ኦሮሚያ ኢትዮጵያ፡ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞን ኦሮሞ ዲሞክራቲክ ግንባርን ውህደት ፈጢሮም

ፕሬዝደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳን፡ ሌንጮ ለታን

ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኦሮሞ ዲሞክራቲክ ፓርቲ (ኦዴፓ)ን ብሌንጮ ለታ ዝምራሕ ኦሮሞ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኦዴግ) ንምውህሃድ፡ ሓበራዊ ሰነድ ፈሪሞም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ውድባት፡ ፍልልይ ፖለቲካዊ መትከል ዘይምህላዉን፡ ህዝቢ ውህደት ክልቲኦም ውድባት ምድላዩን፡ እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ንክወሃሃዱ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ ተባሂሉ።

ፕሬዝደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ "ብሓደ ልብን ኣተሓሳስባን ክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኢና። ኦሮሞ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ብመናእሰይ ዝተመልአ ሰልፊ'ዩ። ምስ ኦሮሞ ዲሞክራሲያዊ ግንባር እንትንወሃሃድ ድማ ክንጥንክር ኢና" ኢሉ።

ኣመራርሓ ኦሮሞ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ናብ ውሽጢ ሃገር ቅድሚ ምምጽኦም፡ "ይሕግዙና" ነይሮም ዝበለ እቲ ፕሬዝደንት፡ "ሓቢርና ንምስራሕ ዕድል ምርካብና ድማ ሓጎስና ልዑል'ዩ" ኢሉ።

ኣቦ መንበር ኦሮሞ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኣቶ ሌንጮ ለታ ብወገኖም፡ "ባህሊ ምብትታን ናብ ጸገምን ድኽነትን'ዩ ዝወስድ" ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ "ናይ ውድባት ውህደት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓድነት ህዝቢ'ውን የድልየና'ዩ። ፖለቲካዊ ውድባት ኦሮሞ ከምቲ ዝሓለፈ ዘይኮነ፡ ሎሚ ብዘሎ'የን ክሓስባ ዝግባእ" ክበሉ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ገጠር ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ህዝቢ እቶም ውድባት ክወሃሃዱ ዘለዎ ድልየትን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ውድባት ፍልልይ መትከል ዘይብሎም ምዃኖምን፡ ንክወሃሃዱ ምኽንያት ከም ዝኾነ ገሊፁ።

ቅድሚ እዚ ንነዊሕ እዋን ዘተ ከምዝተኻየደ ዘዘኻኸረ ኣቶ ኣዲሱ፡ "ንቕድሚት'ውን ሓደ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ስያመ መጸውዒ እቲ ሰልፊ፣ ኣርማን ካልኦት ጉዳያትን ክስርሐሉ'ዩ" ኢሉ።

ተወሳኺ ዛንታ