ትራምፕ ብሰንኪ ናይ ዩክረይን-ሩስያ ማያዊ ወጥሪ፡ ርክብ ምስ ፑቲን ክስርዞ ይኽእል

ዝተኣሰሩ ዩክሬናውያን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ገለ ካብቶም ዝተኣሰሩ ዩክሬናውያን ኣብ ክሪምያ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም

ብሰንኪ`ቲ ብሰሉስ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘተፈጥረ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ እቲ ኩነታት ናብ መጠነ-ሰፊሕ ኲናት ከየእቱ ተፈሪሑ ከምዝነበረ ፕሬዚደንት ዩክረይን ፖሮሼንኮ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ናይ ሩስያ መዘንኡ ፕሬዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኪገብሮ ዝነበሮ ርክብ ብሰንኪ ናይ ሩስያን ዩክረይንን ማያዊ ግጭት ክስርዞ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ምሉእ ጸብጻብ ናይቲ ብሰንበት [25 ሕዳር] ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ንናይ ዩክረይን ወተሃደራዊ ጀላቡ ኣጥቂዐንን ሒዘንን ዝብል ይጽበ ከምዘሎ ንጋዜጣ ዋሺንግቶን ፖስት ሓቢርዎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ጎኒ-ጎኒ ናይቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቦነስ ኣይረስ፡ ኣርጀንቲና ክካየድ ዝኾነ ኣኼባ መራሕቲ ጂ20 ክራኸቡ ኢዮም ይብሃል።

ብዝኾነ፡ ኣሜሪካ ሃገራት ኤውሮጳ ንዩክረይን ንምሕጋዝ ኩሉ ዝክኣለን ኪገብራ ተማሕጺና።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጽኑዕ ትግባረ እገዳ ክትርኢ ከምትደሊ፡ ኣፈኛ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ሄዘር ኖውት ገሊጹ።

ዶናልድ ትራምፕ እንታይ ኢሉ?

እቲ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ዝጽበዮ ዘሎ ጸብጻብ ``ኣዝዩ ወሳኒ`` ከምዝኾነ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንጋዜጣ ዋሺንግቶን ፖስት ነጊርዎ።

``ምናልባሽ ምስ ፕሬዚደንት ፑቲን ምርኻብ ኣየድልየንን ይኸውን። እቲ ዝተኻየደ ተጻብኦ ጨሪሰ ኣይድግፎን ኢየ`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ጸጥታ፡ ምቁጽጻር ኣጽዋርን ከምኡ`ውን ብዛዕባ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ክዘረረቡ ከምዝተመደበ ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ኣማኻሪ፡ ጆን ቦልቶን ንጋዜጠኛታት ሓቢርዎም።

እቲ ቅልውላው ብኸመይ ይምዕብል ኣሎ?

ብሰንበት፡ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ወተሃደራዊ ጀላቡን ሓንቲ ጎታቲ ጀልባን ኣብቲ ሩስያ ኣብ 2014 ብሓይሊ ዝጎበጠቶ ገማግም ክሪምያ ዝርከብ መጻብቦ ከርቺ ተኹሲ ብምኽፋት፡ 24 ዩክሬናውያን ኣብ ትሕቲ ቀዲ ከእትዉ ከለው ብውሕዱ ድማ ንሰለስተ ኣቑሲሎም።

Image copyright Rossiya 24

ዩክረይን ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ``መጥቃዕቲ`` ኢዩ ክትብሎ ከላ፡ ሩስያ ድማ እተን ጀላቡ ናብ ማያዊ ዶባተይ ብዘይፍቓድ ስለዝእተዋ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደት ገሊጻ።

ድሕሪ`ቲ ፍጻመ፡ ቤት ፍርዲ ክሪሚያ [እታ ኣብ ትሕቲ ሩስያ ትርከብ] 12 ካብቶም ዝተታሕዙ ዩክሬናውያን ን60 መዓልቲ ክእሰሩ ፈሪዱ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዩክረይን ሎሚ ክፈርዶም ትጽቢት ኣሎ።

ግብረ-መልሲ ዩክረይን ከመይ ነይሩ?

ብሰኑይ ምሸት፡ ባይቶ ዩክረይን ነቲ ፕሬዚደንት ፔትሮ ፖሮሼንኮ ካብ 26 ሕዳር ን30 መዓልቲ ዝጸንዕ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ደጊፎሞ።

ምስ ሩስያ ``ኣብ መጠን-ሰፊሕ ኲናት`` ከይንእቱ ስግኣት ነይሩ ኢሉ ፕሬዚደንት ፖሮሼንኮ ብሰሉስ ኣብዝሃቦ መግለጺ።

``ቁጽሪ ታንክታት ሩስያ ኣብቲ ናይ ሓባር ዶባት ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ`` ኢሉ ፕሬዚደንት ፖሮሼንኮ።

እቲ ትጽቢት ዝየተገብረሉ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ፡ ሰራዊት እቲ ሃገር ዝኾነ ናይ ተቓውሞ ሰልፍን ኣድማ ክኽልክል ስልጣን ዝህብ ኢዩ።

እንታይ ካልእ ተቓውሞ ነይሩ?

ምሓዝ ናይ ዩክረይን ጀላቡ፡ ነቲ ወጥሪ ዝያዳ ዘዕብን፡ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕግን`` ኢዩ ኢሉ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፔዮ።

ዓዲ እንግሊዝ ድማ ንናይ ሩስያ ``ኣብቲ ከባቢ ዕግርግር ናይ ምፍጣር ባህርያትን ምግሃስ ልኡላዊ ግዝኣት ዩክረይንን`` ኮኒና።

ቻንስለር ማርኬል ናይ ጀርመን ድማ ``ነቲ ውጥሪ ንምህዳእ ዝርርብ ኣገዳሲ ኢዩ`` ከምዝበለት ኣፈኛኣ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት