ምጥያሽ 'ኮሚሽን ወሰንን መንነትን' ምስ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሳነ'ዶ?

ተወከልቲ ህዝቢ Image copyright HoPR

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣዘራረቢ ኣዋጅ ምጥያስ 'ኮሚሽን ጉዳያት ወሰንን መንነትን' ምጽዳቑ ዝፍለጥ'ዩ።

እቲ ባይቶ ነቲ ኣዋጅ ብድምፂ ብልጫ 313 እንተጽድቕ፡ 33 ኣባላት እቲ ፓርላማ ተቓዊሞም። ኣርባዕተ ድማ ድምጾም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።

ምጽዳቕ ኣዋጅ ምጥያስ ኮሚሽን ጉዳያት ወሰንን መንነትን፡ ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ፣ ስልጣን ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ዝሻመን ከምኡ'ውን ኣብ ቀጻሊ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘምጽእ'ዩ ዝብል ብሓደ ሸነኽ ዝተልዓለ ክትዕ ነይሩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ብኽልተ ቀወምቲ ኮሚቴታት ተመርሚሩ፡ ነቲ ሕገ መንግስቲ ከም ዘይጥሕስ ተረጋጊጹን፡ ዕላምኡ'ውን መጽናዕቲ ብምግባር ናይ መፍትሒ ሓሳባት ምቕራብ'ዩ እምበር ውሳነ ምሕላፍ ብዘይምዃኑን፡ ንስልጣን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይሻመን ዝብል ሙጉት ቀሪቡ'ዩ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ እዋን ምጽዳቕ እዚ ኣዋጅ ዝገበሮ ክትዕ፡ ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ስራሕ ዘመኖም ርእዮምዎ ብዘይፈልጡ ደረጃ ብርቱዕ ምንባሩ ገለ ተወከልቲ ህዝቢ ይዛረቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ክልላት ሶማልን ኦሮምያን ቅድም ኢሉ ዝተጀመረ ጎንፂ ወሰን በዋንነት ግዝኣትን ንብዙሓት ሕልፈት ምኽንያት ዝኾነ እንትኸውን፤ በዚ ሰንኪ ኣስታት ሓደ ሚልያን ህዝቢ ከምዝተመዛበለለ መረዳእታት ይሕብሩ። ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ውጥጥ ወሰንን ዋንነት ገለ ግዝኣታትን ናብ ጎንፂ ከየምርሕ ስግኣታት ኣሎ።

ካብ ምንታይ ዝተልዓለ ተቓውሞ'ዩ?

ምጽዳቕ እቲ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ዝተቓወሙ ተወከልቲ ትግራይ ምኳኖም ይዝረብ'ሎ።

ኣባል እቲ ባይቶን፡ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ግን እቶም ዝተቓወሙ ናይ ትግራይ ጥራሕ ምዃኖም ከም ዘይፈልጥን መረዳእታ ከም ዘይብሉን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እቲ ኣዋጅ ብባህሪኡ፡ ፀረ-ሕገ መንግሰቲ'ዩ" ዝብል ቅዋም ዘለዎ ኣይተ ጌታቸው፡ "እቶም ዝተቓወሙ ኩሎም ናይ ትግራይ ተወከልቲ እንተኾይኖም የሐጉሰኒ፤ እቲ ሕገመንግስቲ ብደንቢ ተረዲኦምዎ ኣለዉ ማለት እዩ። ዘይ ሕገመንግስታዊ ዝኾነ ኣዋጅ ንከይፀድቕ'ዮም ተቓዊሞም" ኢሉ።

እቲ አዋጅ 'ነየናይ ሕገ መንግስታዊ ድንጋገ'ዩ ዝጻባእ?' ዝብል ሕቶ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣቕሪብናሉ። እቲ ሕገመንግሰቲ ብግልፂ ከምዘቕመጦን፡ ጉዳያት ወሰንን መንነትን ናይ ምርኣይ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ጥራሕ ምዃኑን ይዛረብ።

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣንቀፅ 48 ንኡስ ኣንቀፅ 1 ፤"ኣብ መንጎ ክልላት ሕቶ ወሰን እንተደኣ ተላዒሉ ኾይኑ፡ ብስምምዕ እቶም ሰብ ጉዳይ ክልላት ይፍታሕ። እቶም ክልላት ምስምማዕ እንተዘይክኢሎም ግና፡ ቤት ምኸሪ ፌዴሬሽን አሰፋፍራን ድሌትን ናይቲ ህዝቢ መሰረት ገይሩ ይውስን" ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሕቶ ወሰን ኣብ ሞንጎ ክልላት ጥራይ ከም ዘሎ ተገይሩ'ዩ ዝዝረብ ዝብል ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ወሽጢ ሓደ ክልል ኮይኖም ዓርስና ክነመሓድር ኣለና ኣብ ሞንጎ ዝብሉ ሓደ ህዝብታት'ውን ከም ዝልዓል ይገልጽሞ፤ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርአ ጸገም ከም ኣብነት የልዕል።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት እቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ጌርካ ጥራሕ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ኩለን ክልላት "ዘተኣሳሰረን ቃል ኪዳን ሕገ መንግሰቲ'ዩ" ኢሉ።

ተወካሊ ወረዳ ደንዲ፡ ዞባ ምዕራብ ሽዋ፡ ኣባል'ቲ ባይቶ ዶክተር ሙሉጌታ ኣበበ፡ ብወገኖም እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝፀደቐሉ እዋን ኣይረኸቡ 'ምበር ምጥያሽ እቲ ኮሚሽን እድግፍ'የ ኢሎም። "ብዙሕ ከካትዕ ነይርዎ ኢለ ኣይሓስብን። ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ፀገማት እንተሃልዮም መፍትሒ ከምፅእ ይኽእል'ዩ ብዝተብሃለሉ መገዲ ሓሲብካ ምኽያድ ጌጋ የብሉን። ስለዚ ንኹሉ ዘሳተፈን ዘሕጉስን ኣማራፂ መገዲ ምንዳይ ኣዘራራቢ ክኸውን ነይርዎ ዝብል እምነት የብለይን" ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ፡ መምህር ሕጊ ወይዘሪት ብርቱካን ሃይለ ግና ብዓይኒ ሕጊ እቲ ኣከያይዳ ዘይሕጋዊ ከም ዝኾነ ትዛረብ።

"እቲ ሕገ መንግስቲ ጉዳያት ወሰንን መንነትን ናይ መን ስልጣን ከም ዝኾነ ብግልፂ ኣቕሚጡ'ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ፀገማት ከምዘጓንፉ ገሚቱ ድማ መፍትሒ ኣስፊሩ'ሎ" ትብል።

ምጥያስ ኣዋጅ ኮሚሽን "ወሰንን መንነትን" ብግልፂ ንስልጣን ባይቶ ፌዴሬሽን ኣሕሊፉ ንግዳማዊ ኣካላት ዝህብ ከም ዝኾነ'ውን ተዛሪባ።

ይኹን'ምበር እዚ ተፃዋዕነቱ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾነ ኮሚሽን፡ "ውሳኔ ምሃብ ዘይኮነ መፍትሒ ሓሳብ ንምምልኻት'ዩ" ዝብል ዓንቀፅ ኣስፊሩ'ዩ።ወይዘሪት ብርቱካን ግን፡ እቲ ፌደሬሽን ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺቡዎ፡ ባዕሉ ኮሚቴ ኣጣይሹ ክሰርሕ ከም ዝኽእል'ያ ትገልጽ።

"እዚ ኮሚሽን ምኽረ ሓሳብ እዩ ዘቕርብ'ኳ እንተተብሃለ፡ ውሳነ ዝወሃብ እቲ ኮሚሽን ዘቕርቦ ሓሳብ መሰረት ገይሩ እዩ" ብምባል፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዚ ዓይነት ኮሚቴ ናይ ምጥያስ መሰልን ስልጣንን ከም ዘይብሉ ተረድእ።

ዶክተር ሙሉጌታ'ውን፡ እቲ ጉዳይ ብዝበለፀ ዝምልከቶ ባይቶ ፌዴሬሽን ምዃኑ ይኣምኑ እዮም። ይኹን'ምበር ኢሎም "ኣብቲ ባይቶ እንተዝነብር'ውነ ነዚ [ናይ ምፅዳቕ] ሓሳብ ምገለፅኩ። ባይቶ ፌደሬሸን ክሳብ ሐዚ ነቲ ሽግር ክፈትሖ ኣይከኣለን። 'ባይቶ ፌደሬሸን ንምንታይ ክፈትሖ ኣይከኣለን?' ኣብ ዝብል ዘተ ብምግባር'ውን ምፍታሕ ምተኸኣለ። እዚ ናይ ሕዚ ኣማራፂ ግን ኣግባብነት የብሉን ዝብል መደምደምታ የብለይን።"

እንታይ ከስዕብ ይኽእል?

እዚ ብብልጫ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐ ኣዋጅ ምጥያስ ኮምሽን 'ጉዳያት ወሰንን መንነትን'፡ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝኸፋፈለ'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.4 ሚሊዮን ሰባት፡ ብምኽንያት ዓሌታዊ ግጭታት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም'ዮም።

እቲ ኮሚሽን ድማ፡ መሰረታዊ ምንጪ እዞም ጸገማት ብምጽናዕ ንሓገግቲ ሕጊ መፍትሒ ሓሳባት ከቕርብ ዝብል ዕማም ክወሃቦ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ይኹን'ምበር ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር ትግራይን ሓድሽ ምምሕዳር እታ ሃገርን ፍሕፍሕ ከይፈጥር ይስጋእ'ሎ። ብወገን ትግራይ፡ ዝንፀባረቕ ዘሎ ስክፍታታት፡ እዚ ኮሚሽን፡ ነቲ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ናይ ግዝኣትን መንነትን ምስሕሓብ ብዘይ ርትዓውነት ክውስንን ንክልል ኣምሓራ ክውግንን እዩ ዝብል ጥርጣረ ይንፀባረቕ'ሎ።

ኣብታ ሃገር ዝርኣዩ ዘለው ዓሌታዊ ጎንፅታት ባይቶ ፌደረሽን ብዘሕልፎም ውሳነታት ክፍታሕ ምተገብአ ብዝብል፡ ብምጥያስ እቲ ኮሚሽን ዝሰግኡ ወሃብቲ ርእይቶ'ውን ኣለው።

ንቢቢሲ ኣፍሪቃ ርእይትኡ ዝሃበ ተንታኒ ሕጊ መኮነን ፍስሃ ድማ፡ ኢትዮጵያ ንክልላትን ፌደራልን ስልጣን ከፋፊላ ብፌደራላዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገር ምዃና ይጠቅስ።

"ምንቅስቓስ እዚ ኮሚሽን ግብራዊ እንተድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ከይዲ ዓሌታዊ ጎንፅታት ብምልዓል መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ሕቶ ወሰን ክወስደና ይኽእል'ዩ" እንትብል፡ ገሊኤን ክልላት ናብ ሕድሕድ ጎንፂ ገሊአን ድማ ናብ ምጥፍፋእ ከምርሓ ክገብረን ዝኽእል'ዩ ኢሉ።

"ዘይሕገመንግስታዊ ግዳማዊ ትካል ሒዝካ ምምጻእ ኣድላዪ ኣይነበረን። ዝፈጥሮ ሓድሽ ነገር የሎን፤ እኳ ድኣስ ናብቲ ዘሎ ጎንፅታት ቤንዚን ዝውስኽ'ዩ" ብምባል ቅቡልነት ከም ዘይብሉ የስምረሉ።

ቀፃሊኸ?

ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ "ፀረ ሕገ መንግስቲ" ክብል ዝገለጾ ኣዋጅ ናብ ስራሕ ከይኣቱን ንክለዓልን ዝተፈላለየ መንገድታት ከምዘሎ ይዛረብ።

"ነዚ ፀረ ሕገ መንግሰቲ ዝቕበል ህዝቢ ክህሉ'ዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ናይ ኩለን ክልላት፤ ብሄር ብሄረሰባት ፍቓደኝነት የድልዮ እዩ። ነዚ ደው ንምባል እቲ ሕገ መንግስቲ ዘቕመጦም ብዙሓት መንገድታት ኣለዉ። ንሳቶም ክንጥቀም ኢና።"

ጥርዓን ተወከልቲ ትግራይ ዝሓዘ 23 ገፅ ናብ ባይቶታት ፌዴሬሽን ተወከልቲ ህዝብን ከምኡ ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ኮሚቴታት ተጻሒፉ'ዩ።

ብፍላይ፡ እቲ ጉዳይ ብዋናነት ዝምልከቶም ክልላትን ካልኦት ኣካላትን ከም ዘይመኸርሉን ብተብተብ ከም ዝተሰርሐን እዩ እዚ ጥርዓን ዝገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ