ዩኔስኮ፡ ሙዚቃ ሬጌ ኣብ መዝግብ ዘይድህሰስ ሓድጊ ክዕቀብ'ዩ

ቦብ ማርሌ፡ Image copyright Mike Prior

ሙዚቃ ሬጌ ዚያዳ ንምልላይን ንምዕቃብን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ዝርዝር ዓለምለኻዊ ባህላዊ ሃብትታት ክጽምብሮ ወሲኑ።

እዚ ኣብ 1960ታት ኣብ ጃማይካ ብበዓል ቶትስን ማይታልስን፣ ፒተር ቶሽን ቦብ ማርሌይን ዝተኣታተወ ዘፈር ሙዚቃ፡ ናብ መዝገብ "ዘይድህሰሱ ባህላዊ ሓድግታት" ተጸምቢሩ ኣሎ።

ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን (ዩኔስኮ)፡ ሙዚቃ ሬጌ፡ "ማሕበረ-ፖለቲካዊ፣ ስጋውን መንፈሳውን'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

ወሃቢ ቃል ጀማይካ ድማ፡ "ኣብ መላእ ዓለም ክባጻሕ ዝኸኣለ ሙዚቃ'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

ሬጌ፡ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ሃገራት ካሪቢያን ዝቦቖለ እንትኾን፡ ሳካን ሮክ ስቲዲን ካብ ዝተሰመዩ ዓይነታት ሙዚቃ ብስክራች ፒሪ፣ ፒሪንስ ቡስተርን ዋሊለርስን ከምኡ'ውን ማርሌይ፣ ቶሽን ቡኒ ዋሌርን ዝተጀመረ'ዩ።

ሙዚቃ ሬጌ ኣብ ኣሜሪካ ተቐባልነትን ተፈላጥነትን እናረኸበ ዝመጽአ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ በዝሒ ዘለዎም ጀማይካውያን ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ስለዝነበሩ ግና፡ ዚያዳ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ይምዕብል።

ጀማይካ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሞሪሽየስ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ኤጀንሲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሬጌ ኣብ መዝገብ ሓድጊ ክሰፍር ኣመልኪታ'ያ።

"ሬጌ ብፍሉይ ናይ ጀማይካውያን'ዩ" ኢላ ሚኒስትር ባህሊ ጀማይካ ኦሊቫ ግራን። "እዚ መላእ ዓለም ዘነቓንቕ ዘሎ ሙዚቃ ንሕና ኢና ፈጢርናዮ"።

ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ሙዚቃ ሬጌ "ንዓለምለኻዊ ጉዳያት ምጉዳል ፍትሒ፣ ተቓውሞ፣ ፍቕሪ፣ ሰብኣውነትን ብዝምልከት ኣበርክቶ ዝገበረን ማሕበረ ፖለቲካዊ፣ ስጋውን ባህላውን ትሕዝቶ ዘለዎን'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ