ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር ተባሂላ

ኣስመራ Image copyright MAHEDER HAILESELASSIE TADESE

ኤርትራ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃገራት፡ እታ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር እያ ኢሉ ኮሚቴ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት (ሲፒጄ)።

እቲ ኮሜቲ ነዚ ዝበለ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ናይ 2018 ጸብፃብ እዩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ከምዘለዉ ይገልጽ።

መብዛሕተኦም እቶም ኣብ ኤርትራ ተሓይሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ 2001 ናጻ ሚድያታት ካብ ዝዓጸወሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ እዮም ኢሉ።

"ኩሎም ብህይወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ኣይፍለጥን" ክብል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ተቐማጢ ሆላንድ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮውሃንስ እውን ኩነታት ናይዞም ጋዜጠኛታት ከምዘይፍለጥ ይዛረብ።

"ንሳቶም ጥራሕ ከይኮኑ ተኣሲሮምሲ፡ ስድረኦምን ደቆምን'ውን ኣብ ዘሰቅቕ ኩነታት እዮም ይነብሩ ዘለዉ" ዝበለ ሃብቶም፤ "እንድሕር ጋዜጠኛታት ጠፊኦም፡ ሃገር ኣብ ጸልማት እያ ትነብር" ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።

ካልኦት ሃገራትከ?

ብመሰረት ጸብጻብ 'ሲፒጄ'፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ 251 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ቻይና፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ቱርክን ድማ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣሲረን ዝርከባ ሃገራት እየን።

እቲ ኮሚቴ፡ ካብ 2004 ንነዘ ንፈለማ እዋን ሎሚ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሞይኦም ብዝዛመድ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ኣይረኸብኩን ኢሉ።

ምዕጻው ጋዜጣታት ኤርትራ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ንዝነበራ ናይ ውልቀ ጋዜጣታት ኣብ 2001 ዓፅዩወን። ወፍሪ ምዕፃው እዘን ጋዜጣታት ስዒቡ፡ ጋዜጠኛትት ተኣሲሮም እዮም።

ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮውሃንስ፡ ምኽንያት ማእሰርቲ ናይዞም ጋዜጠኛታት ክገልጽ እንከሎ፡ "ነቶም ነቲ መንግስቲ ይወቕስዎ ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ፣ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ርኢቶኦም ንክህቡ ዕድል ይህብዎም ስለዝነበሩ እዩ" ይብል።

ሰቲት፣ ዘመን፣ ቀስተ-ደበና፣ ፅጌናይ፣ መቓልሕን ኣድማስን ካብ ሞንጎ እተን ብመንግስቲ ዝተዓፀዋ ጋዜጣታት ኤርትራ እየን።

ሕዚ ኣብታ ሃገር ዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ እንተሃለዋ'ኳ፡ ብመንግስቲ ዝመሓደራ፡ ቲቪ ኢሬ፣ ራድዮ ድምፂ ሓፋሽን ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ዓረብኛ፣ ኢንግሊዘኛን ትግረን ዝሕተማ ኣርባዕተ ጋዜጣታትን እየን።