ኢትዮጵያ፡ ታሪኽ ዝቕይራ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ

መዓዛ አሸናፊ Image copyright ullstein bild
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዝዳንት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊ

ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝፀንሐን ባህላዊ ዝኾነን፡ ኣብ ቤተሰብ ዝተሞርከሰን ሓላፍነት ሰጊረን ላዕለዎት ኣብ ዝበሃሉ መንግስታዊ ሓላፍነታት ክሽወማ ጀሚረን ኣለዋ።

ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ንግስቲ ሳባ ብኹርዓት ክዛረቡ'ኳ እንተተሰምዑ፡ እቲ ማሕበረሰብ ግን ዕብለላ ደቂ ተባዕትዮ ዝረኣዮን ቅቡል ኮይኑ ዝውሰደሉን እዩ።

"መፍትሒ ኣፍ እቲ ማሕበረሰብ ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ እዩ። ካብ ቁልዕነትና ጀሚሩ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒትና እናርኣና ኢና ዓቢና" ትብል በዓልቲ ሞያ ስርዓተ-ፆታን ሕግን ህሊና ብርሃኑ።

እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዝተሓተ ከምዝኾነ ዘንጸባርቑ፡ 'ሰበይቲ ዝሰርሓቶ ገዛ ሰረት የብሉን' ዝብሉን ካልእ ኣባሃህላታታን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝተለመዱ'ዮም።

ካብ ኣስታት 102.5 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ፍርቂ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ ናይ መብዛሕቲኤን ኣብ ገጠራት ዝነብራ ሓላፍነት ድማ ህፃናት ምሕብሓብ፣ ማይ ምምፃእ፣ መግቢ ምድላውን ዝመሳሰሉን ስራሕቲ ገዛ ካብ ምፍፃም ዝሰግር ኣይኮነን።

Image copyright AFP

ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣካላትን ዝተረኸበ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡

  • 25% ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዓበይቲ ዝበሃሉ ውሳነታት ናብ ሰብኡተን ኣሕሊፈን ይህባ
  • 50% ብሰብ ሓዳረን ጥቕዓት ይፍፀመን
  • ትሕቲ 20% ጥራሕ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይከታተላ
  • ልዕሊ 40% ድማ 18 ዓመት ዕድመ ከይመልአን ሕዳር ይገብራ

እዞም ጉዳያት'ዚኦም ናብ ድሕሪት ኣብ ዝጎትዋ ሃገር፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዝለዓለ መንግስታዊ ሓላፍነት ክመፃ ምውሳኑ ተቐባልነት ክረክብ ኪኢሉ።

ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝብልዎ፡ ዶክተር ኣብዪ በዚ ዝቕፅሉ እንተኾይኖም፡ ኣብቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ግምት ለውጢ ንኽመፅእ ዝገብሩ ውፅኢት ክረኣይ ይኽእል'ዩ።

ብወዲ 42 ቀዳማይ ሚንስትር ካብ ዝተሾሙ 20 ሚንስትራት፡ ፍርቂ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ግን ንኣርባዕተ ጥራሕ ሽመት ሂቦም ነይሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ንደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ መንግስታዊ ሓላፍነት ብምሃብ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ጥራሕ እየን።

ኣብ ኢትዮጵያ ትሕቲ ዕድመ ዝግበር መርዓ ንምትራፍ ብዝገበረቶ ዝለዓለ ቃልሲ ተመስሪታ ምስ ስምይቲ ተዋሳኢት ሆሊዉድ ኣንጀሊና ጁሊ ፊልሚ ናብ ምስራሕ ዝበቕዐት፡ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰልን ጠበቓን መዓዛ ኣሸናፊ'ውን ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኮይና ብዶክተር ኣብዪ ተሸይማ'ያ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ስራሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘገልገላ ሳህለወርቅ ዘውዴ'ውን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይነን ተሸይመን ኣለዋ። ቢልለኔ ስዩም ከኣ ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ፕረስ ሴክረታሪ ኮይና ስርሓ ጀሚራ።

Image copyright Getty Images

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስልጣን ዝርከባ ብሕታዊት ኣፍሪቃዊት ፕረዚደንት እየን።

ኣባል ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፍ ምንቅስቓስ 'የሎ' ዝኾነት ረድኤት ክፍሌ "ከምዚ ርኢና ኣይንፈልጥን። ንዓይንና ሓድሽ እዩ። ዓይነት እቲ ሓላፍነት ብዘየገድስ ክእለት ኣመራርሓ ንኸማዕብላ ዝሕግዘን'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም ክብርን እምነትን፡ ገና ናብ ስልጣን ክመፁ ከለዉ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ንወላዲት ኣዲኦም ብምምስጋን'ዮም ዘረጋገፁ።

"ኣደይ ልክዕ ከም ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣዴታት ርህርህትን ፅንዕትን ነይራ። ዋላ'ኳ ብህይወት እንተዘይሃለወት ከመስግና እፈቱ" ኢሎም ነይሮም።

'ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ብልሽውና ዝፀረያ እየን'

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንውሳነታቶም ከብርሁ ከለዉ "ደቂ ኣንስትዮ ምስ ተባዕትዮ ክነፃፀራ ከለዋ ካብ ብልሽውና ዝረሓቓ እየን። እቲ ንደልዮ ሰላም ንኽነረጋግፅ ይሕግዛና እየን" ክብሉ ተዛሪቦም።

ልዕሊ 60 ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣመራርሕ ኮርፖሬሸን ሓፂነ መፂንን ኢንጂነሪንግን (ሜቴክ) ከምኡ'ውን ምኽትል ሓላፊ ድሕነት ነበር፡ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ብልሸውናን ተጠርጢሮም ኣብ ዝተቐየዱሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት 'ገምጋም ቀዳማይ ሚንስትር ትኽክል ነይሩ' ክብሉ ኣኽኢሉ።

ወይዘሮ ኣበባ ገብረስላሴ ብ1997 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ምርጫ፡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንምዃን ተወዳዲረን ከም ዘይተሳኽዐለን ይዝክራ።

ብቐዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ይውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ንቐፃሊ ተስፋ ሒዞም ክመጽኡ ትትስፎ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣይተ መኮነን ፍሰሃ ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ፡ እተን ናብ ዝለዓለ ስልጣን ዝደየባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ክጋገዩ ከለዉ'ውን ናይ ምክታዕ ዓቕሚ ዘይክህልወን ይኽእል'ዩ።

በዓልቲ ሞያ ሕጊ ህሊና ግን በዚ ኣይትሰማማዕን "እዘን ደቂኣንስትዮ ናብ ስልጣን ዝመጽኣ ብሰናይ ፍቓድ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ጥራሕ ወይ ድማ ብልግስና እቲ ስርዓት ኣይኮነን፤ ነቲ ሞያ ዝምጥን ብቕዓት ስለዘለወንን ንፉዓት ሰራሕተኛታት ስለዝኾናን'ዩ" ትብል።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፊልም 'ድፍረት' ኣብ ሆሊዉድ ተራእዩ እዩ

ፊልም 'ድፍረት'

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል መዓዛ ኣሸናፊ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሞያ ሕጊ ብምምስራትን ንደቂ ኣንስትዮ ዘግልሉ ሕግታትን ብምቅዋምን ትፍለጥ።

ከም ዓብዪ ዓወታ ኮይኑ ዝቑፀር ድማ፡ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ብምውካል ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተኻትዐትሉ ኣጋጣሚ እዩ። እታ ቆልዓ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ኣገዲዱ ንዝዓመፃ በዓል ገዝኣ ቀቲላ ብዝብል ገበን'ዩ።

ኣብቲ ናይ ቤት ፍርዲ ክትዕ ከኣ መዓዛ ተዓዊታ። ኢትዮጵያ ካብቲ ኣጋጣሚ ንደሓር ዘሪፍካ ዝፍፀም መርዓ ከልኪላ። እዚ ክስተት ድማ ቀልቢ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ፍሉጣት ሰባት ስሒቡ።

ስምይቲ ተዋሳኢት ፊልም ኣንጀሊና ጁሊ፡ ኣብዚ ዛንታ ተሞርኪሱ ንዝተሰርሐ 'ድፍረት' ዘርእስቱ ፊልሚ ብኣዳላውነት ተሳቲፋትሉ ወይ ብገንዘብ መዊላቶ።

ተወሳኺ ዛንታ