ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ "ኣትለቲክስ ኣብ ኤርትራ ይዓቢ'ሎ"

ዘርእሰናይ ታደሰ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዘርእሰናይ ታደሰ

ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ዓቢ ጉያ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ሓምሻይ ርእሱ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጸኣሉ ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሰላም ንኽመጽእ ዕዉት ስራሕ ንዝሰርሑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ኣመስጊኑ።

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ሓጎስ "ስምዒትና ምቁጽጻር ዝሰኣንናሉ ህሞት'ዩ ነይሩ" ድሕሪ ምባል

"ሕጂ ከኣ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እንቋዕ ገጽ ንገጽ ንምርእኣይ ኣብቀዖም" ኢሉ።

ኣብ'ቲ ዓቢ ጉያ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ "ምስ ጋንታይ ንመጀመርታ ግዜ ናብዛ ምጭውቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምምጸአይ ሓጎስ ይስምዓኒ" ይብል።

ከምቲ ተወዳደርቲ ኤርትራ ዕድመ ተቐቢሎም ናብዚ ውድድር ዝመጹ፡ ብተመሳሳሊ ተወዳደርቲ ኢትዮጵያ'ውን ኤርትራ ኣብ ተዳልዎ ዝኾነ ዓይነት ውድድር መጺኦም ክሳተፉን፡ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ መጽዮም ልምምድ ክገብሩ፡ ኢትዮጵያውያንን'ውን ኣብ ኤርትራ መጽዮም ክለማመዱ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።

"ሰላም ምምጽኡ ንኹሉ ጽቡቕ'ዩ፡ ፈደሬሽናት ክራከባ'የን፡ኮምሽናት ክራኸቡ'ዮም ስለዚ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን"

ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ሰፖርት ሰላም ኣብ ምምጻእን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም ኣብ ምንጋስ ዘለዎ ግደ ኣብ ዝተሓተተሉ፡

"ስፖርት ፍቕሪ'ዩ፡ የፋቕር የተሓላሊ፡ ምስ ኬንያ ምስ ኡጓንዳ ምስ ኢትዮጵያ የራኽበካ፡ ስፖርት ዶብ የብሉን" ድሕሪ ምባል ስፖርተ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኣብ ምዕባዩ ተራ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ዘርእሰናይ ታደሰ ህሉው ኩነታትን ደረጃን ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን ከመይ ከምዘሎ ኣብ ዝተሓተተሉ።

"ኣብ ኤርትራ ኣትለቲክስ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ፡ ንኣሽቱን ንፉዓትን ኣትሌታት ይፈርዩ ኣለዉ" ክብል መሊሱ።

ኣብ ናይ መጻኢ መደቡ ኣብ ማራቶን ሓደ በሪኽ ዓወት ንምምጻእ ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕ ዝገለጸ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ሰላም ምምጽኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጽዩ ልምምድ ከካይድን ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታትን'ውን ኣብ ኤርትራ መጽዮም ልምምድ ንኸኻይዱ ርሒብ ዕድል ዝፈጥር ብምኳኑ ዘሐጉስ'ዩ ኢሉ።

ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ስለዝጽዓረ ፍረጻምኡ ከምዝረኸበ ብምሕባር፡ ኣትለቲክስ ንናብርኡ ከም ዝቀየሮን ጽቡቕ ይነብር ምህላውን ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበሮ ሓጺር ጸንሒት ሓቢሩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዘርእሰናይ ታደሰ ምስ ሃይለ ገብረስላሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2018

ዘርእሰናይ ታደሰ መን'ዩ?

ወርሒ ለካቲት 1982 ዝተወለደ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ኣብ ናይ 10000 ሜትሮ ሳልሳይ ብምውጻእ ቦክሪ ነሓስ መዳልያ ንኤርትራ ዘምጸአ ወሩይ ኣትሌት'ዩ።

ኣትሌት ዘርእሰናይ ኣብ 2004, 2008, 2012 ከምኡ'ውን ኣብ 2016 ኣከታቲሉ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ዝተሳተፈ ኣትሌት እዩ።

ዘርእሰናይ ታደሰ ካብ 2006 ክሳብ 2009 ኣከታቲሉ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ብምዕዋቱ ስሙ ኣብ መዝገብ ክብሪ ወሰን ከስፍር ዝኸኣለ ምኩር ኣትሌት'ዩ።

ኣብ 2010 ኣብ ሊዝበን ዓለምለኻዊ ፍርቂ ማራቶን 58 ደቒቕን 23 ካልኢትን ግዜ ብምውዳእ ክሳብ 2018 ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ሒዙ ዝጸንሕ ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብ 2018 ኬንያዊ ኣብረሃም ኪፕቱም ኣብ ቫለንሽያ ዓለምለኻ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ብ 58 ደቒቕን 18 ካልኢትን ግዜ ወዲኡ ብሓሙሽተ ካልኢት ንናይ ዘርእሰናይ ግዜ ምምሕያሹ ነዚ ናይ ፍርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን ተረኪብዎ ይርከብ።

ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ 2002 ኣብ ደብሊን ኣየርላንድ ናይ 12 ኪሎሜትር ውድድር ብምክያድ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብቲ እዋን መበል 33 ተርታ ብምሓዝ'ዩ ውድድሩ ዛዚሙ ነይሩ፡ ድሕሪ እዚ ግዜ እዚ ግን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ግዜኡን ዓቕሙን ብምምሕያሽ ሓደ ካብ ዓለም ዝተፈልጡ ኣትሌታት ንምኳን በቕዑ።

ኣብ 2004 ኣብ ኦሎምፒክ ኣቴንስ፡ ንኤርትራን ናይ መጀመርታ ነሓስ መዳልያ ኦሎምፒክ ድሕሪ ምርካቡ፡ ብዙሓት፡ ዘርእሰናይ ታደሰ ብዘመዝገቦ ዓወትን፡ ካብ ኣቴንስ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝመጻኣሉ ዝተገበረሉ ኣቀባብላን ብምርኣይ ቅንኢ ሓዲርዎም ናብዚ ዓውዲ ኣትለቲክስ ዝኣተዉ ከምዘለዉ'ዩ ዝንገር።