ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ብፍቓዱ ካብ መዝነቱ ወሪዱ

ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ብፍቓዱ ካብ መዝነቱ ወሪዱ Image copyright Getty Images

ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ጀኔራል ማቲስ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣሜሪካ ሰራዊታ ካብ ሶርያ ክትስሕባ'ያ ድሕሪ ምባሉ፡ ከም መግለጺ ናይ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ብኽብሪ ከም ዝተሰናበተ ተፈሊጡ።

ጀኔራል ማቲስ እቲ ምስሓብ ሰራዊት 'ስትራተጂካዊ ጌጋ' ኢዩ ኢሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ጂም ማቲስ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት "ብኽብሪ" ጡረታ ክወጽእ ከም ዝኾነ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ትዊት "ጀነራል ማቲስ ሰብ ኪዳን ኣብ ምንዳይን ካልኦት ሃገራት ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ብጽሒተን ከበርክታ ኣብ ምግባርን ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ ነይሩ ንዓይ" ኢሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ንጄኔራል ማቲስ ዝትክኦ ኣይስመ ድኣ'ምበር ኣብዚ ቀረባ ክትክኦ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

"ንናይ ሓባር ረብሓ ኩሉ ናይ ኣሜሪካ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ብምጥቃም፡ ንኹሎም ሰብ ኪዳን ሃገራት ድማ ብኽብረት ይኣልዮም" ከም ዝነበረን ኣብታ ጀነራል ማቲስ ዘቕረባ ናይ ስንብት ደብዳቢኡ ገሊጹ።

"ምስቲ ናትካ ኣጠማምታ ዝሳነ ምኒስተር ምክልኻል ክህልወካ [ፕሬዚደንት ትራምፕ] መሰልካ ኢዩ፡ ኣነ ድማ ጡረታ ክወጽእ ግቡአይ ኢዩ" ኢሉ ጀኔራል ማቲስ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ስንብት ደብዳበ።

ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ሴኔቶር ሊንድሲ ግርሃም ነቲ ዝተዘርግሐ ዜና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጀኔራል ማቲስ "በቲ ንሃገርናን ንፕሬዚደንት ትራምፕን ዝሃቦ ኣገልግሎት ክኾርዕ ይግብኦ" ኢሉ።

ንዓመታት ኣንጻር ኣኽረርቲ ምስልምና ኣብ ምቅላስን፡ ንፕሬዚደንት ትራምፕ ድማ ቅኑዕን ሞያውን ወተሃደራዊ ምኽሪ ይህብ ነይሩ ኢሉ ሴኔቶር ሊንድሲ ኣብ ዝገበሮ ትዊት።

ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዴሞክራት ሴኔቶር ማርክ ዋርነር ድማ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኢዩ ብምባል ንጀኔራል ማቲስ `ብቲ ዕግርግሮ ዝመልኦ ምምሕዳር ትራምፕ ናይ ሰላም ደሴት ኢዩ ነይሩ ኢሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ሶርያ እንታይ ኢሉ?

ብሮቡዕ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣባላት ኣስላማዊ ጉጅለ (ኣይ ኤስ) ተሳዒሮም ስለዝኾኑ፡ ኣሜሪካ 2,000 ወተሃደራታ ካብ ሶርያ ክትስሕብ ከም ዝኾነት ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ሰራዊት ምስሓብ ዜና ምስቲ ናይ ጀኔራል ማቲስ መርገጺ ዘይሳነ ስለ ዝነበረ ድማ ዓቢ ነቐፌታ ኣጓኒፍዎ።

ጀኔራል ማቲስ ኣብዚ ኣዋን ካብ ሶርያ ሰራዊት ምስሓብ ስትራተጂካዊ ጌጋ ኢዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ ደጋፊ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝኾነ ሴኔቶር ግርሃም፡ እቲ ናይ ሰራዊት ምስሓብ ውሳነ "ምስቲ ናይ ፕሬዚደንት ኦባማ ዝመሳሰል ዓቢ ጌጋ" ኣብ ሶርያን ክኒኡን ኣብ ዘለዋ ሃገራት ድማ ``ኣዕናዊ ሳዕቤናት`` ክህልዎ ኢዩ ኢሉ።

ካብቲ ቦታ ምስሓብ ማለት፡ ኩሉ ነቲ ኣሜሪካ ኣብቲ ቦታ ዝነበራ ጽልዋ ኣሕሊፍካ ንሩስያን ኢራንን ምሃብ ኢዩ ኢሉ።

እታ ኣብቲ ኣሜሪካ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ኣንጻር ኣይ ኤስ ትመርሖ ዝነበረት ክዳን ዓቢ ተራ ዝነበራ ፈረንሳ ግና ኣይ ኤስ ጨሪሱ ስለ ዘይተደምሰሰ ሰራዊታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ሶርያ ክጸንሑ ከም ዝኾኑ ገሊጻ።

ናይ ጀርመን ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ሄኮ ማስ ድማ ናይ ኣሜሪካ ውሳነ ነቲ ኣንጻር ኣይ ኤስ ዝካየድ ቃልሲ ብኣሉታ ክጸልዎ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ብኩርዳውያን ዝምራሕ ናይ ሶርያ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ድማ እቲ ውሳነ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከም ዘለዎን ኣይ ኤስ "ዳግም ክሰርር" ዝሕግዝ ኢዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ተወሳኺ ዛንታ