ምርጫ ኮንጎ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ መኽዘን ዝተላዕለ ሓዊ ተደናጉዩ

ደገፍቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ Image copyright Getty Images

ነዊሕ ምድንጓይ ዘጋጠሞ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዲሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ዳግም ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ተናዊሑ።

እቲ ምርጫ፤ ንሰንበት ተመዲቡ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ን30 ታሕሳስ ከም ዝተናውሐ ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር ገሊጹ።

ምኽንያት ምንዋሕ እዚ ምርጫ፡ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተባርዕ ሓዊ ምድንጓይ መሳርሒ ምርጫ ናብ ምዱብ ቦታታት ብምስዓቡ እዩ።

እዚ ድምድንጓይ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሓይልታት፤ ፕረዚደንት ጆሴፍ ካቢላ ዳግም ናብ ስልጣን ንምሕኳር ዝፈጠሮ ሜላ'ዩ ዝብል ጥርጣረታት ኣሕዲሩ'ሎ።

ካቢላ፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2016 ክወርደሉ ዝነበሮ ዘመን ብምነዋሕ ክሳብ ለይተ ሎሚ ኣብ ስልጣን ምጽንሑ ይፍለጥ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብታ ሃገር ክካየዱ ዝነበሮም ናይ ምርጫ እዋናት ብዝተፈላለዩ ሎጂስቲካዊ ምኽንያታት ክናውሑን ክደናጎዩን ይርኣዩ።

ብምኻኑ ድማ ዝበዝሑ ኮንጎኣውያን በዚ ምድንጓይን ምንዋሕን ምርጫ ኣይተገረሙን።

ንኣዋርሕ ዝኣክል ስግኣት ፈጢሮም ዝነበሩ ማሕለኻታት ምውቃዕ ዓላማ ሎጂስቲካዊ ቀረብ፤ ዝተማልኡ ኣቕሑ ምርጫ ናብ ሙሉእ እታ ሃገር ኣብ እዋኑ ምምርቓሕን ካልእን ንምድንጓይ እዚ ምርጫ እጃም ከም ዝነበሮም እውን ብተወሳኺ ተገሊጹ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ መኽዘን ማእከል ምርጫ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ብዙሕ መሳርሒ ምርጫ ብምዕናዉ ነቲ ስግኣት ኣጋዲድዎ።

እዚ መግለጺ ኣብቶም ምድንጓይ ይኹን ምንዋሕ ዝመረሮም ተወለድቲ ኮንጎ ዓቢ ጎንጺ ከልዕል ከም ዝኽእል ስግኣት ኣሎ።

ምንጻግን ምቕባልን ውሳኔ ኮምሽን ምርጫ ድማ ኣብ ድሌት እቶም ተወዳደርቲ ዝምርኮስ'ዩ። ወይ ደገፍቶም ብምርግጋእ ክቕበልዎ ወይ'ውን ክነጽግዎ።

ዲሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ካብ በልጅም ነጽነታ ካብ እትጎናጸፍ 1960 ኣትሒዛ ምዕሩይ ናይ ምርጫ ስርዓት ካብ ዘይገበራ ሃገራት ሓንቲ'ያ።