ኣሜሪካ ድሕሪ 28 ዓመታት ኣብ ሶማልያ ቤት ጽሕፈት ከፊታ

ሞቃድሾ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋላ ድኣ ኣልሸባብ ሓሓሊፉ መጥቃዕቲ ዝፍጽም እንተኾነ ናይ ሞቃድሾ ኩነታት ጸጥታ ጽቡቕ ምምሕያሽ እዩ ኣርእዩ

ኣሜሪካ፡ ኣብ ሶማል ድሕሪ 28 ዓመታት ፈላማይ ቤት ጽሕፈት ዲፕሎማት ከፊታ።

ቤት ጽሕፈት ኣሜሪካ ነዚ ምዕባለ "ታሪኻዊ ክስትት" ክብሎ እንከሎ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ምኻኑ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ነዚ ኣብ ሞቃድሾ ተኸፊቱ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ክመርሕ ዝተመዘዘ ክኽውን እንከሎ፡ እዚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይሮቢ ኮይኑ እዩ ስርሑ ከካየድ ጸኒሑ።

ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ዝነበረ ኢምባሲኣ ኣብ ጥሪ 1991 ብምኽንያት ኣብ ሞንጎ መንግስትን ተቃወምትን ዝተለዓለ ኲናት ሓድሕድ ከምዝዓጸወቶ ዝፍለጥ'ዩ።

ኣቐባሊት ቃል ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣሜሪካ ሄተር ናውረት፡ " እዚ ታሪካዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ሶማልያ ዝረአ ዘሎ ምምሕያሽን ዘርኢ'ዩ" ኢላቶ።

ብተወሳኺ "ናብ ሞቃድሾ ምምላስና ኣብታ ሃገር ዲሞክራስን ምርግጋእን ብምምጻእ ንቁጣባዊ ምዕባለ ክልቲአን ሃገራት ግደ ክህልዎ'ዩ" ኢላ።

ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ኣልሸባብ ስግኣት እታ ሃገር'ዩ፤ ኩነታት ጸጥታ ሞቃድሾ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ምምሕያሽ የርኢ ኣሎ።

ኣልሸባብ ካብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ኣብ ነሓሰ 2011 ብወተሃደራት ሕብረት ኣፋሪቃ ተደፊኡ'ኳ እንተወጸ፡ ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዝርከባ ዞባታታ ግን ህልውንኡ ይቕጽል'ዩ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣንጻር ኣልሽባብ ዝገብሮ ወፍሪ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2017 ብምስፋሕ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ ክልተ ደርዘን መጥቃትታት ኣየር ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ኣኻይዱ።

መራሕቲ ኣሜሪካ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1993 ሞት 18 ኣባላት ፍሉያት ሓይልታት ኣሜሪካ ዘስዓበ ፍጻመ፡ ኣብ ሶማልያ ኢዶም ካብ ምእታው ተቆጢቦም'ዮም ጸኒሖም። እዚ ፍጻም ኣብታ 'ብላክ ሆክ ዳውን' እትብል ፊልም ብመልክዕ ሰነዳዊ ፊልም ቀሪቡ እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣስታት 700 ካብቶም ኣንጻር ግብረሽበራ ንምቅላስ ኣብ ኣፍሪቃ ተዋፎሮም ዝርከቡ ወትሃደራቱ ክስሕቦም ምኳኖም'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ሶማልያ ዘለዉ ቁጽሪ ወተሃደራቱ ግን ከም ዘየጉድሎም'ዩ ዝፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት