ዝተዓመጸት ጓል ሰለስተ ዓመት ህጻን፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣላ

ተቓውሞ ኣንጻር ዓመጽ ቆልዑ Image copyright AFP

ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ፡ ዴልሂ ብጎረቤታ ዝተዓመጸት ሓንቲ ጓል ሰለስተ ዓመት ህጻን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣላ ተባሂሉ።

እዚ፡ ኣብ ህንዲ ሓድሽ ስምዒት ቁጥዐ ዝፈጠረ ኾይኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝተጠርጠረ ወዲ 40 ዓመት፡ እታ ህጻን ኣብ እትነብረሉ ህንጻ ዝሰርሕ ዘብዐኛ'ዩ።

ፖሊስ ነታ ህጻን ውነኣ ስሒታ ምስ ረኸብዋ ናብ ሆስፒታል ብምውሳድ፡ ነቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለው።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እታ ግዳይ ህጻን መጥባሕቲ ዝካየደላ ዘሎ ኾይኑ፡ ዘላትሉ ኩነታት ጥዕና ግን ኣይተፈልጠን።

ካብቲ ብሚድያታት "ዘስካሕክሕ" ተባሂሉ ዝተገለጸ መጥቃዕቲ ክትድሕን ድያ ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን።

እቲ ፍጻመ ብሰምበት፡ ናይታ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ኣብ ኣውቶቡስ ብብዙሓት ኣወዳት ዝተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሐ ዓመጽ ኣብ ዝዝከረሉ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ፍጻመ ምስ ተፈለጠ፡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ነቲ ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ረኺቦም ኣጥቂዖምዎ እዮም ክብል ጋዜጣ 'ታይምስ ኦፍ ኢንድያ' ጽሒፉ።

ፖሊስ ነቲ ጥርጡር ቅድሚ ምእሳሮም ሕክምና ከም ዝገበሩሉ እውን እቲ ጋዜጣ ገሊጹ።

ናይታ ህጻን ወለዲ መዓልታዊ ሸቃሎ እዮም። እቲ መጥቃዕቲ እንተጋጥም ኣብ ቤቶም ስለ ዘይነበሩ፡ እቲ ጥርጡር ነታ ቆልዓ ብካራመለ ኣታሊሉ ካብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ወሲድዋ።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸሙ ተደጋገምቲ ጾታዊ ዓመጻት ተራእዮም እዮም።

ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሓንቲ ጓል ሾመንተ ዓመት ህጻን ብብዙሓት ኣወዳት ዝተዓመጸት ክትኸውን ከላ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ድማ፡ ሓንቲ ጓል ሸውዓተ ዓመት ህጻን ምዕማጻ ቁጥዐ ፈጡሩ ነይሩ።


መጠን መጥቃዕትታት ኣብ ህንዲ

  • ኣብ ሕድሕድ 15 ደቒቕ፡ ሓንቲ ትሕቲ 16 ዓመት ህጻን፤ ሕድሕድ 13 ሰዓታት ድማ ሓንቲ ካብ 10 ዓመት ንታሕቲ ዕድመ ዘለዋ ህጻን ትዕመጽ።
  • ኣብ 2015፡ ናይ 10,000 ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ተመዝጊቡ
  • ኣብ ህንዲ ዝነብራ 240 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ 18 ዓመት ከይመልአን እየን ተመርዒወን
  • መንግስቲ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ 53.22 ሚኢታዊት ህጻናት፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ መግሃስቲ ከም ዝበጽሐን ሓቢረን እየን
  • ካብቶም መግሃስቲ ዝፍጽሙ 50 ሚኢታዊት ናይ ቀረባ ሰባት እዮም

ምንጪታት: መንግስቲ ህንዲ ከምኡ ድማ ዩኒሴፍ

ተወሳኺ ዛንታ