ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ብሰንኪ ኲናት የመን ንስዑድያ ዝግበር ሓገዝ ደው ክብል ኣሚሞም

ህጻን የመን Image copyright AFP

እቲ ብሰልፊ ዴሞክራት ዝዕብለል ባይቶ ሴኔት ኣሜሪካ፡ ንስዑድ ዓረብ ዝውሃብ ሓገዝ ደው ክብል ብምእማሞም፡ ኣንጻር ድልየት ፕሬዚደንት ትራምፕ ወሲኖም። እቲ እማመ ከም መግናሕቲ ኣንጻር ትራምፕ ኢዩ ተባሂሉ።

ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ የመን፡ ኲናት ዘካይድ ዘሎ ብስዑድያ ዝምራሕ ስሙር ሓይሊ፡ ኣሜሪካ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ደው ንምባል፡ ስጉምቲ ንምውሳድ መደብ ኣበጊሱ ኣሎ።

ኣባላት እቲ ባይቶ [ሴኔተርስ] ብ63-37 ድምጺ፡ ነቲ ናይ ኣሜሪካ ሓገዝ ደው ክብል ዝጽውዕ እማመ ብምድጋፎም ንፕሬዚደንት ትራምፕ ዓቢ ጽፍዒት ኢዩ ነይሩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖምፔዮን ምኒስተር ምክልኻል ጂም ማቲንስን፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ስለዘግድዶ እቶም ኣባላት ሴኔት ነቲ እማመ ከይድግፍዎ ተማሕጺኖሞም ነይሮም።

ድሕሪ እቲ ፍሉጥ ጸሓፊ፡ ጀማል ካሾጊ፡ ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ውሽጢ ቆንስል ስዑድያ ኣብ ኢስታንቡል ምቕታሉ፡ እቲ ኣንጻር ስዑድ ዓረብ ዝቐርብ ዝነበረ ነቐፌታ ወሲኹ።

እቶም ብሮብዕ ኣብ ዕጽው ኣኼባ፡ ብዛዕባ ዝምድና ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ዝዘተዩ ኣባላት ሴኔት፡ ሓላፊት ትካል ስለያ ኣሜሪካ [ሲኣይኤይ] ጂና ሃስፐል ኣብቲ ኣኼባ ብዘይምርካባ ኣትሪሮም ነቒፎማ።

ጂና ሃስፐል ነቲ ብቱርኪ ዝተውህባ ናይ ካሾጊ ቅትለት ዘርኢ ቅዳሕ ቪድዮ ሪእያቶ ኢያ። እንተኾነ ሓደ ኣባል ሰኔት፡ ጂና ሃስፐል ኣብቲ ኣኼባ ዘይተሳተፈት ነቲ ኩነታት ``ንምዕባጥ`` ኢዩ ኢሉ።

እዚ ናይ ሴኔት ውሳነ፡ ከም ንፕሬዚደንት ትራምፕ ዝተዋህበ መግናሕቲ ኢዩ ዝርአ፡ ምኽንያቱ ትራምፕ ንስዑድ ዓረብ ከም ቀንዲ ዓርኪ ኣሜሪካ ስለዝርእያን፡ ኣንጻር`ቲ ኣብ ልዕሊ መሪሕነታት እታ ሃገር እገዳ ኪግበር ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ስለዝኾነን።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ኣብ ቅትለት ካሾጊ ንወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ዝውንጅል ጸብጻብ ትካል ስለያ ኣሜሪካ ነጺጉዎ ኢዩ።

ገለ ጋዜጠኛታት ከምዝበልዎ እዚ ናይ ሴኔት ድምጺ ናብ ፓርላማ ምስ ከደ ንኽጸድቕ ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ትሑት ኢዩ ኢሎም።

Image copyright Reuters

እቶም ኣባላት ሴኔት እንታይ ኢሎም?

መብዛሕትኦም ኣባላት ሴኔት፡ ካብታ ነቲ ቅዳሕ ቪድዮ ናይ ካሾጊ ቅትለት ዝረኣየት ሓላፊት ትካል ስለያ ኣሜሪካ ጂና ሃስፐል፡ ብቐጥታ ክሰምዑ ኢዩ ነይሩ ትጽቢቶም፡ እንተኾነ ጂና ሃስፐል ነቲ ዘቕረቡላ ዕድመ ስለዝነጸገቶ፡ ካብቲ ናይ ሮቡዕ ኣኼባ ሓሪቖም ኢዮም ወጺኦም።

ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ፖምፔዮ እንታይ መሊሹ?

እቲ ምኒስተር ነቲ ብዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ዝተባህለ ኢዩ ደጊምዎ፡ ``ነቲ ወራስ ዓራት ምስቲ ቅትለተ ናይ ጀማል ካሾጊ ዝተሓሕዞ ዝኾነ ጸብጻብ የለን`` ኢሉ።

ስዑድያ ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ፋሉል ናይ ጸጥታ ኣባላት ኢዮም ኢላ።

ፖምፔዮ፡ ነቲ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንስዑድ ዓረብ ኣብ የመን ንእተካይዶ ስርሓት እትህቦ ሓገዝ ብምድጋፍ ኢዩ ሞጊቱ። እቲ ሓገዝ እንተ ተቋሪጹ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ናይ ምባል ጻዕርታት ክዕንቅፎ ኢዩ ኢሉ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ማይክ ፖምፒዮ

ብምቕጻል፡ እቲ ዝውሃብ ድምጺ ነቶም ``ሑቲን ደገፍቶም ኢራንን ኢዩ ዘተባብዕ` ኢሉ ፖምፔዮ።

ብሰንኪ`ቲ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳንን ሑቲ ዓማጽያን ዝተኻየደ ኲናት እሽሓት ሰባት ኪቕተሉ ከለው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ብጥምየት ተሳቕዮም።

ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ከመይ ይመስል?

እቲ ኲናት፡ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ዕጡቓት ሑቲ ንሰሜናዊ ክፋል ናይ የመን ምስተቖጻጸሩን ናብታ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ክግስግሱ ምስ ጀመሩን፡ ነቲ ፕሬዚደንት ክሃድም ምስ ቀሰብዎን ኢዩ፡ ኣብ 2014 ኢዩ ተጀሚሩ።

ኣብ መጋቢት 2015፡ እተን ብኣሜሪካን ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝድገፋ ስዑድያን ካልኦት ተኸተልቲ ሱኒ ዝኾና ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ፡ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ምስጀመራ ድማ ሰማይ ዓሪጉ።

እንተድኣ ``እቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ኪዳን፡ ሰላም ዝደሊ ኮይኑ``፡ ንሕና`ውን ንሰላም ቅሩባት ኢና ኢሎም ገለ መራሕቲ ሑቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፡ ማርቲን ግሪፊትስ፡ ቅድሚ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ናይ ሰላም ዝርርብ ኪግበር ዘለዎ ተሰፋ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት