ብዛዕባ ዝተዘመቱ ቅርስታትኩም እንታይ ትፈልጡ?

ካብ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ወርቂ ዘውዲ Image copyright V&A Museum
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ወርቂ ዘውዲ

ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ፤ ካብ ኣፍሪቃ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሓድግታት እዮም ብምዕራባውያን ሃገራት ተዘሚቶም።

ሕዚ ግን ፈረንሳይ፡ ኣብ ቤተመዘክራታ ዝርከቡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ኣፍሪቃ ዝተወሰዱ ሓድግታት ናብታ ኣህጉር ክምለሱ ዝጽውዕ ጸብጻብ ፈኒዋ ኣላ።

እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ቤተመዘክራት፡ ካብ ናይጄርያ ዝወሰድዎም ዓበይቲ ሓድግታታ መሊሶም ነታ ሃገር ከለቅሕዋ ኣብ ዝተሰማምዕሉ እዋን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ካብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝተሰርቁ ንዋያት እንታይ ትፈልጡ?

ሕቶ 1/6
ሃገር: ግብጺ

እምኒ ሮዜታ' ነቲ 'ሄሮግሎፊክ' ዝበሃል ጠፊኡ ዝነበረ ጥንታዊ ጽሑፍ ግብጻውያን ኣብ ምርካብ ወሳኒ ተራ ነይርዎ። ነዚ ሕዚ ኣብ 'ብሪትሽ ሙዝየም' ተዓቒቡ ዘሎ ግዙፍ ቀጸላ (750 ኪግ) መን ረኺብዎ?

  • 1. ግብፃዊ ገፋፊ ዓሳ
  • 2. እንግሊዛውያን ኣርኮሎጂስታት
  • 3. ብናፖልዮን ዝእዘዙ ወተሃደራት ፈረንሳይ

ቅኑዕ መልሲ

እቲ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ዛንታ፡ ነቲ እምኒ ወተሃደራት ፈረንሳይ ከምዝረኸብዎ እዩ። እቶም ወተሃደራት፡ ኣብ ናይል ደልታ ዕርዲ ንምስራሕ እንትኹዕቱ'ዮም ረኺቦምዎ።

እምኒ ሮዜታ፡ 14 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ለንደን 'ብሪትሽ ሙዝየም' ንምርኢት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን።

ሕቶ 2/6
ሃገር: ኢትዮጵያ

ኣብ 1868፡ ወተሃደራት እንግሊዝ ድሕሪ ኩናት መቅደላ ብዙሕ ንዋያት እዮም ወሲዶም። ነዞም ዝዘመትዎም ንዋያት ከግዕዙ ክንደይ ሓራምዝ ተጠቒሞም?

  • 1. 0
  • 2. 15
  • 3. 3

ቅኑዕ መልሲ

ካብ መቅደላ ዝተዘምቱ ንዋያት ንምግዓዝ 15 ሓራምዝን 200 ኣብቅልትን ተጠቒሞም። ካብቶም ዝተዘምቱ ንዋያት፡ ወርቃዊ ዘውዲ፣ ጽዋእን ጥንታዊ መጻሕፍቲ ብራናን ይርከብዎም።

ኣብ 1740፡ ካብ ወርቂን ጥማዕ ነሓስን ዝተሰርሐ፣ ካብ ጥርሙስ ብዝተሰርሐ ዕንቍን ጨርቅን ዝተሸለመ ዘውዲ ንምርኢት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን። እቲ ምርኢት 5 ሚያዝያ 2018 'መቅደላ 1868፡ ነፀብራቕ ኣብ ኩናት መቅደላ' ብዝብል ርእሲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤተመዘክር 'ቪክቶርያን ኣልበርትን' ዝቐረበ እዩ።

ሕቶ 3/6
ሃገር: ኬንያ

ናይ 'ሳቮ' በላዕቲ ሰብ ተባሂሎም ዝፅውዑ መን እዮም?

  • 1. ግዕዙያት ሰብመዚ ኬንያ
  • 2. ብዙሓት ሰብኡት ዘእትዋ ኣንሽቲ
  • 3. ሰብ ዝበልዑ ክልተ ኣናብስ

ቅኑዕ መልሲ

ኣብ ኬንያ 'ሳቮ' ዝበሃል ዓዲ፡ ካብ 1898-1899፡ ካብ ሞምባሳ ናብ ቃላይ ቪክቶርያ ዝወስድ መገዲ ባቡር ይህንፁ ዝነበሩ 140 ሸቃሎ ብኽልተ ኣናብስ ተቐቲሎም። ደሓር፡ ነቶም ኣናብስ ሓደ እንግሊዛዊ መሃንዲስ ቀቲሉዎም።

ካብ 'ሳቮ' ዝተወሰዱን፡ ቆርበቶም ደሪቑ ህልዋት ክመስሉ ዝተገበሩን ሰብ-በላዕ ኣናብስ ኣብ ቺካጎ ኣመሪካ።

ሕቶ 4/6
ሃገር: ዚምባብወ

እታ ካብ እምኒ ዝተሰርሐት 'ዑፍ ዝምባብወ' ቀንዲ ምልክት ናይታ ሃገር እያ። ብባዕዳውያን ገዛእቲ ተዘሚቶም ካብ ዝተወስዱ እቶም ዝተፈልጡ 8 ጥንታዊ ያታዊ ቅርጽታት፡ ክንደይ ናብ ዚምባብወ ተመሊሶም?

  • 1. 7
  • 2. 0
  • 3. 1

ቅኑዕ መልሲ

7 ካብቶም ቅርፅታት ናብ ዚምባብወ ተመሊሶም እዮም። እቲ ንመወዳእታ እዋን ዝተመለሰ፡ ካብ ጀርመን እዩ። እታ ሻምነይቲ ቅርጺ ኣብ ናይ ሰሲል ሮደ መደቀሲ ክፍሊ ኣብ ኬፕ ታውን ኣላ።

ሕቶ 5/6
ሃገር: ካሜሩን

እታ ንግስቲ ባንግዋ እትበሃል ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐት ቅርፂ፡ ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘበን ካብታ ሎሚ ካሜሩን እትባል ሃገር ዝተወሰደት እያ። ደቂ-ዓዲ፡ ነታ ቅርፂ "ንጂዩንደም" እናበሉ እዮም ዝፅውዕዋ። እንታይ ማለት እዩ?

  • 1. ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊት
  • 2. ተባዕ ተጋዳሊት
  • 3. ሕጉስቲ ኣደ

ቅኑዕ መልሲ

"ንጂዩንደም" ማለት ብቋንቋ ባንግዋ "ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊት" ማለት እዩ። ወኪል ስለያ ናይታ ባዕዳዊት ገዛኢት ዝነበረት ጀርመን፡ ጉስታቭ ኮንራው ኣብ 1899 ብኸመይ ከምዝወሰዳ ኣይፍለጥን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ዝርከብ 'ፋውንዴሽን ዳፐር' ዝውንና ቅርጺ 'ንግስቲ ባንግዋ'

ሕቶ 6/6
ሃገር: ቤኒን

እቶም ናይ 'ብሮንዛት ቤኒን' ዝበሃሉ፡ ብኣብዝሓ ካብ ምንታይ ዝተሰርሑ እዮም?

  • 1. ኣስራዚ
  • 2. እምኒ
  • 3. ነሓስ

ቅኑዕ መልሲ

ኣብ 1987 ብወተሃደራት እንግሊዝ ዝተዘምቱ 'ብሮንዛት ቤኒን' ብኣብዝሓ ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሑ'ዮም። ኣብ ቤተመዘክራት እንግሊዝ፣ ጀርመንን ኣመሪካን ይርከቡ።

ኣስራዛዊ ጽሑፍ ኣብ ትሕቲ 'ብሮንዛት ቤኒን'

ዝበለጸ ፍለጥ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት