ኦነግ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈፀሞም ስምምዓት ተጣሒሶም ኢሉ

ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዘትዩ Image copyright ONN

ኣቦመንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ሎሚ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፡ ውድቦም ምስ መንግስቲ ዝፈፀሞ ስምምዕ ከምዝተጥሓሰ ኣፍሊጦም።

ኣቶ ዳውድ፡ እቶም ተጣሒሶም ዝበሉዎም ቁልፊ ነጥብታት እቲ ስምምዕ ድማ ዘርዚሮም። ብፍላይ፡ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ሓይልታት ፀጥታን ድሕንነትን መንግስቲ ንማንም ዘይወገኑ ክኾኑ፡ ሰራዊት ኦነግ ናብ ምክልኻል ሃገር ክሕወሱን ዝብሉ ይርከቡዎም።

ከምኡ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ሃለዋቶም ብዛዕባ ዘይተፈለጠ ተወለድቲ ኦሮሞ" መንግስቲ ንህዝቢ ግልፂ ክገብርን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ገበን ፈፂሞም ዝበሉዎም ውልቀሰባት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ተስማሚዖም ከምዝነበሩ ይዛረቡ። ብተወሳኺ ድማ ኩሉ ዘካተተ፡ ኩለመዳይ ለውጢ ንኽግበር ተስማሚዖም ምንባሮም ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም።

በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ኣስታት 1300 ወተሃደራት ኦነግ፡ ስልጠና ወሲዶም ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ክሕወሱን ኣርዳይታ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ክሰፍሩን እንተተገብረ'ኳ፡ አመራርሓ ኦነግ ኣባላት ሰራዊቱ ከይርኢ ተኸልኪሉ ይብሉ።

ከምኡ ድማ ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ክስልጥኑ ከምዝተገብረን፡ ኣብቲ ካምፕ'ውን አተሓሕዛ እቶም እስረኛታት ከም ሰልጠንቲ ዘይኮነስ፡ ከም እሱራት ከምዘኾነ ጠቒሶም፤ እዚ ኩሉ ምስቲ ዝተገብረ ስምምዕ ዝፃባእ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ኦነግ ብኣባላት ድሕንነት እናተሓነቑ ከምዝውሰዱ ገሊፆም።

Image copyright EBC

ቅድሚ ሕዚ'ውን አመራርሓ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብምቕታል ነቲ ዝተልዓለ ጎንፂ ጠንቂ ዝኾነ ኦነግ እዩ ዝብል መንግስቲ ዝነዝሖ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ እዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ብርእሰ ምምሕዳር ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ብምጓዓዝ ስምምዕ ምፍፃሙ ዝዝከር እዩ።

በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ኦነግ ብረታዊ ቃልሲ ጠጠው ኣቢሉ ናብ ሃገር ብምእታው ብሰላማዊ መገዲ ቃልሱ ከበርትዕን ከሰጉመን'ዩ ምስ መንግስቲ ተፈራሪሙ። ዝርዝር እቲ ስምምዕ ዛጊድ ዕላዊ ኣይኮነን ፀኒሑ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮምያ ኣለማየሁ እጅጉ፤ ብወገኖም መንግስቲ ምስ ኦነግ ዝገበሮ ስምምዕ ኣብ ተግባር ንምውዓል፡ ቅድመ ምድላው ካብ ዝውድእ ፀኒሑ እዩ ይብሉ።

ነቲ ስምምዕ ዝትግብር ኮሚቴ ከምዝተጣየሸነ ንሶም ኣባል እቲ ኮሚቴ ምዃኖምን ዝዛረቡ ኣቶ ኣለማዩሁ፡ እቲ ጉዳይ ዘጓትት ዘሎ ኦነግ እዩ ክብሉ ይኸሱ።

ኦነግ ወኪሎም ናይዚ ናይ ሓባር ኮሚቴ ኣባል ዝኾኑ ኣቶ ሚካኤል ቦረና ግና፡ ብግልባጡ መንግስቲ፡ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር ስድሪ ኣይሰጎመን ይብሉ።

ሰራዊት ኦነግ ብስነምግባር ዝተሃነፀ ስለዝኾነ ናብ ምክልኻል ሃገር ክሕወስን ግቡእ ስፍራ ክረክን እናተገበኦ፡ ተዘንጊዑ ክብሉ'ውን ሓቢሮም።

እቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ኦዴፓ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ እቲ ዝተጀመረ ለውጢ ንድሕሪት ዝምልስ ዝኾነ ተግባር ከምዘይዕገስ ኣፍሊጡ።