ኣናህብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 'ኣብ ከተማ ኬፕታውን ሓደ ሚሊዮን ኣናህብ መይቶም'

ንህቢ መዓር Image copyright Science Photo Library

ወይኒ ኣብ ዝፈርየሉ ከባቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ምብካል፡ ሓደ ሚሊዮን ኣናህብ መይቶም ተባሂሉ ይግመት።

ምኽትል ኣቦ መንበር ማሕበር ኢንዳስትሪ መዓር ንህቢ ምዕራብ ኬፕታውን ፡ በርንዳን ኣሽሌይ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ሓደ ሓረስታይ ወይኒ ኣብ ግራቱ ዝነበሩ ባልዕ ንምጥፋእ ንምጥፋእ ዝተጠቐሞ ጸረ ባልዕ ዘራእቲ፡ ሞት እቶም ኣናህብ ኣስዒቡ ክኸውን ይክእል'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ኣብ ከባቢ ከተማ ኬፕታውን ዝርከቡ ካልኦት ሓረስቶት ንህቢ መዓር'ውን በዚ ተጠቒዖም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም፤ ኮይኑ ግና ክሳብ ክንደይ ዝብል ንጹር ኣይኮነን ኢሉ።

'ፊፕሮኒል' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸረ ባልዕ፡ ኣብ ኤውሮጰ ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ኣናህብ መዓር ቐቲሉ ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ጉዳይ ኣናህብ ዝነጥፉ ኣካላት፡ እዚ ጸረ ባልዕ ሓይለኛ መርዛም ብምኻኑ፡ ኣብ 2013 ኣብ ኤውሮጳ ተኸልኪሉ'ዩ ይብሉ።

ሚስተር ኣሽሌይ፡ ካብ 35 ክሳብ 40 ሚኢታዊት ዝውንኖ መሬት ግዳይ ከምዝኾነ እንትገልጽ፡ ካብ 1 ክሳብ 1.5 ሚሊዮን ተቐቲሎም ይኾኑ ኢሉ ይግምት።

Image copyright Getty Images

'ውሑድ መዓር ንልደት'

እዚ 'ፊፕሮኒል' ዝተብሃለ ጸረ ባልዕ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኤውሮጳ ኣጋጢሙ ንዝተብሃለ ምብካል እንቋቑሖ'ውን ምኽንያት ኾይኑ'ዩ ተባሂሉ'ዩ።

ብምኽንያት እዚ፡ ብመላይን ዝቑጸሩ እንቋቑሖ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኾይኑ'ዩ።

ፊፕሮኒል፡ ከም ቁንጪ ዝኣመሰሉ ባልዓት ንምውጋድ ዝውዕል ኾይኑ፡ ወዲ ሰብ ንረብሓ ኣብ ዘውዕሎም ከም ደርሆ ኣብ ዝኣመሰሉ እንስሳት ንረብሓ ከይውዕል ተኸልኪሉ'ዩ።

Image copyright Getty Images

ሕዚ ድማ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት ኣናህብ መዓር ምኽንያት ድዩ ኣይኮነን ዝብል ንምንጻር ቐጻሊ ምጽራይ ንምክያድ መንግስቲ ምስ ሓረስቶት ተዋዲዱ ይሰርሕ ምህላው ኣሼሊ ይሕብር።

ኣብ በረኻን ኣብ ቀፎ ሓረስታይን ዝርከቡ ኣናህብ ድማ ተጠቃዕቲ ምኻኖም ገሊጹ።

"ቅድሚ ሰሙን፡ ሓለውቲ ኣናህብ ኣብ ቆፎታት ንህቢ ዝሞቱ ኣናህብ ይረኽቡ ምንባሮም ሓበሬታ ይበጽሐና ነይሩ'ዩ። ኣውራ ብዝሒ ዘለዎም ቆፎታት ንህቢ ድማ ተጠቒዖም'ዮም" እውን ይብል።

እዚ ኣብ ምህርቲ መዓር ውሱን ጸቕጢ ከሕድር ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ "ገለ ስድራ ልደት ብዘይ መዓር ከሕልፉ ክግደዱ'ዮም" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ