ቀዳማይ ሚኒስትር ቤልጅየም ብምኽንያት ስደተኛታት ዝምልከት ስምምዕ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቱ

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤልጅም ቻርለስ ሚካኤል Image copyright Reuters

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤልጅም ቻርለስ ሚካኤል፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሕቶ ኣቕሪቡ።

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕ ስደት ፈሪሙ ነይሩ።

ቀንዲ መላፍንቲ እቲ ዝመርሖ ሰልፊ ዝኾነ ብሄርተኛ ሰልፊ ኒው ፍለሚሽ ኣሊያንስ (N-VA) እዚ ስምምዕ ምፍራሙ ስለዘይደገፎ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሚካኤል ዝተቐበሎ ሰነድ ስምምዕ ስደት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ብራስለስ'ውን እንተኾነ ተቓውሞ ኣበጊሱ'ዩ።

ወዲ 42 ዓመት ሚካኤል፡ ልፍንቲ እቲ የማናይ ክንፊ ኣብ 2014 እንትዕወት ናብ ስልጣን ዝመጽአ መበል 38 ቀዳማይ ሚኒስትር ቤልጅም'ዩ።

ትማሊ ዘቕረቦ ደብዳበ ምልቃቕ ሓላፍነት ስራሕ ግን፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ሓያል ክትዕ ኣልዒሉ'ሎ።

ኣብቲ መጻኢ ዓመት ወርሒ ጉንበት ምርጫ ክተካይድ ትጽቢት ዝግበር ቤልጅም ድማ፡ ብምኽንያት ሕቶ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር መዓልቱ ዘይኣኸለ ምርጫ ክተካይድ ክገብራ ከም ዝኽእል ይግመት።

ቻርለስ ሚካኤል፡ እቲ ኣብ ሞሮኮ፤ ማራካሽ ዝረዓመ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ምሕደራ ስደት "ንዝሓሸ ኤውሮጳውን ዓለማውን ምትሕብባር ዕድል ዝፈጥር'ዩ" ክብል ገሊጹዎ'ዩ።

እዚ ሕጋዊ ቀይዲ ዘይብሉ ስምምዕ፡ ብደረጃ ዓለም ስደት ዝምእዘን፡ "ሃገራዊ ፖሊሲ ስደት ብብሄራዊ መሰል እተን ሃገራት ዝግለጽ" ክኸውንን "መሰረታውነት" ረብሓ ሕጋዊ ስደት ከረጋግጽን ዝጠልብ'ዩ።

እንተኾነ ግን ተንተንቲ ኤውሮጳ፡ ናብቲ ኣህጉር ዝግበር ስደት ክዛይድ ዝገብር'ዩ ብምባል ይነቕፉዎ።

በዚ ምክንያት ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ቐዳመ ሰናብቲ ኣንጻር እዚ ስምምዕ ምሕደራ ስደት፡ ኣሽሓት ንሰልፊ ተቓውሞ ወጺኦም'ዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ