ሳሙኤል ሊትል፡ ኣሜሪካዊ ሓደገኛ ቀታሊ '90 ሰባት ከም ዝቐተለ ኣሚኑ'

ሳሙኤል ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ነሓሰ 2014 Image copyright Los Angeles Times via Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሊትል፡ ብ1980ታት ብዝፈፀሞም ሰለስተ ገበናት ቅትለት ኣብ 2014 ማእሰርቲ ሕልፈት ተፈሪድዎ ነይሩ (ስእሊ ፋይል)

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ገበነኛ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመት 90 ሰባት ከም ዝቐተለ ብምእማኑ፡ ምርመራ ክካየዶ ጀሚሩ።

ኤፍ ቢ ኣይ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ፡ ወዲ 78 ዓመት ሳሙኤል ሊትል፡ ኣብ ታሪኽ ገበናት እታ ሃገር እቲ ዝለዓለ ብቐፃልነት ገበን ቅትለት ዝፈፀመ ሰብ'ዩ።

ኤጀንሲታት ምርመራ ገበን፡ ነቲ ካብ ሊትል ዝረኸብዎ ቃል እምነት፡ ምስቶም ካብ 1970 ክሳብ 2005 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈፀሙ ገበናት ቅትለት ንምምስኻር ይሰርሑ ኣለዉ።

ክሳብ ሕዚ 34 ገበናት ቅትለት ምስ ሊትል ከም ዘራኸብዎምን ኣብ ተወሰኽቲ ምፅራይ የካይዱ ከም ዘለዉን ሰብ-ሞያ ምርመራ ሓቢሮም።

ሊትል ብቕትለት 3 ደቂ ኣንስትዮ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፡ ኣብ 2014 ብዝተወሰኖ ፍርዲ ማእሰርቲ ሕልፈት ኣብ ቤት ማእሰርቲ (ማሕዩር) ይርከብ።

ብ2012 ኣብ ኬንታኪ ካብ ዝርከብ መዕቆቢ ገዛ ዘይብሎም ኣሜሪካውያን ተታሒዙ ዝተኣሰረ ኮይኑ፡ ምስ ሓሺሽ (መዕወኒ ዕፅ) ብዝተትሓሓዘ ክሲ ምስቀረበሉ ናብ ካሊፎርንያ ተወሲዱ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፒርል ኔልሰን (ፀጋም) ናይታ ብሊትል ከም ዝተቐተለት ኣዲኣ ስእሊ ሒዛ

ብዝተኻየደ ምርመራ 'ዲ ኤን ኤ' ከኣ ካብ 1987 ክሳብ 1989 ምስ ዝተፈፀሙ ገበናት ቅትለት ሰለስተ ደቂ ኣንስትዩ ርክብ ከም ዝነበሮ ተፈሊጡ።

ነቲ ገበን ከም ዘይፈፀመ ብምግላፅ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተተኻተዐ'ውን፡ ሰለስተ ተኸታተልቲ ውሳነታት ማእሰርቲ ሕልፈት ተፈሪድዎ።

ቅድሚኡ ንፆታዊ ግህሰትን ዕጥቂ ሒዝካ ብዝፍፀም ጉሕለትን ሓዊሱ፡ ብዝተፈላለዩ ገበታት ስሙ ተታሒዙ ምንባሩ ይግለፅ።

ኤፍ ቢ ኣይ ከም ዝሓበሮ፡ ሊትል ብድምር 90 ገበናት ቅትለት'ዩ ኣሚኑ ዘሎ። እቶም ገበናት ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ'ዮም ተፈፂሞም።

መብዛሕቲኤን ግዳያት ገበን ቅትለት፡ ካብ ማሕበረሰብ ዝተገለላን ተቓላዕቲ ዝኾናን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ ኣብ ናይ ዝሙት ስራሕ ዝወፈራን ብወልፊ ሓሺሽ ዝተፀመዳን ከም ዝነበራ ተገሊፁ።

ኣካለን ክርከብ እንከሎ'ውን መንነተን ንምፍላጥ ብዘይከኣለሉ ኩነታት ከም ዝነበረን ምኽንያት ሞተን ብዝምልከቶም ምርመራ ከም ዘይተኻየደሉን ተሓቢሩ።