ሓረስቶት ኣፍሪቃ ብሳተላይት ተደጊፎም ባልዕ ይከላኸሉ ኣለው

ሓኪም ተኽሊ Image copyright Sven Torfinn / Panos Pictures

ተመራመርቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣፍሪቃውያን ሓረስቶት ምህርትታቶም ካብ ምብራስ ክከላኸሉ ዘኽእል፡ ኣቐዲሙ ዘጠንቅቕ ስርዓት ኣማዕቢሎም።

ስርዓተ ሓበሬታ ሓደጋ ባልዕ (ፕራይዝ) ንሓበሬታ ሙቐት ኣየር ምስ ትንበያ ኩነተ-ኣየር ብምጽንባር ኢዩ ዝሰርሕ።

ብድሕሪ'ዚ ናብ ተንቀሳቓሲ ተለፎናት ሓረስቶት መጠንቀቕታ ብምስዳድ ብኣግኡ ስጉምቲ ክወስዱ ይገብር።

እዚ ስርዓት፡ ምህርቲ ከኻዕብትን እቶት ሓረስቶት ክሳብ 20% ከዕብይን ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕራይዝ፡ ድሮ ኣብ ኬንያ፡ ጋና፡ ዛምብያ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ክኸውን ከሎ፡ ናብ ካልእ ክፋል ዓለምና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክዝርጋሕ ኢዩ።

Image copyright GABI
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓረስቶትን ሓካይም ተኽልን ነቲ ኣፕሊኬሽን ተጠቒሞም ንባልዕ ክቃለሱ ይኽእሉ

ኣብ ቡንጎማ ኬንያ፡ ሕርሻ ዕፉን ዘለዎ፡ ዋልተር ዋፉላ፡ እቲ ኣገልግሎት ህይወት ስድራቤቱ ከም ዝቐየረሉ ይዛረብ።

"ካብ ግራተይ ዝረኽቦ ኣታዊ ስለ ዝወሰኸ፡ ደቀይ ናብ ዝሓሸ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ክኢሎም ኣለው" ኢሉ።

ዛጊት እቲ ውጥን፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኣሜሪካን ዝርከባ 34 ሃገራት ዘለው፡ ን18.3 ሚልዮን ሓረስቶት ሓጊዙ ኣሎ። ብማእከላይ ገምጋም እቶም ነዚ ኣገልግሎት ዝጥቀሙ ሓረስቶት ምህርቶም 13% ዕብየት ከም ዘርኣየ ተገሊጹ።

ዋና ስነፍልጠታዊ ኣማኻሪ ክፍሊ ኣህጉራዊ ልምዓት ዓዲ እንግሊዝ፡ ፕሮፌሰር ቻርሎት ዋትስ ግና እቲ መርበብ፡ ኣብ ክንዲ ባልዕ ምስ ኣጋጠመ ንምጥፍኡ ምጽዓር፡ ብኣግኡ ኣብ ምክልኻሉ ክሰርሕ ምዃኑ ሓቢራ።

እቲ ሓሳብ፡ ብትካል ጠፈር ዓዲ እንግሊዝ ዝእከብ ናይ ሳተላይት ሓበሬታ ተጠቒምካ፡ ንተኽእሎታት ናይ ባልዕ ቅድሚ ሰሙን ወይ'ውን ቅድሚኡ፡ ክትንብይ ዘኽእል፡ ስርዓት ንምምዕባል ምዃኑ ተዛሪባ።

ሳተላይታት ትክክለኛ ናይ ሙቐት ሓበሬታ ከቐብላ ይኽእላ'የን። እዚ ድማ ሓደ ቀንዲ ናይ ባልዕ ኮብኳቢ ኢዩ። እዚ ምስ ሓበሬታ ኩነታት ኣየርን ኮምፒዩተርን ተጸምቢሩ፡ ሓረስቶት ጸረ ባልዕ ክብትኑን ካልእ ቅድመ ምድላዋት ክገብሩን የኽእል።