳ ናብቲ ኣብ ባሕሪ ኣዞቭ ዝርከብ ማርዩፖል ክኸዳ ኣብ ዝተበገሳሉ፡ ሩስያ ነተን ጀላቡ ዓጊታተን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ መጻብቦ ከርቺ`ውን ከይከዳ ከልኪላተን ኢላ ዩክረይን።

ድሕሪኡ ሩስያ ጀላቡ ዩክረይን ናብ ማያዊ ዶባተይ ብዘይሕጊ ኣትየን ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ፡ ክልተ ናይ ኲናት ነፈርትን ክልተ ሄሊኮፕተራትን ብሃታሃታ ድሕሪ ምብጋስ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ናይ መራኽብ ምንቅስቓስ ከይካየድ ኣጊዳ።

ድሒሩ ሓይሊ ባሕሪ ዩክረይን ከምዝበሎ እተን ጀላቡ ከምዝተሃርማን፡ ካብቲ ቦታ ክወጻ ኣብዝፈተናሉ እዋን ድማ ከምዘበላሸውወን ገሊጹ። ኣብቲ ፍጻመ ሽዱሽተ ኣባላት እተን ጀልቡ ከምዝተሃስዩ`ውን ዩክረይን ሓቢራ።

ናይ ሩስያ ትካል ጸጥታ ከምዘረጋገጾ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሓለዋ ጀልባታቶም ነተን ሰለስተ ናይ ዩክረይን ጀልባታት ንምሓዝ ሓይሊ ከምዝተጠቕመት ገሊጹ። ኣብቲ ህሞት ድማ ሰለስተ ናይ ዩክረይን ኣባላት እተን ጀላቡ ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።

ዩክረይን ከምዝበለቶ፡ ቅድሚ ነተን ጀላቡ ምንቅስቓሳ፡ ነተን ጀላቡ ናብ ማርዮፖል ከተንቀሳቕሰን መደባት ከምዘለዋ ሓቢራ ከምዝነበረት ኣፍሊጣ።

Image copyright Photoshot

ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ግብረ-መልሲ`ከ ከመይ ነይሩ?

ሕብረት ኤውሮጳ ሩስያ ``ኣብ መጻብቦ ከርቺ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ከተኽብር`` ድሕሪ ምሕባራ፡ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ``ብዓቕሊ ክሕዝኦ ኩሉ ዝክእልን ክገብራ`` ድማ ተማሕጺኖመን።

ኔቶ [North Atlantic Treaty Organaisation] ''ልኡላዊ መሬትን ሓድነትን ዩክረይንን ኣብ ማያዊ ዶባታት ድማ ክትንቀሳቐስ ዘለዋ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ከምትድግፍ`` ገሊጻ። ብምቕጻል፡ ሩስያ ዩክረይን ናብተን ኣብ ባሕሪ ኣዞቭ ዝርከባ ወደባታት ብዘይዝኾነ ምዕንቃጽ ክትንቀሳቐስ ከተረጋግጽ ድማ ሓቲታ።

ድሕሪ ባይታ ናይዚ ኩነታት እንታይ`ዩ?

ባሕሪ ኣዞቭ ኣብ ምብራቕ ክሪምያን ደቡብ ካብቲ ደገፍቲ ሩስያ ዝኾኑ ተፈንጨልቲ ብከፊል ጎቢጦም ዝሓዝዎ ቦታታት ትርከብ።

እተን ክልተ ሰሜናዊ ደንደስ ባሕሪ ዝርከባ ናይ ዩክረይን ወደባት - ቤርድያንስክን ማሪፖሎን ኣኽልን ኣቻዮን ንሰደድ እትጥቀመለን ወዳብት ክኾና ከለዋ ከሰል ካብ ደገ ንምእታውን`ውን ትጥቀመለን።

ኣብ 2003 ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን መራኽበን ነቲ ባሕሪ ብነጻን ብማዕረን ክጥቀማሉ ተሰማሚዐን ነይረን።

እንተኾነ ኣብዚ ቐረባ፡ ሩስያ ነተን ካብን ናብን ወደባት ዩክረይን ዝንቀሳቀሳ መራኽብ ክትፍትሸን ጀሚራ። ድሕሪዚ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኩነታት ንምፍታህ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ።

እቲ ተፍትሽ፡ ዩክረይን ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ክሪምያ እተበገሰት ዓሳ እትገፍፍ መርከብ ሩስያ ድሕሪ ምእሳራ ኢዩ ተጀሚሩ።

ድሕሪ ኣብ ሚያዝያ 2014 ገለ ተፈንጨልቲ ኣንጻር ዩክረይን ተቓውሞ ምብጋሶም፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ዶንጸክን ሉሃንስክን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ጥራይ ልዕሊ 10,000 ሰባት ተቐቲሎም።

ዩክረይንን ሃገራት ምዕራብን ሩስያ ሰራዊታ ናብቲ ከባቢ ብምስዳድ ነቶም ተፈንጨልቲ ብምሕጋዛ ይኸስዋ። ሩስያ ግና ነቲ ክሲ ብምንጻግ ገለ ሩስያውያን ወለንተኛታት ነቶም ተፈንጨልቲ ጉጅለታት ከምዝሕግዝዎም ገሊጻ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት