ቻይናዊ ተመራማሪ፡ መናቱ ብኤችኣይቪ ከይተሓዛ ናይ ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ስለዝገበረለን፡ ተወቒሱ

ቻይናዊው ሳይንቲስት ሂ ጂያንኩ Image copyright AFP

እቲ ናይ ፈለማ፡ ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ዝተኻየደሎም ዕሸላት ከም ዝገበረ፡ ዝዛረብ ቻይናዊ ተመራማሪ ሂ ጅያነኩይ፡ እቲ ስርሑ ብዙሕ ወቐሳ እኳ እንተ ኣስዓበሉ፡ ቅኑዕ ኢዩ ክብል ተኸላኺሉ።

እቲ ተመራማኢ ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጂን (ስነ ባህርይ) ጉባኤ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ጥንሲ ናይቶም መናቱ፡ ብኤችኣይቪ ከም ዘይልከፍ ገይሩ ምትዕርረዩ፡ ዝሕበነሉ ስራሕ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

እዚ ኣብዚ ሰሙን መግለጺ ዝሃበሉ ስራሕ፡ ዛጊት ኣይተረጋገጸን ኣሎ።

ብርክት ዝበሉ ተመራመርቲ፡ ነቲ መግለጺ ክቃወምዎ ከለው፤ ንቻይና ወሲኽካ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ፍቑድ ኣይኮነን።

እቲ ተመራማሪ ዝሰርሓሉ፡ ኣብ ሸንዘን ዝርከብ ሳውዘርን ዩኒቨርስቲ ኦፍ ሳይንስ ኤንድ ቴክኖሎጂ ብዛዕባ እቲ መጽናዕታዊ ስራሕ ሓበሬታ ከም ዘይብሉን፡ ምርመራ ክገብር ምዃኑን ኣፍሊጡ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ተመራማሪ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ዘይክፈሎ ዕረፍቲ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።

እቲ ተመራማሪ'ውን፡ ብዛዕባ እቲ መጽናዕታዊ ስራሕ እቲ ዩኒቨርስቲ ዝኾነ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉን፡ ወጻኢታቱ ካብ ጁባኡ፡ ከም ዝሸፈኖ ኢዩ ተዛሪቡ።

ፕሮፌሰር ሂ፡ እተን ሉሉን ናናን ዝተብሃላ መናቱ፡ ኤችኣይቪ ካብ ወለደን ከይሰግረን ብዝብል ነቲ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ኢዩ ዝገልጽ።

እተን መናቱ ተወሊደን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዋን ን18 ዓመታት ምክትታል ክገብረለን ምዃኑን ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ፈተነ ስራሕ ሸሞንተ ብኤችኣይቪ ዝተለኽፉ፡ ኣቦታትን ካብ ኤኤችኣይቪ ነጻ ዝኾና ኣዴታትን ሰብሓዳር ብፍቓዶም ክሳተፉ ከለው፡ ክልተ ሰብ ሓዳር ነቲ ፈተነ ኣብ መንጎ ከም ዘቋረጽዎ ጠቒሱ።

እቲ ተመራማሪ፡ ነቲ ምርምራዊ ስራሓቱ ንክግምገም ናብ ሓደ ስነፍልጠታዊ ጽሑፋት ዘሕትም ትካል ከም ዝሰደዶ እኳ እንተ ሓበረ፡ ኣየናይ ትካል ምዃኑ ኣየነጸረን።

ኣብዚ እዋን'ውን ኣብ ካልእ ጥንሲ ፈተነ የካይድ ምህላው ብምሕባር፡ እቲ ሓበሬታ ኣቐዲሙ ብምልሓኹ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ተመራመርቲ ግና፡ ኣብ ጂን ዝግበር ምትዕርራይ ነቲ ዕሸል ጥራይ ዘየኮነ ንዝዕብ ወለዶ'ውን ጉድኣት ዘስዕብ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሻቕሎቶም ይገልጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት