ኣሜሪካዊ ዳኛ፡ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ተሓጋጋዚ `ሃገሩ ሸይጡ` ኢሉ

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝነበረ፡ ማይክል ፍለይን Image copyright Reuters

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝነበረ፡ ማይክል ፍለይን፡ መረጻ ኣሜሪካ 2016 ብዓወት ዶናልድ ትራምፕ ንኽዛዘም ምስ ሩስያ ውዲት ኣሊሙ ተባሂሉ ናብ ፍርዲ ካብ ዝቐረቡ ሰበስልጣናት ናይ መጀመርታ ኢዩ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ትዊት ድማ ንማይክል ፍለይን ጽቡቕ መዓልቲ ክኾነሉ ተመኒይሉ።

ማይክል ፍለይን፡ ንኤፍ ቢ ኣይ ምስ ገለ ሰበስልጣናት ሩስያ ብዛዕባ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብምሕሳው፡ ንሃገሩ ሸይጡ ክብል ሓደ ዳኛ ወንጂልዎ።

ቤት ፍርዲ ማይክል ፍለይን ክፈርዶ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን፡ ጠበቓታቱ ድሕሪ ናይቲ ዳኛ ተሪር ዘረባ እቲ ፍርዲ ንግዚኡ ክደናጎይ ጠሊቦም።

ማይክል ፍለይን ምስ ኣምባሳድር ሩስያ ኣብ ኣሜሪካ ርክባት ከም ዝነበሮ ኣብ ታሕሳስ 2017 ኣብዝሃቦ ቃል ተኣሚኑ ኢዩ።

ማይክል ፍለይን ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቡ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ትዊት ``ጹቡቕ ዕድል ኣብ ናይ ሎሚ ቤት ፍርዲ ውዕሎኻ`` ኢልዎ።

ትራምፕ፡ ነቲ ንሱ ኮነ ናይ ስራሕ ተሓጋገዝቱ ምርጫ 2016 ንረብሓኡ ንኽኸውን ምስ ሩስያ ንዝገብርዎ ውዲት ዝምርምር ትካል ፍትሒ ኣሜሪካ ብቐጻሊ ክዘልፍ ጸኒሑ ኢዩ።

ኣብ ቤት ፍርዲ እንታይ ኣጓኒፉ?

ብሰሉስ ማይክል ፍርዱ ኪቕበል ትጽቢታት ነይሩ፡ እንተኾነ ድሕሪ ናይቲ ዳኛ ተሪር ዘረባ፡ ጠበቓታት ማይክል፡ እቲ ብይን ዝውሃበሉ መዓልቲ ክናዋሕ ጠሊቦም።

በመሰረት`ቲ ዝቐረበ ጠለብ ድማ ዳኛ ኢሜት ሱልቪያን እቲ ብይን ን13 መጋቢት ክውሃብ ወሲኑ።

"ከምዝመስለኒ ንሃገርካ ሸይጥካያ ኢካ" ኢልዎ እቲ ዳኛ።

ነቲ ዝፈጸምካዮ በደል ዘሎኒ "ጽልኣት ጨሪሰ ክሓብኦ ኣይክእልን" ውን ኢሉ ዳኛ ሱልቪያን።

ማይክል ፍልየን ንኤፍ ቢ ኣይ ኣብዝሃቦ ቃል ከም ዝሓሰወ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገበነኛ ከም ዝኾነ ተኣሚኑ። ሽዑ`ውን ይሕሱ ከም ዘለኹ ``ይርድእኒ`` ነይሩ ኢሉ።

Image copyright Getty Images

ማይክል ፍለይን እንታይ ኣቢሱ?

እቲ ጡረታ ዝወጸ ሌተ-ጀነራል ማይክል ፍለይን ብዛዕባ`ቲ ምስ ናይ ሩስያ ኣምባሳደር-ነበር ሴርጊየ ኪስልያክ ዝገበሮ ዝርርብ ንኤፍ ቢ ኣይ ናይ ሓሶት ቃል ሂቡ።

ኣብ ጥሪ 2017 ንኣባላት ኤፍ ቢ ኣይ ኣብ ዝሃቦ ናይ ሓሶት ቃል ምስ ኣምባሳድር ሴርጊየ ብዛዕባ ናይ ኣሜሪካ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከምዘይተዘራረበ ኣብቲ ዝሃቦ ናይ ኣምነት ቃሉ ገሊጹ።

ማይክል ፍለይን፡ ብዛዕባ`ቲ ሩስያ ኣንጻር ናይ እስራኤል ናይ ሰፈራ መደባታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንምኹናን ዘውጽኣቶ መደብ ደው ከተብሎ ምስ ንኣምባሳደር ሴርጊየ ከም ዘይተወከሶ`ውን ኣብቲ ዝሃቦ ቃል ሓሲዩ ኢዩ።

ማይክል ፍለይን ኣብቲ ንናይ ኣሜሪካ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ጎስጓስ ኣብዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ንቱርኪ ዘይሕጋዊ ዝተኸፍሎ ጎስጓስ ብምክያዱ`ውን ይኽሰስ ኢዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ