መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንሰማያት ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ትምርሽ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሻንጋይ ቻይና Image copyright Getty Images

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ክኸውን በቒዑ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሰሉስ 11 ታሕሳስ ጀሚሩ ሓድሽ መስመር ኣዲስ ኣበባ - ማንቸስተር ብምፍላም ኣብ ሰሙን 4 ግዜ በረራታት ከካይድ ጀሚሩ'ሎ።

ምኽፋት እዚ ሓድሽ መስመር፡ ነቶም ኣብ ሰሜንን ማእከላይን ኢንግላንድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብፍላይ፡ ከምኡ'ውን ኣፍሪቃውያን ብዝሓሰረ ዋጋ ናብ ኣህጉሮም ክመላለሱ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ጽምብል ኣብ ስመዖ መደረ ገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ለንደን (ሂትሮ) ክገብሮ ዝጸንሐ በረራታት ከም ዘለዎ ከም ዝቕጽልን፡ እቲ ናይ መንቸስተር ድማ ተወሳኺ መስመር ምዃኑን ኣቶ ተወልደ ጠቒሱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ናብ ኤርትራ ዘለዎም መስመራት ንምስፋሕ'ውን ይሰርሑ ኣለዉ። ኣቶ ተወልደ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ- መቐለ- ኣስመራ/ባጽዕ-ዓሰብ ንምጅማር መደብ ኣሎ።

"ሳልሳይ ብናይ ኤርትራ መንግስቲ ተሓቲትና ዘለና፡ ካብ ኣስመራ ናብ ኣውሮጳ ብቐጥታ ንምግባር'ዩ። ኣብ ታሕሳስ ክንጅምሮ ሓሲብና ኔርና፡ ግን እቶም ናይ ኣውሮጳ ዓድታት ጌና ፍቓድ ኣይሃቡናን ዘለዉ። ክሳብ ሕጂ ሂቡና ዘሎ ጣልያን'ዩ፡ ኣብ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ኣቢልና ናብ ጥልያን ክንጅምር ኢና" ይብል እቲ ዋና ኣካያዲ።

ኲኖ'ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ምስፋሕ መስመራት፡ ኣብ ኣውሮጳን ኤስያን'ውን ብተመሳሳሊ ሓደስቲ መስመራት ክኸፍት ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጽምብል ምኽፋት መስመር ኣዲስ ኣበባ-ማንቸስተር ንምምዕራግ ዝመጹ ሙዚቀኛታትን ሳዕሳዕትን

ሚስጥር ዕብየት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ?

ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ቅድሚ ክልተ ሳምንቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢዱስትሪ መንገዲ ኣየራት ኣፍሪቃ ኣብዘን ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ከንቆልቁል ከም ዝጸንሐን ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ክሳራ ከም ዘጋጠሞን ይጠቅስ። ብዓለም ደረጃ ኣፍሪቃ እቲ ዝደኸመ መጓዓዝያ ኣየር ከም ዘለዋ ድማ ይሕብር።

ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዝኾና መንገዲ ኣየራት ኣስታት 80% ናይ ኣፍሪቃ ዕዳጋ ከም ዝቆጻጸራን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ 10 ኣብቲ 20% ዝተረፈ ዕዳጋ ብምውድዳር ጥራይ'ያ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ዕብየት ከረጋግጽ ኪኢሉ ዘሎ።

እቲ መንገዲ ኣየር ብደረጃ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ ብዓለም ደረጃ ህቡብነት ዘጥረየ መንገዲ ኣየር'ዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ዕብየት ኣመዝጊቡ'ሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ እተን ዝዓበያ ዝበሃላ መንገዲ ኣየራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጽን ኬንያን'የን ነይረን፡ ኩለን ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከንቆልቁላን ሓጎጽጎጽ ክብላን ዝራኣያ እየን።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ እቲ ንርእሱ "ሓዳስ መንፈስ ኣፍሪቃ" (The New Spirit of Africa) ኢሉ ከወዓውዕ ጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኸመይ ክዕወትን ቅልጡፍን ዘይቋርጽን ዕብየት ከርእይ ኪኢሉ፡ እንታይ'ዩ እቲ ሚስጢር ኢልና ንዋና ኣካያዲኣ ኣቶ ተወልደ ወልደማርያም ተወኪስናዮ ኔርና።

"ብዙሕ'ዩ እቲ ምስጢሩ፡ ግን እተን ዓበይቲ ንምልዓል፡ ሓደ ናይ ማናጅመንት ጥንካሬ'ዩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕድለኛ'ያ ክትብል ትኽእል፡ ምኽንያቱ ካብ ካባይ ጀሚርካ 17 ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘለና ሰባት ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ኣብቲ መንገዲ ኣየር ክንሰርሕ ዝጸናሕና ኢና።

"ስለዚ ልምዲ ዘለዎ፡ ክእለት ዘለዎ፡ ሰሪሑ ዘረጋገጸ ኣመራርሓ ኣለዎ፡ ነቲ መንገዲ ኣየር ካብ ውሽጢ ንደገ ንፈልጦ ኢና፡ እቲ ኢንዱስትሪ'ውን ብሕማቕን ብጽቡቕን ግዜ ንፈልጦ ኢና። ስለዝኾነ፡ እዚ ዓቢ ሃብቲ ይመስለኒ ኣነ" ይብል።

ተወፋይነት (ኮሚትመንት) ሰራሕተኛታት'ውን እቲ ካልእ ምስጢር ምዃኑ'ውን ኣቶ ተወልደ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ወና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ተወልደ ብተወሳኺ፡ ተራ መንግስታት ኣብ ኣተሓሕዛ መንገዲ ኣየራት ይኹን ኣቪየሽን ፓሊሲ ወሳኒ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።

"ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ዓድታት ዝረአ፡ መንግስቲ ነተን መንገዲ ኣየራት ይሕዘን እሞ፡ ድሓር ኣብ መዓልታዊ ስራሓት እናኣተወ የባላሹ። ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን፡ ዋላኳ ምሉእ ብምሉእ ናይ መንግስቲ እተንኾነ፡ እቲ ማነጅመንት [ምሕደራ] ነቶም ፕሮፈሽናል ማናጀራት ተገዲፉ'ዩ። እንተ ኣጥፊእና ንጥየቕ፡ ጽቡቕ እንተሰሪሕና ኸኣ ንምስገን ማለት እዩ" ብምባል ይገልጽ።

መንግስታት ንጉስ ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን'ውን እነተኾኑ፡ ኣብ መዓልታዊ ስራሓት ናይ መንገዲ ኣየር ኢዶም ከም ዘየእተውን፡ ንኪኢላታት ምሉእ ሓላፍነት ምሃቦም ከም ጽቡቕ ሓድጊ ኣተሓሕዛ ንግዳውያን ትካላት መንግስቲ ምዃኑ ኣቶ ተወልደ ይጠቅስ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዝምብል ምጅማር ካብን ናብን ማዕርፎ ነፈርቲ ማንቸስተር

እቲ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ለውጥታትን ጽገናታትን ነቲ መንገዲ ኣየር ይጸልዎ እንተኾይኑ ምስ ተሓተ ድማ፡ "ዘይተባለሸወዶ ይጽንገን'ዩ" ብምባል ምልሲ ሂቡሉ። እቶም ዝራኣዩ ግጭታትን ዘይምርግጋኣትን ድማ "ኣብ ሓንቲ ኣብ ምስግጋር እትርከብ ሃገር ዘጋጥም ግዝያዊ ጸገም" ጌሮም ከም ዝርእይዎ ተዛሪቡ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣቶ ተወልደ ከም ዝበሎ፡ 70% ተጓዓዝቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኣዲስ ኣበባ ዝሓልፉ ምዃኖም እቲ ኩነታት ብቐጥታ ኣይጸልዎምን'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበረኽበ ሰላም'ውን ሓድሽ ዕድል ከም ዝፈጠረሎም ኣቶ ተወልደ ይዛረብ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ ክልተ ጊዜ ንኤርትራ ከም እትበርር ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰማያት ኤርትራ ክትቀም ምጅማራ'ውን ብግዜን ወጻኢታትን ዓቢ ረብሓ ከም ዝረኸብሉ ይዛረብ። ንኤርትራውያን'ውን ዝቐለልን ዝሓጸርን፡ ዝበለጸን ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡ ኣኽኢልዎም'ዩ ይብል።

'ቪዥን [ራኢ] 2025'

እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ዝገብሮም ነገራት ሓደ ስትራተጂካዊ ውጥን ምድላዉ'ዩ። ግርማ ዋቀ ዋና ኣካያዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ 2005 ሓደ ውጥን ብምውጻእ ንክዓቢ ዘለዎ ራኢ ብንጹር ኣቐሚጡ፡ ቪዥን (ራኢ) 2010 ብምእውጻእ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ተንቀሳቒሱ።

ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ 2010 ብኣስታት 25% ብምዕባይ፡ ነተን ዝነበራ 12 ነፈርቲ ናብ 37 ክብ ኣቢልወን። ቁጽሪ ተጓዓዝቲ'ውን ብተመሳሳሊ ክዓቢ ኪኢሉ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኣብቲ ዓመት ቪዥን 2025 ዝብል ውጥን ብምድላዉ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ዝነበሮ መስመራት ናብ 90 ክብ ከብል ዘለዎ ራኢ ኣቐሚጡ።

ቁጽሪ ዝውንነን ነፈርቲ ናብ 120 ክብርኽ ዝብል'ውን ኣካል ናይቲ ራኢ 2025 ነበረ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኣፍሪቃ ማእከላይ መዋፈሪ ክህልዎም ዘኽእል ስራሕ ተሊሞም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ተጓዓዝቲ ምስ ፈላሚ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ማንቸስተር ናብ ኣፍሪቃ ክጓዓዙ እንናተዳለዉ

"ዋና ኣካያዲ ካብ ዝኸውን 8 ዓመት ጌረ ኣለኹ፡ በጋጣሚ ኮይኑ ቪዥን 2025 ዝጀመርናሉ ግዜ'ዩ ነይሩ። ሽዑ ብዙሓት እቲ ቪዥን [ራኢ] ሕልሚ'ዩ፡ ናይ ለይቲ ሕልሚ'ውን ኣይኮነን፡ ናይ ቀትሪ ሕልሚ'ዩ፡ ቅዠት'ዩ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ነቲ ተሊምኩሞ ዘለኹም ክትበጽሕዎ፡ ካበይ ገንዘብ ከተምጽኡ ዝብሉ ዓለምለኻውያን ናይ ኣቬሽን ጋዜጠኛታት ነይሮም።

"ሕጂ ግን ንኹሉ፡ ብ7 ክሳብ 8 ዓመት ቀዲምና ሓሊፍናዮ ኢና። እዚ ኸኣ ብዓለም ዝተመስከረ'ዩ" ክብል ነቲ ዘመዝገብዎ ዓወት ዘርዚሩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ መንገዲ ኣየር ዘለዎ መስመራት ካብቲ ዝተመደበሉ እዋን ኣቐዲሙን ኲኖ'ቲ ዝወጠኖን ብምኻድ 118 ክበጽሕ ኪኢሉ ኣሎ።

እተን ዝውንነን ነፍርቲ'ውን ድሮ 110 በጺሐን ኣለዋ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ቀዲመን ከም በዓል ቦይንግ 787 'ድሪም ላይነር' ዝዓይነተን ዘመናውያን ነፈርቲ ብኢትዮጵያውያን ፓይሎታት ከብርር ዝበቕዐ ምዃኑ፡ ኣብ ዓለም ንዘለዎ ተፈላጥነት ኣዕብይዎ'ዩ።

ኣብ ትሕተ-ቅርጺ (ኢንፍራስትራክቸር) እውን ገንዘብ የፍስሱ ከም ዘለዉን፡ ኣብረርትን ካልኦት ኪኢላታትን ዘሰልጥንሉ ኣካዳሚ ከፊቶም ምህላዎም፡ ነቲ ራኢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፍጽሙ ብርእሰ-ምትእምማን ይገልጹ።

ኣብ ሎሜ (ቶጎ)፡ ሉሳካ (ዛምቢያን)፡ ቻድ፡ ጒኒ፡ ብሕጂ ድማ ኣክራ (ጋናን) ኣብተን ሃገራት ዘለዋ መንገዲ ኣየራት ዳርጋ ፍርቂ ብርክታት (ሼርስ) ብምግዛእ፡ ንሰማያት ደቡባዊን ምዕራባውን ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ይሰርሑ ኣለዉ።

ድሮ ነቲ ናይ 2025 ራኢኦም ስለፈጸሙ'ውን፡ ራኢ 2030 ክነድፉ ጀሚሮም ኣለዉ። በዚ ዘለዉዎ እንተቐጺሎም ድማ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ተወዳደርቲ መንገዲ ኣየራት ምዃኖም ኣይተርፎምን'ዩ።

ኣብታ መንገዲ ኣየር ዝዓበየ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ኣቶ ተወልደ ልክዕ ክምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዋና ኣካያዲ (CEO)፡ ግርማ ዋቀ፡ ኣብቲ መንገዲኣየር ዝዓበየ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

"ኣነ 34 ዓመተይ'ዩ ኣብ መንገዲ ኣየር፡ ስራሕ ዝጀመርኩሉ ኣብኡ'ዩ፡ ወዲ 18 ዓመት ነይረ ስራሕ ክጅምር ከለኹ" ይብል።

ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሓላፍነት እናሰርሐ ክዓቢ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ኣብ ጥሪ 2011 ዋና ኣካያዲ ክኸውን በቒዑ።

ከም ኣካያዲ ኮይኑ ካብ ዝሰርሕ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ዝያዳ ዘኹሮዖ ቀንዲ ስራሕ እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ዘርኣዮ ቀልጡፍ ዕብየትን እቲ ኣብ 2010 ዝወጸ ራኢ 2025 ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ናይቲ ዝተመደበሉ እዋን ግብራዊ ክኸውን ምርኣዩ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።

"ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ክንርእዮ እንከለና፡ ዓለም ዘድነቖ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ዘይተለምደ፡ ናይ ዓለም መንገዲ ኣየራት ካብ 5% ከሳብ 6 % እየን ዝዓብያ ኣብ ዓመት፡ ንሕና ካብ 20% ክሳብ 30% ኢና እናዓበና መጺእና። ስለዚ ኣብ ኣፍሪቃ ሕዚ ቀዳማይ ጥራሕ ከይኮናስ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ካልኣይ ናይ ግብጺ መንገዲ ኣየር ዘሎ ፍልልይ ብጣዕሚ ገፊሕ'ዩ፡ ንሕና 110 ነፈርቲ ኣለዋና፡ ናይ ግብጺ ድማ 69 ነፈርቲ'ዩ ዘለዎ" ኢሉ።

"ኣነ ከም ዋና ኣካያዲ ክጅምር እንከለኹ ግን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ይበልጸና ነይሩ፡ ኬንያ ይበልጸና ነይሩ፡ ግብጺ'ውን ይበልጸና ነይሩ። ሕዚ ግን ንኹሎም በሊጽናዮም፡ ብዙሕ ኬድና ኢና፡ እዚ ድማ ብጣዕሚ ብጣዕሚ ዘኹራዓኒ ስራሕ'ዩ ተሰሪሑ፡ ኣዝየ ኸዓ ሕጉስ'የ"።

እቲ መንገዲ ኣየር ብደረጃ ዓለም ዘለዎ ክብሪ ከም ዝበረኸ'ውን ኣቶ ተወልደ ይዛረብ፡ "እቲ ክጅምር ኣነ እቲ ኣየር መንገድ በዓል ሰለስተ ኮኸብ'ዩ ነይሩ፡ ሕዚ ግን በዓል ኣርባዕ ኮኾብ ብምዃን ሰርቲፋይድ ኴንና ኢና" ይብል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት